ሰባት ስለምንታይ’ዮም ካብ ሰብ ቃል ኪዳኖም ወጻእ ዝውሸሙ?

ኣብ ዓራት ዝደቀሱ መፃምዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣማኻሪት ጾታን ፍቕርን ኤስተር ፓለር፡ "ካብ ሓዳርካ ወፃኢ ምዕንዳር [ምትላል] እቲ ሓዳር ዝብሃል ትካል ክምስረት ካብ ዝጀመረሉ እዋን ዝመፅአ እዩ" ትብል።

ካብ ሓዳር ወጻኢ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ዝምልከት መጻሕፍቲ ዘሕተመት ኤስተር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታትን መርበባት ሓበሬታን እውን መደረታት ተስምዕ’ያ።

ሰባት ኣብ ሓዳሮም ወይ ፍቕራዊ ዝምድናኦም ምስ ካልእ ሰብ ተደራቢ ፆታዊ ዝምድና ዝፈጥሩ ስለምንታይ’ዩ? ነዚ ሕቶ ቅድሚ ምርኣይና ግን ‘ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ፍቕረኝኡ ወይ ሓዳሩ ምትላል ፈጺሙ ዝብሃል ከሎ እንታይ ክገብር ከሎ እዩ?’ ንዝብል ንርአ።

ምትላል [‘ቺት’ ምግባር] እንታይ እዩ?

እንዳልክ ኣሰፋ ሙሁር ስነ-ልቦና መስራቲ ማእከል ስነ-ልቦና ‘የእርቅ ማእድ’ እዩ።

ፍቕራዊ ዝምድና ወይ ሓዳር ሓደ ነቲ ካልእ ተኣማኒ ንምዃን ተረዳዲኦም ዝምስርትዎ ኣብ ስምምዕ ዝምስረት ርክብ ከምዝኾነ እንዳልክ ይዛረብ።

“እዚ ቃል ወይ ስምምዕ ንጹርን ዝፍለጥን እዩ። ብፍላይ ሓዳር እንትኸውን ብኣካል፣ ብስምዒት፣ ብቁጠባ ወይ ብዕላማን መንፈሳዊ ሓድነትን ተጣሚርካ ምንባር ከምኡ’ውን ኣብ ምሃብን ምቕባልን ዝምስረት ቃል-ኪዳን እዩ” ክብል የረድእ።

ኣብዚ ውዕል ወይ ስምምዕ ካልእ ወገን ክኣቱ እንተፈቒድና ድማ ምትላል ወይ ‘ቺት’ ምግባር ይብሃል።

“ምስ ካልእ ሰብ ጾታዊ ርክብ ምፍፃም ሓዊሱ ስምዒታዊ ዝምድና ምፍጣር ማለት ኣብ ልዕሊ ሓዳርካ ወይ ፍቕርኻ ምዕንዳር’ዩ። ይኹን እምበር ናብ ህይወትና ዝመፅኡ ሰባት ምርኣይን ምድናቕን ፀገም ኣይብሉን። እቲ ጸገም ዝመጽእ ንጾታዊ ርክብ ክንምነዮም/የን ወይ ናትና ክንገብሮም/ረን ክንደልይ ከለና እዩ” ይብል እንዳልክ።

ኤስተር ኣብ ልዕሊ ሓዳርካ ናብ ካልእ ምኻድ ብህዝቢ ዓለም ከም ነውሪ ዝቑፀርን ዝኽልከልን እኳ እንተኾነ ኣብ ኩሉ ባህልን ሕብረተሰብን ዝፍጸም ነገር ምዃኑ ትዛረብ።

ንሳ ከምእትብሎ፡ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ደቂ ተባዕትዮ ካብ መፃምዶም ወጻኢ ክኸዱ ከለዉን ደቂ ኣንስትዮ ክኸዳ ከለዋን ዝኽፈል ዋጋ ዝተፈላለየ እዩ።

"ጾታዊ ርክብ ደቂ ተባዕትዮ ዝሕበንሉ ነገር'ዩ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ግን ከም ዘይተፈጸመ ጌረን ዝሓብእኦን ዝዛረባሉን'ዩ" ትብል።

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓደር ወይ ፍቕሪ ዝፍጸም ምትላል (ስርቂ) ተመሳሳልን ሓደ ዓይነትን ትርጉም ምሃብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ ኤስተር ትሕብር።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ "ብተሌፎን ካብን ናብን ዝለኣኹ ፆታዊ ስምዒት ዘለዓዕሉ ሓጸርቲ መልእኽትታት፣ ቪድዮታት ጾታዊ ርክብ ምርኣይ፣ ተሓቢእኻ ናይ ዕርክነት መተግበሪታት (ኣፕሊኬሽናት) ምጥቃም" ኣብ ርእሲ ኣካላዊ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ዝያዳ ልሙድ እናኾኑ ይመጽኡ ብምህላዎም እዩ።

ኣብ ዓራት ሕቖ ንሕቖ ኮይኖም ዝደቀሱ መፃምዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኤስተር ንምትላል ወይ ኣብ ልዕሊ መፃምዲ ተሓቢእኻ ምስ ካልእ ምኻድ ብዝምልከት ዝሃበቶ ትርጉም ነዞም ዝስዕቡ ጕዳያት የጠቓልል።

"ሕቡእ ወይ ምስጢራዊ ርክብ፣ ካብ መጻምድትኻ ዘይትረኽቦ ወይ ዘይትሓቶ ጾታዊ ባህርያት ክትረኽበሉ እትኽእል ቦታታት ምእላሽን ምምራጽን ምትላል'ዩ" ክትብል ትገልፆ።

ሙሁር ስነ-ልቦና እንዳልክ ከምዝብሎ፡ ሰባት ንምትላል ወይ ካብ መፃምድኻ ወፃኢ ምኻድ ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ካብ ሕብረተሰቦም ዝመሃርዎን ጌጋ ከምዘይኮነ ጌሮም ክሓስብዎ ዝኽእሉን ጉዳይ እዩ።

"ኣብቲ ሕብረተሰብ ከም ኣብነት ዝረኣዩ ሰባት ከይተረፉ ካብ ሓዳሮም ወፃኢ ምኻድ ዘኹርዕ ምዃኑ ክዛረቡ እናሰማዕኻ ምዕባይ፤ ደሓር ምስ ዓበዪ ኣብ ሓዳር ምትላል ከም ዘሐብን ተግባር ክቖጽርዎን ክፍጽምዎን ምኽንያት ክኸውን ይኽእል'ዩ" ክብል የረድእ።

ነዚ ዘኸትሉ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እኳ እንተሃለዉ፡ ምስቲ እንምርዐዎ ወይ ኣፍቃሪና ዘለና ርክብ፡ ኣብ ንዋታዊ ረብሓ ዝተመርኮሰን ቀያዲ ስምዒታት ዝጎደሎ እንተኾይኑን ጥዑይ ዝምድና ከይህልው ካብ ምግባር ንላዕሊ ምስ ካልእ ሰብ ንምዕንዳር መበገሲ ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእል እንዳልክ ይዛረብ።

ብፍላይ እቲ ዝተመርዓናዮ/ያ ሰብ "ባዕልና እንተዘይመሪጽናዮ ምስ ካልእ ሰብ ሕቡእ ፆታዊ ርክብ ንኽንፈጥር ዝገብር ምኽንያት’ዩ" እንተ ኢሉ። ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለዩ ዝኽእሉ ካልኦት ብዙሓት ምኽንያታት እውን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም” ክብል ወሲኹ ይገልፅ።

ኤስተር ብወገና ኣብዚ ጕዳይ እዚ ሓደ መሰረታዊ ሕቶ ተልዕል።

ስለምንታይ እዩ ኣብ ሓዳሮምን ፍቕራዊ ህይወቶምን ሕጉሳት ዝኾኑ ሰባት ከይተረፉ ካብ መፃምዶም ወፃእ ምስ ካልእ ዝኸዱ?

ንሳ ከምእትብሎ፡ ምኽሪ ንምርካብ ናብኣ ካብ ዝመፅኡ ሰባት እቶም ዝበዝሑ፡ ንኣፍቃሪ ተኣማኒ ምዃን ዝኣምኑሉ’ኳ እንተኾኑ፡ እምነቶምን ተግባራቶምን ግን ኣዋሃሂዶም ክቕፅሉ ዘጸግሞም እዮም።

"ንዓሰርተታት ዓመታት ንሓዳሮም እሙናት ዝኾኑ ሰባት፡ ነቲ ዘፍቅርዎ ሰብ ከም ዝስእኑ እናፈለጡ፡ ንምንታይ እዮም ንቕጽበታዊ ሓጎስ ንምርካብ ክብሉ መስመር ዝጥሕሱ?" ክትብል ትሓትት።

ዋላ'ኳ ምትላል ናይ ክሕደት ተግባር እንተኾነ፡ "ኣብኡ ግን ናጽነት፣ ስምዒታዊ ምትሕልላይን ሓዳር ድሕሪ ምምስራት ዝሰኣንናዮ ነገራት ንምርካብ ንጽዕረሉ ኩነታት’ዩ" ትብል።

ምትላል (ካብ መፃምድኻ ወጻኢ ምኻድ) ጌጋ’ዶ ምርጫ?

ኣብ ኩሉ ተግባራትና ምርጫ ከምዘሎ ናይ ስነ-ልቦና ሙሁራት ይዛረቡ።

እንዳልክ፡ ሓንጎልና ምስ ምኽንያትን ስምዒትን ዝሰርሕ ክፋል ከምዘለዎ ብምሕባር ነቲ ሓሳብ ይድግፎ።

"ስለዚ ሓደ ነገር ክንገብር ከለና ኣውሪዱን ኣደይቡን ነቲ ፅቡቕን ሕማቕን ዝነግረና ክፍሊ ሓንጎል ኣሎ። ብኻልእ ገፅ ድማ ኣብ ልዕሊ መፃምዲ ንዝፍጸም ምትላል ሓዊሱ ንፍቕሪ፣ ቅንእን ፍትወትን ዝቆፃፀር ክፋል ኣእምሮ ኣለና” ክብል የረድእ።

"ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ምኽንያት ዝኣምን ሰብኣዊ ባህርያትና ሰጊርና፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ምትላል ክንፍጽም ከለና፡ ጌጋ ዘይኮነስ ምርጫና እዩ" ይብል።

ኤስተር ብወገና ደቂ ሰባት ዝተኸልከለ ነገራት ናይ ምድላይ ከምኡ’ውን ሕቡእ ነገራት ናይ ምምናይ ዝንባለ ከም ዘለዎም ትገልጽ።

ንሳ ወሲኻ፡ ሓደ ሰብ ውሽማ ሒዙ ብቕሉዕ ክረኣይ ነውሪ ስለዝኾነ ኣብቲ ብወግዒ ክውንኖ ዘይክእል ነገር ተደጋጋሚ ድሌት ክሓድሮ ከምዝኽእል ወሲኻ ተረድእ።

ኣብ ትሕቲ ሰደቓ ብእግሮም ዝተናኸፉ ጓልን ወድን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ግዳያት ምትላል

ከምቲ ኤስተር እትብሎ፡ ምትላል (ሕቡእ ተደራቢ ርክብ) ኣብ ልዕሊ ኣፍቃሪ ወይ መጻምድቲ ሓዳር ከስዕቦ ዝኽእል ስምዒታውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጉድኣት ሸለል ኢልካ ክትሓልፎ ዝከኣል ኣይኮነን።

እንዳልክ ብወገኑ፡ እቲ ዝተጠልመ ኣካል ወይ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ምትላል ዝተፈጸሞ ውልቀሰብ ፍቕሪ ከም ዝተኸልአ፣ ናቱ ዝኾነ ነገር ከም ዝስኣነን ክብሪ ዝህቦ ነገር ከምዝሓሰሮን ኮይኑ ከምዝሰምዖ የረድእ።

"ቃል-ኪዳን ክፈርስ ከሎ ልቢ ምስኡ ይስበር። ንስምዒት ናይ ዝተሰብረ ልቢ ድማ ካልእ ሰብ ብቐሊሉ ክርድኦ ኣይክእልን” ይብል።

ተደላዪ ዘይምዃንን ብኻል ሰብ ክትትካእ ከለኻን ድማ ብዝያዳ ንማሕበራውን ቁጠባውን ህይወትካ የተሓላልኹ።

ልክዕ ከምቲ ንዝሓመመ ክፍሊ ኣካላትና ሕክምና ንምርካብ ናብ ሓኪም ንኸዶ፡ ንዝተሰብረ ልብና ፈውሲ ንምርካብ’ውን ንሰብ ሞያ ምምኽኻር ግቡእ ምዃኑ እንዳልክ ይሕብር።

ኤስተር ከኣ እቲ ብሓደ ወገን ዝፍጸም ምትላል (ሕቡእ ፆታዊ ርክብ) መቓብር ፍቕራዊ ዝምድና ወይ ሓዳር ምዃኑ ትዛረብ።

ሓደ ነቲ ተግባር ዝፈጸመ ሰብ ብቐዳምነት ክፍጽሞ ዝግባእ ነገር ነታ ዝበደላ (ነቲ ዝበደለቶ) ብግልጺ ይቕሬታ ​​ምሕታት ምዃኑ ትመክር።

እዚ ዝኸውን ግን ይቕረታ ዝገብር ኣካል ምስ ዝረክብ ጥራይ እዩ። እዚ እንተዘይኮይኑ ድማ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ሳዕቤናት ስለዘለዎ እቲ ዝምድና ንምቁራጽ ዝውስን ክህሉ ይኽእል እዩ።

መጻምድተይ እንተ ኣታሊሉኒ ክፋታሕ እየ ዝብላ መጻምድቲ ምስ ክውንነት ክራኸባ እንከለዋ ነቲ ኣቐዲመን ክብልኦ ዝፀንሓ ነገር ክፍፅምኦ ኣይረኣያን። ደቂተባዕትዮ’ውን ከምኡ።

“ገለ እዋናት እቲ ተግባር ምትላል ዕድመ ሓዳር ዘሕፅር’ዩ። ኩሉ ግዜ ግን ከምኡ ኣይኮነን” ትብል ኤስተር።

[ኣብዚ ዛንታ ብሓደ ፆታ ዝተገለፁ ሓሳባት ንኽልቲኡ ፆታታት ዝውክሉ እዮም]