ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ጽግያት ልዑል ስፖርታዊ ብቕዓት ከምዘርእያ ትፈልጡዶ?

ምስ ወርሓዊ ፅግያታት ብዝተኣሳሰር ዝተኻየደ መፅናዕቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ስፖርታውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ብዙሕ ጌጋታት ከምዘይሰርሓን ዝቐልጠፈ ግብረ መልሲ ከም ዝህባን ሓደ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

ኣብ ጋንታ ስፖርት ዘሳተፋ ዘለዋ ኣብ ዝመሳሰል ኣብ ልዕሊ 241 ደቂ ኣንስትዮ ዝተኻየደ ፈተነኣዊ መጽናዕቲ፡ ግብረ መልሲ ዝህባሉ ግዜ፡ ትዅረት፡ ልክዕነትን ቦታ ምልላይን፡14 መዓልታት ፍልልይ ገምጊሙ።

ደቂ ኣንስትዮ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ዝረኣየሉ እዋን፡ ሕማቕ ስምዒት ዝስመዐን ኰይኑ፡ ብቕዓተን ክጐድል ከምዝኽእል እየን ዝኣምና።

እቲ ሓድሽ መፅናዕቲ ግን፡ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ዕማማት ምንቅስቓስ ኩዕሶ እግሪ ብ12 ሚኢታዊት ዝቐልጠፋ ዀይነን፡ ፈተና ናይ ምሕላፍ ክእለተን ድማ ብ25 ሚእታዊ ከምዝውስኽ ኣመልኪቱ።

እቲ ርኽበት፡ ስፖርተኛታት ደቂ ኣንስትዮ፡ ብፍላይ ኣብ ቀዳሞት መዓልታት ወርሓዊ ጽግያትን፡ ንመጕዳእቲ ዝተቓልዓ ኰይነን ዝረኣያሉ ምኽንያት፡ ከረድእ ከምዝኽእል ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ይዛረቡ።

መሪሕ ደራሲት ዶክተር ፍላሚና ሮንካ፡ እቲ ምስ ኢንስቲትዩት ስፖርት፡ ምንቅስቓስ ኣካላትን ጥዕናን ዝተኻየደን ኣብ መጽሔት ኒውሮሳይኮሎጂያ ዝተሓትመን መጽናዕቲ፡ እዚ ምስ ምልውዋጥ ሆርሞናት ኣብ እዋን ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ዝተኣሳሰር፡ ንክልሰሓሰባት ግብራዊ መርትዖ ዘቕርብ ምዃኑ ገሊጻ።

"እቲ ንርእዮ ዘለና፡ እቲ ግዜ ግብረ መልሲ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ወርሓዊ ጽግያት፡ ቅሩብ ዝተሓተተ ምዃኑን፡ እዚ ድማ ምስቲ ካብ መጕዳእቲ ንምክልኻል ዝገብራኦ ጻዕሪ ዝሰማማዕ ሓቂ'ዩ" ትብል።

ኣብዚ ካልኣይ ምዕራፍ ወርሓዊ ጽግያት፡ ደቂ ኣንስትዮ እዚ ዝስዕብ ተርእዮታት የጋጥመን፤

  • ንገለ ክፋል ሓንጐል ዘነቓቕሕ ኦስትሮጅን ይምንጩ
  • መጠን ፕሮጀስትሮን ክውስኽን፡ እዚ ድማ ንኣእምሮኣዊ ንጥፈታት ዝዓግት ኰይኑ፡ ንናይ ግብረ መልሲ ግዜ ከዝሕሎ ይኽእል።

እዚ ተርእዮታት ለውጢ፡ ኣብ እዋን ካልኣይ ምዕራፍ ወርሓዊ ጽግያት ንድሕሪት ክምለስ ይጅምር።

ዶክተር ሮንካ ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ “መጕዳእቲ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ምሉእ ዑደት ኣብ ግዜ ምንቅስቓስ ስፖርተኛታት ዝመጽእ ለውጢ ክኸውን ይኽእል ድዩ ኢልና ሓሲብና ነይርና።”

ከምኡ'ውን እቲ መጽናዕቲ፡ ምትንኻፋት ዘለዎ ስፖርት ዝጻወታ ደቂ ኣንስትዮ፡ መደብ ጸወታአን ምስ ዑደት ወርሓዊ ጽግያተን ከመዓራርያ ተስፋ ገይራ።

“ኣብዚ ጸወታ ዝተፈለየ ስትራተጂ ክኽተላ ይኽእል እየን። ኣገባብ ጸወታ ምቕያርን ንቕሓት ምህላውን ጥራይ'ዩ” ኢላ።

እዚ ንቕሓት ምህላውን ምስ ኣካላትካ እንታይ ይፍጸም ከምዘሎ ምፍላጥን፡ ብሓቂ ንኣትለታት ኣዝዩ ዘጸናንዕ'ዩ፡ ምኽንያቱ እንተወሓደ ስለምንታይ ዝያዳ ጌጋታት ትፍጽም ከምዘለኻ ዘዘኻኽረካ እዩ።

“እንታይ ይኸውን ከምዘሎ እንተፈሊጥካ፡ ሽዑ ኣብቲ እትወስዶ ዘለኻ ውሳነታት ዝያዳ ክትነቅሕ ትኽእል ኢኻ።”