ኣብ ከተማታት ‘ፋሽን’ እናዀነ ዝመጸ ምድያብ ጎቦታት

'ኣዲስ ሃይኪንግ’ ቅድሚ ኣስታት 10 ዓመት ተጠንሲሱ

ምንጪ ስእሊ, ADDIS HIKING

መግለጺ ስእሊ, 'ኣዲስ ሃይኪንግ’ ቅድሚ ኣስታት 10 ዓመት ተሓሲቡ
Published

ቢንያም ሸሪፍ፡ ሰንበት ሰንበት ንገዛእ ርእሱ ከዘናግዕ ናብ ጎቦታት ይድይብ ነይሩ - ንበይኑ።

ዝዀነ ኣኽራን ብምድያብ ዝረኽቦ ፍሉይ ናይ ሓጐስ ስምዒት ንኻልኦት ዘይምክፋል ስስዐ ኰይኑ ስለዝተሰምዖ ሓደ መዓልቲ ንኣዕሩኽቱ "በጃኹም ብሓባር ንኺድ?" ኢልዎም።

ሸውዓተ ኮይኖም ናብ እንጦጦ ደይቦም፤ ብሱሉልታ ኣቢሎም ድማ ወሪዶም። ብድሕሪኡ ኣዕሩኽቱ ቅድሚ ሽዑ ተሰሚዕዎም ዘይፈልጥ ሓጎስ ተሰሚዕዎም።

ካብዚ ሓሊፉ ሓድሽ ነገር ሓሲቦም፡ "ንምንታይ ኣብ ሰሙን ሓደስቲ ሰባት ሒዝና ዘይንድይብ?" ኢሎም ሓቲቶም።

ኣብታ መዓልቲ እቲኣ 'ኣዲስ ሃይኪን’ ተኣሚሙ፡ እዚ ዝዀነ ቅድሚ ኣስታት 10 ዓመት ነይሩ።

‘ብሓባር ንሰርሕ፡ ብሓባር ዳስ ክንተክል፡ ብሓባር’ውን እምባ ንድይብ’ - ቢንያም ሸሪፍ

ምንጪ ስእሊ, ADDIS HIKING/KIRUB

መግለጺ ስእሊ, ‘ብሓባር ንሰርሕ፡ ብሓባር ዳስ ክንተክል፡ ብሓባር’ውን እምባ ንድይብ’ - ቢንያም ሸሪፍ

30 ሰባት ኣብ እምባ ጠፊእና

ቢንያም ንጽባሒቱ ኣብ ፌስቡክ "ምሳይ እምባ ክድይብ ዝደሊ ሰብ እንተሃልዩ ደውለለይ" ክብል ጽሒፉ።

ድልየት ዘለዎም ሰባት ተረኺቦም፤ 30 ሰባት ድማ ብሓባር ናብቲ እምባ ደይቦም።

እንተዀነ እቶም ሰባት ልዕሊ ዓቐን ሓጎስ ስለዝተሰምዖም ቢንያም ዝብሎ ነገር ክሰምዑ ኣይከኣሉን።

ገሊኦም ጎይዮም፡ ገሊኦም ብዝመሰሎም ኣንፈት ተጓዒዞም፤ እታ ጕጅለ’ውን ተበታቲና።

ኣብቲ እዋን ዝነበረ ጉዕዞ “ንዓይ ከቢድ እዩ ነይሩ፤ ሰባት ከወሃህድ ኣይከኣልኩን" ይብል ቢንያም።

ይኹን’ምበር ሰሙን መጸ እቲ ኣኽራን ናይ ምድያብ ልምዲ ሰሙን ቀጺሉ።

ቁጽሪ ተሳተፍቲ እውን ወሲኹ። ብዙ መጠን ዝድይብዎም ኣኽራናት እውን በዚሖም። ምስ እዚ ሓደስቲ ኣኽራናት ንምርካብ ዝጓዓዝዎ ርሕቐት እናወሰኸ ስለዝኸደ እምባ ባሌ ክሳብ ምድያብ በጺሖም።

ይዅን እምበር ንቢንያም ንነዊሕ ዓመታት ንግዲ ኣይመስልን ነይሩ።

"ንንግዲ ዘይኰነስ ምግቢ ንምብሳልን ንናይ ሓባር ወጻኢታትን ገንዘብ ነዋጽእ ነይርና" ይብል ቢንያም። “ብሓባር ንሰርሕ፡ ብሓባር ዳስ ክንተክል፡ ብሓባር’ውን እምባ ንድይብ።"

ንምንታይ ንነዊሕ ዓመታት ናብ ንግዲ ዘይቀየርካዮ ንዝብል ሕቶ “እንድዒ” ዝብል ምላሽ ይህብ። “ኣነ ጽቡቕ ስራሕ ነይሩኒ። ፍቓድ ንምውጻእ’ውን ምቹእ ነገር ኣይነበረን።”

ምድያብ ኣኽራን ከም ‘ፋሽን’

ድሕሪ ቢንያም ካልኦት ብዙሓት መናእሰይ ብሰፊሑ ናብቲ ልምዲ ተፀንቢሮም እዮም። ሰሙናዊ መደብ መገሻኦም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምዝርጋሕ ናይ ኣኽራን ምድያብ ውዕል ወይ ፓኬጅ ይሸጡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ነበርቲ ከተማ "ሃይኪንግ እንተዘይወሲድኩምኒ" ክብሉ ጀሚሮም ኣለዉ - ምድያብ ኣኽራን’ውን እቲ ሓድሽ ፋሽን ኰይኑ ይርከብ።

በብሰሙን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ዝተፈላለየ ኣኽራናት ይኸዱ ኣለዉ። ብዝሒ ተሳተፍቲ ዘተባብዕ ምስ ኰነ ድማ ብዙሓት ከም ንግዲ ክነጥፉ ጀሚሮም።

ቢንያም ካብቲ ካብ ናይ 10 ዓመት ተመኵሮኡ ዝተዓዘቦ ነገር፡ መብዛሕትኦም ነበርቲ ብዛዕባ ገጠር ብዙሕ ኣይፈልጡን።

"ብሓቂ፡ ክንጅምር ከለና፡ ብዙሓት ሰባት 'ሃይኪንግ' ክንብል ከለና፡ 'ፈረንጂ ፈረንጂ ትጻወቱ ኣለኹም’ ኢሎም የላግጹ ነይሮም” ይብል ቢንያም።

ብዙሓት ሰባት፡ ኣኽራን ምድያብ ቅጥዒ ኣልቦ ሕሉ'ፍ ብኽነት ከም ዝዀነ’ዮም ዝሓስቡ፡ ገሊኦም ድማ እንታይ ምዃኑ ባዕሉ ኣይርድኡን ነይሮም።

ናብ እምባ ዝግበር ጕዕዞ ብሰፊሑ ከም መንፈሳዊ ጕዕዞ ጥራይ እዩ ዝፍለጥ። “ገለ ሰባት ካብ ጫፍ እቲ እምባ እንታይ ኣሎ ክብሉ ይሓቱኒ" ይብል ቢንያም። ጫፍ እምባ ኢሉ ይምልስ።

“እሞ እንታይ? ምስ ደየብናኸ?”

ዕሽነት ዝመልኦ ሕቶ ይመስል። ዕቱብ ሕቶ ፍልስፍና እውን ይመስል።

ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ናብቶም ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ዝርከቡ ኣኽራናት በጺሖም ከም ዘይፈልጡ ይንገር

ምንጪ ስእሊ, ADDIS HIKING/HILINA

መግለጺ ስእሊ, ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ናብቶም ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ዝርከቡ ኣኽራናት በጺሖም ከም ዘይፈልጡ ይንገር

ዘይተጋህደ ጸጋ

ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዳርጋ ትንፋሳ ክትወጽእ ኢላ እያ ዘላ። ነበርታ እውን ከምኡ። ጽሩይ ኣየር ንምትንፋስ ግን ርሑቕ ምጉዓዝ ግድን ከም ዘይኰነ ዝፈልጡ ግን ሒደት እዮም።

ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ሜትሮ ዝብርኹ ሓሙሽተ ኣኽራናት ኣለዉ፤ እንጦጦ፣ የረር፣ ሞግለ፣ ፉሪ፣ ወዘተ። ጫካ ሱፓ ንባዕሉ ርሑቕ ኣይኰነን - 40 ኪሎ ሜተር ጥራይ’ዩ።

እዚ ኩሉ እናሃለወ ግን ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ ብትኪ ተዓፊኑ ይርከብ። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ነበርቲ ናብዞም ኣኽራናት በጺሖም ኣይፈልጡን።

ንበዓል ቢንያም ግን ፋሽንን ንግድን ይዀነሎም ኣሎ።

ቢንያም ሰባት ግን ኣብ ጉዕዞ ቐልጢፎም ከም ዝፋተዉ ይገልጽ

ምንጪ ስእሊ, ADDIS HIKING

መግለጺ ስእሊ, ቢንያም ሰባት ግን ኣብ ጉዕዞ ቐልጢፎም ከም ዝፋተዉ ይገልጽ

ስለምንታይ ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣኽራን ይፋቐሩ?

ኣዲስ ሃይኪንግ ጥራይ ኣብ ዓመት ካብ 500 ዘይውሕዱ ሰባት ኣኽራን ክድይቡ ይሕግዝ።

ኣብ መንጎ እዚ ብዙሓት ሰባት ይቀራረቡ፤ ቤተሰብ ይዀኑ። ገለ ካብኣቶም ድማ ፍቕሪ ኣኽራን ይተኣታተዎም’ሞ ናብ ፍቕሪ የምርሑ፤ ሓዳር መስሪቶም’ውን ቈልዑ ዝወለዱ ኣለዉ።

"ስለምንታይ ከም ዝዀነ ኣይፈልጥን፤ ሰባት ግን ኣብ ጉዕዞ ቐልጢፎም ይፋተው’ዮም" ይብል ቢንያም።

“እንድዒ ገለ ሰባት ኣብ ጕዕዞ ጽቡቕ ስምዒት ይህልዎም፤ እዚ ክፋተዉ ዝገብሮም ይመስለኒ።"

ቢንያም ከም ኣብነት፡ ክልተ መጻምድቲ ይጠቅስ።

እቲ ሰብኣይ ኣብ ሓደ ጉዕዞ ተሳቲፉ፤ እታ ሰበይቲ ድማ ኣብ ካልእ ጉዕዞ ተረኺባ። ኣብ ሳልሳይ ጉዕዞ ክልቲኦም ተራኺቦም፤ ተላልዮም፡ ኣዕሊሎም’ውን።

ናብ ራብዓይ ጉዕዞ ክመጹ ከለዉ፡ ተመርዕዮም ነይሮም ይብል ቢንያም።

ቢንያም ኣብ እዋን ጕዕዞ ብርክት ዝበሉ ሰባት ንሓዳር ክሓቱ ወይ ክሕጸዩ ከም ዝረኣየ’ውን ይዛረብ።

ብዝዀነ ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣኽራናት ይፋቐሩ እዮም።

ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥሙ ገለ ተጓንፎታት

ቢንያም፡ ናብ ጎቦታት የካን እንጠጦን ብምድያብ እዩ ጀሚርዎ።

ጓሳ ዝተበሃለ ኣከባቢ ኣብ ምልላይ ቢንያም ኣድማሱ ዝተበሃለ ሞኽሱ ዓቢ ተራ ከም ዝተጻወተ ይገልጽ።

ቢንያም ኣድማሱ፡ ኣብ ኣኽራን ባሌ ዝተለዓለ ባርዕ ሓዊ ንምጥፋእ ይቃለስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ተጐዲኡ’ዩ ካብዛ ዓለም ተፈልዩ። ድሕሪ ሞቱ ድማ ካብ ውሽጢ ዓድን ካብ ኤምባሲታት ወፃኢ ሃገራትን ብዙሕ ሽልማትን ኣፍልጦን ረኺቡ እዩ።

"ናብ ጓሳ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን፡ ስመይ ቢንያም ይብሃል ክብል ከለኹ፡ እቶም ሓረስቶት ብዛዕባ ቢንያም ኣድማሱ የውግዑለይ፤ ብዛዕባ ሰናይነቱ ተዛሪቦም ኣይጸግቡን" ክብል ውርሻ ሞኽሱ ይገልጽ።

ቢንያም ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ብዙሕ ነገር ከም ዝረኣየ ይዛረብ

ምንጪ ስእሊ, ADDIS HIKING

መግለጺ ስእሊ, ቢንያም ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ብዙሕ ነገር ከም ዝረኣየ ይዛረብ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካልእ ተዘክሮኡ ኣብ ከባቢ ኣንኮበር ዘጋጠመ’ዩ።

ኣንኮበር ኣዝዩ ቆራር እዩ፤ ነበርቲ እቲ ከባቢ ድማ ዝሑል መስተ ምቕራብ ባህሎም እዩ። ኣብ ገዛ ሓደ ሓረስታይ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ኣረቂ ምስ ኣቕረቡሎም እቲ መኻይዱ ቃል ዓለም ኣይገበረን።

እቲ ዝገርም እቲ መንእሰይ፡ ኣብ ህይወቱ ብዘይካ ጸባን ማይን ካልእ ጥዒሙ ኣይፈልጥን። ሰለስተ መለኪያ ኣረቂ ግጥም ምስ ኣበለ፡ ኣበይ ከም ዘሎ ጠፊእዎ።

“ዕውለቱ ጠፊኡ። ንሕና’ውን ሰንቢድና። ዝሞተ መሲሉና” ይብል ቢንያም።

ሽዑ እቶም ካልኦት ብጾት ተጓዓዝቲ ኵሎም ናተይ ዝብልዎ ፍታሕ ኣቕሪቦም።

ገሊኦም ጸባ ብኣፉ ኣስትዮምዎ፡ ገሊኦም ክብሪት ወሊዖም፡ ገሊኦም ድማ ብሳንኬሎ ማይ ደፊኦምሉ።

ድሓር ገለ ሰባት እናጸለዩዎ እንከለዉ እቲ ዝሰኸረ መንእሰይ ሃንደበት ተላዒሉ ደው ኢሉ።

ሰብ ኩሉ ብታሕጓስ ኣጣቒዑ።

“ኣነ ዘስተኽዎ ጸባ እዩ፡ ኣይፋል ጸሎተይ” ኣድሒንዎ ብምባል ክትዕ ከም ዝተጀመረ ቢንያም የዘንቱ።

ድሕሪ ቁሩብ ካልኢታት ግን እቲ መንእሰይ ሃንደበት መሊሱ ብገጹ ኣብ መሬት ተሰጢሑ።

ኩሉ ሰብ ዝያደ ሰንቢዱ። ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ መንእሰይ ኣብ ፈረስ ጽዒኖም ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለሱ ጀሚሮም።

እቲ መንእሰይ ድሕሪ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጉዕዞ ውነኡ ፈሊጡ፤ ድሕሪ ብዙሕ ገልታዕታዕ ምሸት ኣዲስ ኣበባ ከም ዝበጽሑ ቢንያም ይዛረብ።

ብዘይካ እቲ ናይ ኣረቂ ኣጋጣሚ፡ ቢንያም ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ጉዕዞ ዘጋጠሞም ሓደጋ ብዘይምንባሩ የመስግን።

“ብዙሕ ነገር ኣሎ፤ ሓደጋ መኪና ኣሎ። ጅሆ ክትትሓዝ ትኽእል። ግን ዝዀነ ዘጋጠመና ሓደጋ የለን" ይብል።

ቢንያም ምሉእ ግዜ ስርሑ ሃይኪንግ ወይ ምድያብ ኣኽራን ኣይኰነን፤ ኣብ ሓደ ጂምናዝዩም ላዕለዋይ ኣሰልጣኒ ብቕዓት እዩ።

“ኣብ ምድያብ ኣኽራን ምሉእ ብምሉእ ከይነጥፍ እፈርሕ... ኣብ ቱሪዝም ዘለዉ ኣዕሩኽተይ ስርሖም እገድፉ ኣለዉ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከመይ ኢለ ከምዚ ክውጥን?”