ቦላ ቲኑቡ ሓድሽ ፕረዚደንት ናይጀርያ ኰይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ መረጻ፡ 37 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ዝተዓወተ ሓድሽ ፕረዚደንት ናይጀርያ ቦላ ቲኑቡ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣቡጃ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቃለ-መሓላ ፈጺሙ።
እቲ ወዲ 71 ዓመት ሓዱሽ መራሒ፡ ተስፋ ከሐድስ ቃል ብምእታው'ኳ እንተተዓወተ፡ ከቢድ ቁጠባውን ጸጥታውን ብድሆታት የጋጥሞ ከም ዘሎ ይንገር።
ልዑል መጠን ናህሪ ዋጋታት፡ ክብረወሰን ዝሓዘ ደረጃ ዕዳን፡ ንበጃ ተባሂሎም ዝፍጸሙ ጭውያታት እናወሰኹ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን እዩ ስልጣን ካብ ፕረዚደንት ሙሓመድ ቡሃሪ ዝርከብ ዘሎ።
ብተወሳኺ፡ ነቲ ዓወት ዘይተቐበሉ ክልተ ናይ ቀረባ መወዳድርቱ፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ወሲዶምዎ ኣለዉ።
እቶም መወዳድርቱ፡ ኣብቲ ውጽኢት መረጻ ምትላል ተፈጺሙ’ዩ ይብሉ።
እቲ ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ ኣብቲ መረጻ ዘይተሳተፈን ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ዘሎ ፕረዚደንት ግን፡ እቲ ውጽኢት "እሙን" ከም ዝዀነን እቲ ድምጺ’ውን "ፍትሓውን ግሉጽን" ከም ዝነበረን ይገልጽ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቃለ መሓላ ካብ መላእ ኣህጉር ዝመጹ ሰበስልጣን ምስታፎም ትርጉም ናይቲ ፍጻመ ዘንጸባርቕ እዩ።
ፕረዚደንት ቲኑቡ ግን ንምጽንባል ዝኸውን ግዜ የብሉን፤ ናይጀርያውያን ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ’ዮም ዝጽበይዎ ዘለው።
ናህሪ ዋጋታት ንኣስታት 18 ዓመታት ካብ ዝተረኣየ ብዝዛይድ ኵነታት ይውስኽ ኣሎ፡ ካብ ሰለስተ ናይጀርያውያን ሓደ ሸቕሊ ኣልቦ እዩ፡ ውጽኢት ናይቲ ኣገዳሲ ኢንዱስትሪ ነዳዲ ድማ እናነከየ ይርከብ።
ስለዚ ቦላ ቲኑቡ፡ እቶም ድምጺ ዘይሃብዎ መረጽቲ፡ ንፕረዚደንትነት ብቑዕ ምዃኑ ንኽኣምኑ ቀልጢፉ ስጉምቲ ክወስድ ክግደድ እዩ።
እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት፡ መንግስቲ ካብ ወጻኢ ንዝኣቱ ፍርያት ነዳዲ ዝህቦ ደገፍ ከም ዘቋርጽ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ዘስምዖ መደረ ኣመልኪቱ ኣሎ።
"ኣብ ክንድኡ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ህዝባዊ ትሕተ ቅርጺ ክውዕል'ዩ" ኢሉ።
እዚ ፖሊሲ መዓስ ከምዝ ጅምር ንጹር እኳ እንተዘይኰነ፡ ክፍሊት ድጎማ ግን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክቋረጽ ትጽቢት ይግበር።
ተቓወምቲ እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ግን፡ እቲ ንሌጎስ ብሓይሊ ዘመናዊ ንምግባር ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኒሕ ሕጂ ከም ዘየለ ይዛረቡ።
መረጻ ካብ ዝካየድ ንደሓር ክልተ ግዜ ናብ ወጻኢ ሃገራት ምኻዱ ብዛዕባ ጥዕንኡ ሕቶታት ክለዓል ገይሩ’ዩ።
ኣብ 2021 ድማ ኣብ ለንደን ብዘይተገልጸ ሕማም ክሕከም ኣዋርሕ ከም ዘሕለፈ ይዝከር።
ንሱ ግን፡ እቲ ስራሕ ብቕዓት ናይ ሓደ ኦሎምፒክ ኣትሌት ከም ዘይሓትት ብምግላጽ ነቲ ነቐፌታ ነጺግዎ ኣሎ - ተሓጋገዝቱ’ውን ዕድመ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን 80 ዓመት ከም ዝዀነ ከመልክቱ ግዜ ኣይወሰዱን።
እቶም ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ካልኣይን ሳልሳይን ዝወጹ ሕጹያት ኣቲኩ ኣቡበከርን ፒተር ኦቢን፡ ኣብ ቤት ፍርዲ እንተተዓዊቶም ግን ቲኑቡ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ስልጣን ዘይክጸንሕ ይኽእል እዩ።
እቲ ቤት ፍርዲ መረፃ፡ ንቐንዲ ምጉታት ካብ ሰሉስ ምስማዕ ክጅምርን ኣብ ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ውፅኢት እቲ ጉዳይ ከፍለጥን ትፅቢት ይግበር።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
