እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሄኖክ ሙሉብርሃን ዕውት ብጫን ቀጠልያን ማልያ ዙር ኩንሃይ ሌክ ቻይና ኰይኑ
ቻምፕዮን ኣፍሪቓ 2022 ከምኡ’ውን 2023 ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኢጣልያዊት ጋንታ ግሪን ፕሮጀክት ባርድያን ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ቻይና ኣብ ዝተኻየደ ሸሞንተ መድረኻት ዘለዎ ኩንሃይ ሌክ ተዓዋቲ ብጫን ቐጠልያን ማልያ ብምዃን ውድድሩ ዛዚሙ።
ሄኖክ ሙሉብርሃን ካብዚ ሸሞንተ መድረኻት ኣብ ሸዱሽተ መድረኻት ምስ ቀዳሞት ሸውዓት ኰይኑ ውድድሩ ክዛዝም ክኢሉ'ዩ።
ብፍሉይ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደት ሻውዓይቲ መድረኽ ከኣ ብቅጽበታዊ ውድድር ንመቐዳድምቱ ራሕሪሕዎም ብምእታው ነታ ብነጥቢ ቀዳማይ ንዝዀነ ተቐዳደማይ እትውሃብ ቀጠልያ ማልያ ምሉእ ንምሉእ ኣውሒስዋ'ዩ ናብዚ ሎሚ ዝተኻየደ መዛዘሚን ሻሙናይን መድረኽ ኣትዩ።
ሄኖክ ንቀጠልያ ማልያ ካብ ሳልሳይ መድረኽ ጀሚሩ'ዩ ሒዝዋ ጸኒሑ።
ሄኖክ ሙሉብርሃን ትማሊ ቀዳማይ ብምውጻእ ኣብ ብጫ ማልያ ምስ ኡራጋያዊ ኣንቶንዮ ፋጉንደዝ ዝነበሮ ናይ ግዜ ፍልልይ ናብ 3 ካልኢት ብምውራድ’ዩ ናብ ናይ ሎሚ መደረኽ ኣትዩ።
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሻሙናይን መዛዘምን መድረኽ ሄኖክ ሙሉብረሃን መበል 15 ብምውጸእ ንዩራጋያዊ ኣንቶንዮ ፋጉንደዝ ቀዲምዎ ስለዝኣተወ ነታ ብ75 ነጥቢ ዘውሓሳ ቀጠልያ ማልያን ንብጫ ማልያን ደሪቡ ክዕወተለን ክኢሉ።
ኣንቶንዮ ፋጉንደዝን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ንውድድሮም ብ31 ሰዓት 14 ደቒቕን 52 ካልኢትን ብማዕረ’ዮም ዛዚሞም፤ እንተዀነ ሄኖክ ንመወዳድርቱ ብነጥብን ብመዓልትን ስለዝበለጾ ክልተ ማልያ ክውንን ክኢሉ።
ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት’ውን ብ13 ነጥቢ ሳልሳይ ኰይኑ ውድድሩ ብምዝዛም ሰለስተ ግዜ ኣብ ፖንድዮም ክድይብ ክኢሉ እዩ። ዕዉት ኣንበሳ ዓቐበት ኮይኑ ብ18 ነጥቢ ዝተዓወተ'ውን ወዲ ጋንትኡ ንሄኖክ ሙሉብርሃን ኑሪ ኣለስዮ'ዩ።
ሄኖም ሙሉብርሃን ዝወዳደረላ ግሪን ፕሮጀክት ባርድያኒ፡ ነተን ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈ 20 ጋንታታት ብምብላጻ ዝበለጸት ጋንታ እቲ ውድድር ኰይና ውድድራ ዛዚማ።
ሄኖክ ሙሉብርሃን ሎሚ ዓመት ብዘደንቕ ብቕዓት ንዙር ርዋንዳ ከምዝተዓወተሉ ዝዝከር ኰይኑ፡ ብሓፈሻ ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ዓመት 62 መዓልታት ብምውድዳር 9303 ኪሎሜተር ዘዊሩ 864 ነጥቢ ንዕኡን ንሃገሩን ኣዋሂልሉ ኣሎ።