ቢንያም ግርማይ ካብ ቻምፕዮና ዓለም ቦዂሩ፡ ቪዛ ዝተኸልከለ ተቐዳዳማይከ ኣሎ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢንያም ግርማይ ካብቲ ሰንበት ኣብ ግላስጎ፡ ስኮትላንድ፡ ዝካየድ ቻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ከምዘይሳተፍ ዋና ጽሓፊ ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣቶ ምስግና ሃይለ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ንመበል 90 ግዚኡ ዝካየድ ቻምፕዮና ዓለም ኣብ ስኮትላንዳዊት ከተማ ግላስኮ ካብ 3 ክሳብ 13 ነሓሰ’ዩ ክካየድ።
ቢንያም ግርማይ ብቀዳም ኣብ ውድድር ክላሲካ ሳን ሰባስትያን ኣብ መበል 60 ኪሎሜተር ብምውዳቑ ውድድር ከምዘቋረጸ ዝዝከር’ዩ።
ኣብ 2021 ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ኣብ ቻምፕዮን ዓለም ተዓዋቲ ብሩር ሜዳልያ ዝዀነ ቢንያም ግርማይ፡ ቤልጂማዊት ጋንትኡ ኢንተርማርቸ ኣብ ፌስ ቡክ፡ ቢንያም ግርማይ ምሉእ ንምሉእ’ኳ እንተሓወየ ኣብ ከባቢ ጎልኡን ሞንኩቡን ቃንዛ ስለዘለዎ ኣብ ቻምፕዮና ዓለም ከም ዘይሳተፍ ገሊጻ ኣላ።
ኣቶ ምስግና’ውን ነዚ ሓቂ እዚ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ኢንተርማርቸ ቢንያም ግርማይ “ነቲ ካብ ዝሓለፈ ሓጋይ ጀሚረ ክዳለወሉ ዝጸናሕኩ ቻምፕዮና ዓለም ምብኳረይ ኣዝየ ይሓዝን፡ ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ ምስ ወዳእኩ ኣብ ጽቡቕ ቁመና’የ ነይረ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክላሲካ ሳን ሰባስትያን ዘጋጠመኒ መውደቕቲ ግን ቃንዛ ኣይሓደገንን ኣሎ፡ ስለዚ ሕጂ ቀዳምነተይ ምሉእ ንምሉእ ምሕዋይ’ዩ” ምባሉ ጽሒፋ ኣላ።
ኣብ ገንት ወቨልገን ንመጀመርታ ዝተዓወተ ጸሊም ኣፍሪቃዊ፡ ኣብ ግራንድ ቱር’ውን [ጂሮ ዲ ኢታሊ] ንመጀመርታ ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ዝኾነ ቢንያም ግርማይ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ምብኳሩ ነታ ጋንታ ዓቢ ሃጓፍ እዩ።
ኣብቲ ሰንበት ኣብ ግላስጎ ዝካየጽ 271.1 ኪሎሜተር ዝሽፍን ናይ ጽርግያ ቻምፕዮና ዓለም ደቂ ተባዕትዮ፡ ኤርትራ ብሸውዓተ ተቐዳደምቲ ከምእትውከል’ዩ ተገሊጹ ጸኒሑ፡ ሕጂ ግን ቢንያም ግርማይ ካብታ ጋንታ ከምዝወጽአ ርጉጽ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብቲ ናይ ግላስጎ ውድድር ሓንቲ ካብተን ተፈራሕቲ ጋንታታት ብምዃን ዓቢ ትጽቢት ዝግበረላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ነዞም ዝስዕቡ ተቐዳደምቲ ዝሓቖፈት'ያ፡
- ቻምፕዮን ኤርትራ 2018፡ 2022 ዕዉት ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ 2019 ከምኡ ከኣ ኣብ ግራንድ ቱራት ትሽዓት ግዜ ብምስታፍ ዓቢ ተመክሮ ዘለዎ መርሃዊ ቅዱስ
- ኣብ ግራንድ ቱር ሽዱሽተ ግዜ ዝተሳተፈ፡ ዕዉት ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ቻምፕዮን ኤርትራ 2023፡ 2019፡ ኣብ 2014 ቻምፕዮን ኤርትራ ከምኡ ከኣ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2018 ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር
- ዕዉት ዙር ሰርብያ 2022፡ ከምኡ ከኣ ቻምፕዮን ኤርትራ 2021 ዳዊት የማነ
- ኣብ 2022 ከምኡ ከኣ ኣብ 2023 ቻምፕዮን ኣፍሪቃን ኣብ 2023 ዕዉት ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ ሄኖክ ሙሉብርሃን
- 2020፡ 2022 ዕዉት ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ ናትናኤል ተስፋጽዮን
- ኣብ 2013 ዕዉት ዙር ቱርኪ፡ 2011 ከምኡ ከኣ 2012 ቻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ 2015 ከምኡ ከኣ 2019 ቻምፕዮን ኤርትራን ሸሞንተ ግዜ ኣብ ግራንድ ቱር ዝተሳተፈ ናትናኤል ብርሃነ፡
- ዝሓቖፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ግላስኮ ምእትኸውን’ዩ ግምት ተዋሂብዋ ዘሎ፡ ቢንያም ግርማይ ካብዚ ውድድር ምእላዩ ግን ነታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ሰንፈላል ዘየእቱ ኣይኮነን።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ቱርኪ ብሓባር ልምምድ ከካይዱ ዝቐነዩ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ዳዊት የማነን ናትናኤል ብርሃነን ቪዛ ከምዝተውሃቦም ናትናኤል ብርሃነ ንቢቢሲ ኣረገጊጹ ኣሎ።
ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና፡ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ መርሃዊ ቅዱስን ቢንያም ግርማይን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዘእቱ ቪዛ ስለዝተኸልከሉ ኣብ ውድድር ከምዘይሳተፉ ካብ ሎሚ ንግሆ ጀሚረን ከቃልሓ ተሰሚዐን ነይረን፡ ኣብ ማሕራዊ ሚድያ’ውን ብዙሓት ይቀባበልሉ ኣለዉ።
ዋና ጽሓፊ ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣቶ ምስግና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መብርሂ ግን፡ ንሱ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዩ ናብ ግላስጎ የምርሕ ከምዘሎ ብምሕባር ክሳብ ሕጂ ቪዛ ተነጺጉ ዝተብሃለ ተጻወታይ ከምዘየለን “ቪዛ ንኽውሃቦም ሓቲቶም ይጽበዩ ኣለዉ” ኢሉ።
ቅድሚ ሕጂ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሰንኪ ቪዛ ካብ ዝተፈላለየ ውድድራት ቦዂሮም ክብሃል ይስማዕ’ዩ፡ ተቐዳደምቲ’ውን ብናይ ቪዛ ጉዳይ ከማርሩ ይስምዑ’ዮም።
ሸሞንተ ግዜ ኣብ ግራንድ ቱር ዝተወዳደረ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ ኣብ 2020 ምስ ጋንታ ኮፊደስ ኣብ ዝነበረሉ፡ እታ ፈረንሳዊት ጋንትኡ ምስቶም ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ዝወዳደሩ ሸሞንተ ተቐዳደምቲ ሰሪዓቶ እኳ እንተነበረት ብሰንኪ ምድንጓያት ናይ ቪዛ ካብቲ ዝርዝር ከምዝኣለየቶ ናትናኤል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
ሕጂ ምስ ቱርካዊት ጋንታ በይኮዝ ዝወዳደር ዘሎ ናትናኤል ብርሃነ ኣብቲ ኣብ ጥቅምቲ 2020 ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ጋንታታት ንኤርትራውያን ተጻወትቲ ንኸፈርማ እቲ ጉዳይ ናይ ቪዛ ከም ሮቛሒ ከምዘቐምጠኦ እዩ ዝጠቅስ።
"ቅድሚ ምስ ኮፊደስ ምፍራመይ: ኣብ 2018 ኣብ ስጳኛ ዝመደበራ ኣሜሪካዊት ጋንታ ኢዲኬሽን ድራፓክ ንሰለስተ ዓመታት ውዕል ክፍርም ወዲአ ነይረ እየ። ኣብ ስጳኛ መንበሪ ፍቓድ ክረክብ ስለዘይክኣልኩ ግን ምስታ ጋንታ ክፈራረም ኣይከኣልኩን" ይብል ናትናኤል።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብቲ 8 ነሓሰ ዝካየድ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ብኣኽሊሉ ኣረፋይነ፡ ናሆም ዘርኣይን ሚልክያስ ቅዱስን ተወኪላ ክትሳተፍ’ያ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

