ን13 ሽሕ ሰባት ንበይና እትሕክም ዶክተር

ጓል 99 ዓመት ኤለውተራ ኣቡስ፡ የማናይ ቅልጽማ ምስ ኣልዓለት፡ እቶም ዝተሰብሩ ኣዕጽምታ ቃንዛ ይፈጥሩላ ኣለዉ።
ማእሲ ካብ እትሕዝ ሽዱሽተ ወርሒ ኰይኑዋ እይ።
"ክገብሮ ዝኽእል ቃንዛኣ ምንካይ ጥራይ'ዩ" ትብል ኣለና ያፕ፡ ኣብ በረንዳኣ ትምርምራ ዝነበረት ጓል 28 ዓመት ዶክተር። "ብሓቂ እቲ ዓጽሚ ተላጊቡ ክእሰር አለዎ። ስድራቤት ግን ናብ ሆስፒታል ምውሳድ ኣብዮም ኣለዉ።"
ደቃ እዚ ጠፊኡወን ኣይኰነን፤ ግን ድኻታት እየን።
እቲ ዝቐረበ መጥባሕቲ ክትገብረሉ እትኽእል ሆስፒታል፡ ካብታ ዝነብሩላ ንእሽቶ ደሴት ብኣማኢት ማይላት ስግር ባሕሪ ርሒቝ ይርከብ።
ሓንቲ ካብተን ኣብ ማእከል ባሕሪ ሱሉ ፊሊፒንስ ተረሲዐን ዘለዋ ንደሴታት ኣጉታያ ዘቘማ ደሴታት እያ።
ዶክተር ኣለና፡ ነቶም ኣብዚ ዝነብሩ 13 ሽሕ ዝዀኑ ሰባት፡ እታ እንኮ ሓኪም እያ።
ምስቲ ንእሽቶ መነጽርን ብጭራ ፈረስ ንድሕሪት ዝተኣስረ ነዊሕ ጸጕራን ዝስነ ክምስታ፡ ነቲ ቈራጽነታ ዝሸፈኖ ይመስል።
ንሳ ዘይርኣየታ ሓንቲ ደሴት ጥራይ እያ ዘላ - ኣማንፑሎ፤ ብስም ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ምቾት ዝህብ መዘናግዒ ቦታ ዝተሰምየ ኰይኑ፡ ንበዓል ክሩዝን ቢዮንሰን ከምዘአንገደ ይንገር።
ኣብ ንጹር ብርሃን መዓልቲ፡ ካብኡ ከባቢ 20 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ ገማግም ዓማዕዲኻ ይርአ እዩ።
ዶክተር ኣለና ቅድሚ ኮሮና ቫይረስ እያ መጺኣ፣ ሰባት ንርእሶም ክንጽሉን ክረሓሐቝን ከለዉ ንዓኣ ቀሊል ኣይነበረን። ዳርጋ ምስ ሞት ትገጥም ነይራ።
እቲ ንዓለም ዝወሓጠ ለበዳ ግን ኣብዚ ብዙሕ ግዜ ዝተነጸለ ኵርናዕ ፊሊፒንስ ካብ ዝነበራ እንኮ ብድሆ ዝረሓቐ እዩ። ምስ ሓደስትን ነባራትን ሕማማት ተቓሊሳ፡ ምስ ዓበይቲ ብድሆታት ሃገራ ገጢማ ሓሊፋቶ።
"ሓቀኛ ለውጢ" ንምግባር ናብ ኣጉታያ ከምዝመጸት ትዛረብ። እንተዀ ኣዝያ ተስፋ ቀቢጻ ከምዝተመልሰት እያ ትኣምን።
ከም ሓንቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ፊሊፒንስ - ማኒላ ዝዓበየትን፡ ምርቕቲ ናይቲ ኣብታ ሃገር ላዕለዋይ ዝበሃል ቤት ትምህርቲ ሕክምና ዝዀነትን፡ ኣብዘን ኣዝየን ርሑቓትን እሳተ ጎመራ ዝበዝሐንን ደሴታት ክትርከብ ዝእመን ኣይኰነን።
ዶክተር ኣለና፡ ዘይከምቶም ብዙሓት ኣብ ኣውስትራልያ፡ ኣመሪካን ብሪጣንያን ሞያ ክደልዩ ዝኸዱ መዛኑኣ፡ ናብዚ መንግስታዊ መደብ ክትጽንበር ብወለንታኣ እያ፡ ናብ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ደሴታት እታ ሃገር ዝመጽአት።

ምንጪ ስእሊ, BBC/VIRMA SIMONETTE
በዳሂ ኮቪድ
ቀንዲ ደሴት ኣጉታያ ካብ ማኒላ ናይ ክልተ መዓልትን ፈረቓን ጕዕዞ እያ። ሓደ በረራ ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ድሕሪኡ ድቃስ ዘይብሉ ን15 ሰዓታት ለይቲ ብኽፍትቲ ጃልባ ካብ ወደባዊት ከተማ ኢሎይሎ ናብታ ኩዮ እትበሃል ዝዓበየት ደሴት ምሕላፍ ይሓትት።
ድሕሪኡ ናብ ኣጉታያ እትኣትወሉ እንኮ መገዲ፡ ብታንኳ ንኽልተ ሰዓታት ምጕዓዝ የድሊ።
እቲ ንፉዕ ጃልባ ዝዝውር ሰብ ነቲ ኣጻድፍን ገደላገፈደልን ሓሊፉ፡ እታ ቍራጽ ገነት ትመስል ኣጉታያ ትርአ።
ኣብ ትሕቲ እቲ ብስየ ዝተሸፈነ ገማግም ባሕሪ፡ ጻዕዳ ሑጻ ጫሕ ኢሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣንፈት ተዘርጊሑ ይርአ።
ጂኦግራፊ ግን በረኸትን መርገምን እዩ። ኣብ ኣማኢት ትርብዒት ኪሎ ሜተር ባሕሪ ፋሕ ኢለን ዝርከባ፡ ደርዘን ዝዀና ደሴታት፡ ማዕበልን ኣውሎ ንፋሳት ምስ መጸ ንመዓልታት፡ ሓሓሊፉ ድማ ንሰሙናት ከይተረፈ ይቈራረጻ።
ካብቲ ብጽዑቕ ጫካ ዝተሸፈነ ጐቦታት ናብ ልዕሊ ሰፋሕቲ ግራውቲ ዓበይቲ ደናጉል ይወርዱ።
ዝሕረስ መሬት ኣዝዩ ውሑድ እዩ። እቶም ነበርቲ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ውቅያኖስ እዮም ዝምርኰሱ።
ዶክተር ኣለና፡ ኣብ ለካቲት 2020 እያ ናብ ኣጉታያ ንመጀመርታ ግዜ ሰጊራ።
"ኣብዚ ክጅምር ከለኹ ጓል 26 ዓመት እየ ነይረ፡ ብዙሓት ሰባት ድማ ተመሃረይቲ ካልኣይ ደረጃ ይመስሎም ነይሩ" ትብል እናሰሓቐት። "ሰባት ዶክተር ምዃነይ ኣይምኣመኑን።"
ፈላማይ ብድሆኣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ መጺኡ፡ ኮሮናቫይረስ ንፊሊፒንስ ናብ ዕጽዋ ምስ ሰደዳ እዩ። እተን ደሴታት ኣብ ዕጽዋ ኣትየን።
"ቀዳመይቲ ዓመት ብዙሕ ሕማቕ ኣይነበረትን" ትብል ዶክተር ኣለና። "ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝኾነ መልከፍቲ ኣይነበረን። ኣብ ካልኣይ ዓመት [2021] ግን፡ መንግስቲ ኩሉ ሰብ ናብ ዓዱ ክምለስ ዝፈቐደሉ እዋን እዩ። ሃንደበት ካብ ርሑቕ ከም ማኒላ ዝመጹ ሰባት ነይሮምና።"
ዶክተር ኣለና ኣብ ምትግባር ውሸባኦም ሓላፊት እያ ነይራ። "ሰባት ክውሸቡ ምዃኖም ምስ ፈለጡ ዓሚጾም" ትብል።
"ናይ ሞት ምፍርራሕ በጺሑኒ። ሰባት ብጥይት ክቐትሉኒ ከም ዝደልዩ ነጊሮምኒ።"
ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝኾነ ትርዳእ እያ። ኣብዚ ዘለዉ ሰባት መዓልታዊ እዮም ዝነብሩ። ንግሆ ዝማእረርዎ ድራር ይበልዕዎ። ካብ ገዝኦም ወጺኦም ዓሳ ክገፉ እንተዘይክኢሎም ድፍን ኢሎም ይሓድሩ።
ክሳብ ሕጂ ብማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዘይተሓቑፈት፡ ንሕጹያ ኣብ ርሑቕ ማኒላ ገዲፋ ዝኸደት ዶክተር ኣለና፡ ሕጂ ከም ተሓላቒት[ኣኽባር ሕጊ] መንግስቲ እያ ትርአ።
"ብዘይካ ብኽያት ካልእ ክገብር ዘይክእለሉ መዓልታት ነይሩ። ብዙሕ ነቢዐ" ትብል።
ነቲ ጽምዋ ንምቅላል ኣኽላባት ክተዓቢ ጀሚራ። ብሩኖ ዓቢ ኰይኑ ጭራኡ ምዝራግ ዘየቋርጽ ነዊሕ ጭራ ዘለዎ ክኸውን ከሎ፡ ቪግሊ ድማ ንእሽቶን ሓፋርን እያ። ኣብ ኵሉ ቦታ ይስዕብዋ።
"ምስኦም ናብ ገማግም ባሕሪ ከይደ ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ብዙሕ ግዜ አሕልፍ። ክስእል'ውን ጀሚረ። ስእለይ ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ግን ሓደ ዓይነት ስነ-ጥበባዊ ፍወሳ'ዩ።
እቲ ዝቐጸለ ብድሆ፡ ክታበታት ኣብ ሓጋይ 2021 ክመጹ ምስ ጀመሩ እዩ።
"ናብ ነፍሲ ወከፍ ደሴታዊ ባራንጋይ [ዓዲ] ገዛ ንገዛ ክንከይድ ነይሩና" ትብል ዶክተር ኣለና።
"እታ ዝረሓቐት ደሴት ብጃልባ ዳርጋ ሰለስተ ሰዓታት ርሒቓ ትርከብ፡ ብዙሓት ሰባት ድማ [ናብ ክሊኒክ ንምምጻእ] ዝኽፈል ክፍሊት ኣይክእሉን እዮም፤ ስለዚ ኣይመጹን።"
እቲ ርሕቀት ጥራይ ጸገም ኣይነበረን፡ "ብዙሕ ምድንጋር ነይሩ” እትብል እታ ዶክተር፡ ብዙሕ ናይ ሓሶት ዜናታት እቲ ክታበት ሕማቕ ምዃኑ ወይ ሰብ ክቐትል ይኽእል'ዩ ዝብል ወረታት በዳሂ ነይሩ።
“ብዙሕ ሰብ ዜናኡ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እዩ ዝረኽቦ። ነቲ ሓቅታት ድማ ኣይረኽቦን ነይሩ።"
ኣብ ቀውዒ 2022፡ እቲ ካብ ኮቪድ ዝመጽእ ዝነበረ ስግኣት ክቕንስ ጀሚሩ ነይሩ። ዋላ እኳ ተቓውሞ እንተሃለወ፡ ምዝርጋሕ ክታበት ዕዉት ኰይኑ። ኣብ መላእ እተን ደሴታት፡ ሸሞንተ ሰባት ጥራይ እዮም ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ነይሮም።
እዚ ግን ብዙሕ ሩፍታ ኣየምጽአላን።

እታ 'ኣደ መድሃኒት'
ኣብ ኣጉታያ ዝርከብ ቀንዲ ክሊኒክ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንግሆ ሪጋ ክቐውም ጀሚሩ። ዶክተር ኣለናን ጋንታኣን መዓልታዊ ኣኼባ ኣለዎም።
"ቅድሚ ናብዚ ምምጻአይ ኵሉ ተፈጥሮኣውን ኦርጋኒክን ክኸውን እዩ ኢለ ሓሲበ ነይረ" ትብል ዶክተር ኣለና ብናይ ገዛእ ርእሳ ግርህነት እናሰሓቐት።
"ኣብዚ ግን መኣዛዊ ምግቢ ክትረክብ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ።"
ደቂ ዓዲ ዓሳታቶም ጨው ነስኒሶም የንቅጹ፡ እዚ ድማ ናብ ልዑል ጸቕጢ ደም የስዕብ። ሕማም ሽኮር'ውን ልሙድ እዩ ምኽንያቱ ካብ ጽሩይ ማይ ልስሉስ መስተ ምርካብ ዝቐለለ እዩ።
ዶክተር ኣለንስ ኣብ 2022፡ 45 ሕሙማት ቲቪ ከምዝተመዝገቡ፡ ካልኦት ብዙሓት ግን መርመራ ከምዘይተገብረሎም ትዛረብ።
ኣብ ፊሊፒንስ ሕጂ'ውን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ይግመት።
"እቲ ናይ ነዊሕ ግዜ ውጥን ምጥፋእ'ዩ" ትብል ዶክተር ኣለና፡ "ኣብ ቀረባ ክኸውን ግን ዘይከኣል'ዩ" ትብል።
ብሰንኪ ድኹም ተበጻሕነት ክንክን ጥዕና ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ዳግማይ ከም ዝምለሱን፡ ዋላ'ውን ንመድሃኒት ዝጻወሩ ዓይነታት ከማዕብሉ ከም ዝጀመሩን ትዛረብ።
ሓደ ንግሆ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ንእሽቶ ወዳ ናብቲ ክሊኒክ ኣምጺኣቶ። እቲ ወዲ ፍሕሽው ዝበለን ድሌት ዘይብሉን ኰይኑ፡ ኣብ መንበር ይወድቕ ነይሩ። ዶክተር ኣለና ሕማም ዕንፍሩር [ደንግ] ከም ዘለዎ ትጥርጥር።
ድሕሪ ቅሩብ ደቓይቕ ድማ ተረጋጊጹ ኣሎ። ፓራሲታሞል ትእዝዘሉ፡ ንኣደኡ ድማ ብዙሕ ማይ ክትህቦ ትነግራ።
እዚ ሓድሽ ሕማም ዕንፍሩር እዩ።
ዲይት፡ ካልእ ጽብቕቲ ደሴት
ዶ/ር አለና፡ ናብታ ብጃልባ 40 ደቓይቕ ርሒቓ እትርከብ ዲይት ክትሰግር ኣለዋ።
ካብ ኣጉታያ ንላዕሊ ጽብቕቲ እያ፡ ግን ከኣ ዝደኸየት እያ። መብራህቲ ወይ ሞባይል ዘይብሉ፡ ድሕሪ ቁሩብ ኣማኢት ሜትሮ ዝውዳእ ሓደ ናይ ኮንክሪት ጽርግያ ጥራይ እዩ ዘለዋ።
ምምጻእ እታ ዶክተር ኣለና ብፍቕሪ ዝጽበዩ ነበርቲ፡ "ኣደ መድሃኒት" እናበሉ ብብዙሕ ፍናን ይቕበልዋ።
ዓሰርተታት ህጻናት ቤት ትምህርቲ ብጉያ ናብቲ ገምገም ባሕሪ ይመጹ። ዶክተር ኣለና እትመርሖ ጕጅለ ቍጽጽር ደንጊ ኣብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቶም ጸረ-ባልዕ ክነጽጉ ምእንቲ፡ ዕረፍቲ መዓልቲ ተዋሂብዎም ኣሎ። ኣብታ ዓዲ እናተጓዕዘት ከላ፡ ገለ ዝሰሓቝ ቈልዑ ይስዕብዋ ነይሮም።
ኣብ 40ታት ዕድመ እትርከብ ጓል ኣንስተይቲ፡ በቲ ኣብ ዙርያኡ ተኣኪቡ ዘሎ ህዝቢ መንገዳ ትደፍእ። ምናልባት ወዲ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ዓመት ዝኸውን ወዲ ተሰኪማ ኣላ።
ዶክተር ኣለና ኣብ መንበር ኮፍ ክትብል ነጊራ ነቲ ቈልዓ ክትምርምሮ ትጅምር፤ ጸገም ኣለዎ። ኣብ ታሕተዋይ ከብዱ ዕንፍሩር ከምዘሎ ይገልጽ። ሓደ ክፋል መዓንጣኡ ናብ መንደቕ መዓንጣ ኣትዩ ናብ ፍረ-ሰውነቱ ደፊኡ ኣሎ።
ዶክተር ኣለና ነታ ኣደ፡ "መጥባሕቲ ከድልዮ'ዩ" ትብል። ኣብ ኣዒንቲ እታ ሰበይቲ ዘሎ ተስፋ ናብ ጭንቀት ይቕየር።
ዶክተር ኣለና ኣብ ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ደሴታት ምስኡ ክትሓድር እትኽእል።
"ሓንሳብ መጥባሕቲ ክገብሩ ከምዘለዎም ምስ ነገርክዎም፡ ነዚ ንምፍዋስ ክህቦም ዝኽእል መድሃኒት ከምዘየለ ስለዝተረድኡ፡ እቲ ፍርሕን ሓዘንን ኣብ ገጾም ትርእዮ" ትብል ዶክተር ኣለና።
ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም፡ ሀርኒያ ንእሽቶ ሕክምናዊ ኣገባብ እዩ። ኣብዚ ግን ሓንቲ ስድራቤት ምሉእ ዕቋር ክውድእ ይኽእል እዩ፣ ንዓመታት ኣብ ዕዳ ክወድቕ ይኽእል።
"ጕዕዞ ቀሊል ክንገብሮ እንተንኽእል እዚ ብዙሕ ለውጢ መምጽአ። እዚ ግን ብዙሕ ወጻእታት ስለ ዝሓትት ከቢድ'ዩ።"
ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኣብታ ደሴት፡ ዶክተር ኣለና፡ ገንዘብን ካልእ ጸጋታትን፡ ኵሉ ግዜ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ከምዝዀነ ተገንዚባ።

ምንጪ ስእሊ, BBC/VIRMA SIMONETTE
ቁራጽ ምድረ ገነት
ኣብ ኣጉታያ - ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሐ ውዕል - ግዜ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ብዙሓት ነበርቲ ደሴት ክትከይድ ክርእይዋ ከም ዝሓዝኑ ነጊሮምዋ።
"ግዜ ብቕልጡፍ ይጐዪ" ይብል ሪካርዶ፡ ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ተሓጋገዝቲ ኣለይቲ ሕሙማት፡ "ርእሳ ዘይተድንን ጻዕራምን" ክብል ገሊጽዋ።
ናብ ማኒላ ካብ እትምለስ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ዶክተር ኣለና ብዛዕባ ንከባቢያዊ መንግስቲ ኣብ ምስራሕ ዘጋጠማ ተመኵሮ ተስፋ ምቝራጽን ትዛረብ።
ኣብ ፓላዋን ኣብ ዝርከብ ምምሕዳር ጥዕና ኣውራጃ ስራሕ ተዋሂብዋ ግን ነጺጋቶ። ኣብ ክንድኡ ኣብ ሕክምናዊ ግብረ ሰናይ ወይ ዘይመንግስታዊ ትካል ክትሰርሕ መሪፃ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ከም ኣካል ሓደ ብዘይመንግስታዊ ትካላት ዝመሓደር መደብ ናብ ኣጉታያ ተመሊሳ። ንዓሰርተታት ዓመታት፡ እቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ብሓገዝ ውሽጣውን ዓለምለኻውን ለገስቲ፡ ብቐጻሊ ናብተን ደሴታት ፍሉያት ሓካይም ብምልኣኽ ንኣሽቱ መጥባሕቲ ክገብሩ ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብዚ ግዜ እዚ ግን፡ ጕዕዞ ዶክተር ኣለና ክልተ መዓልትን ፈረቓን ኣይጸንሐን። ንሳ ምስ ካልኦት ሓካይም ካብ ማኒላ ድሕሪ ምብጋሳ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰዓታት ናብኡ በጺሓ፡ ናብታ ምቾት ዝመልኣ ደሴት ኣማንፑሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
