ኣብ ክልል ደቡብ ዝካየድ ረፈረንደም እንታይ ዓይነት ለውጢ ከምጽእ ይኽእል?

ናይ ጋሞ ባህላዊ ገዛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ 6 ዞባታትን 5 ፍሉያት ወረዳታትን ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ክካየድ እዩ።

እቲ ረፈረንደም ነቲ ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ክልል ደቡብ ኣወጊዱ ብሓድሽ ክልል ክቕይሮን ነቲ "ዝጸንሐ" ድማ ዳግማይ ክቐርጾን እዩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ኣባላት ፌደራል መንግስቲ ዝኾና ክልላት ናብ 12 ክብ ክብል እዩ።

ክልል ደቡብ 12 ዞባታት፡ 8 ፍሉይ ወረዳታትን 22 ከተማታትን ሒዙ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብቲ ክልል ዝርከባ ፍሉያት ወረዳታት ናብ ዞባታት፡ ዞባታት ድማ ናብ ክልል ክቕየራ ዘቕረብኦ ጠለባት ስዒቡ ሞት፡ ኣካላዊ መጉዳእቲ፡ ምምዝባልን ዕንወት ንብረትን ተራእዩ እዩ።

ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ኣትሒዙ ኣብቲ ክልል ዝነበራ 13 ዞባታት ናብ 17 ዝበጽሓ ክኾና ከለዋ 2 ሓደሽቲ ክልላት’ውን ተመስሪተን እየን።

ክልል ሲዳማን ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ እተን ክልተ ሓደስቲ ክልላት እየን።

ኣብቲ ብ29 ጥሪ 2015 ዓ.ም ኣቆጻጽራ ግእዝ ዝካየድ ረፈረንደም ነቲ ዝጸንሐ ክልል ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ታሪኽ ክቕይሮ እዩ።

ረፈረንደምን ሓዱሽ ክልልን

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ዞባታት ኮንሶ፡ ወላይታ፡ ደቡብ ኦሞ፡ ጋሞ፡ ጌዴኦን ጎፋን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ፍሉያት ወረዳታት ቡርጂ፡ ባስኬቶ፡ ኣማሮ፡ ኣሌን ደራሼን ኣብ ዝካየድ ረፈረንደም፡ ነበርቲ ናብ ሓድሽ ክልል ክጽንበሩ ወይ ኣብቲ ዘሎ ክልል ክጸንሑ ምዃኖም ድምጺ ክህቡ እዮም።

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ነዚ ረፈረንደም ንምትግባር 410 ሚልዮን ብር ወጻኢ ከም ዝገብር ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ቦርድ ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲ ሽዱሽተ ዞባታትን ሓሙሽተ ፍሉያት ወረዳታትን ረፈረንደም ንምክያድ 31 መተሓባበሪ ማእኸላትን 3,752 ናቑጣታት መረፃን ከም ዘዳለወ ጠቒሱ።

ተመዛበልቲ ኣብ ዝርከብሉ ከባቢታት’ውን 4 ፍሉያት ነቑጣታት መረፃ ኣጣይሹ’ዩ።

ኣብቲ ረፈረንደም ልዕሊ 11,400 ኣካየድቲ ክሳተፉ እንከለዉ፡ ምዝገባ መራጽቲ ድማ ካብ 11 ክሳብ 26 ታሕሳስ ከም ዝካየድ ተገሊጹ እዩ።

ኣብቲ ረፈረንደም ዝቐረቡ ኣማራጺታት ብጻዕዳ ርግቢትን ኣጉዶን (ኣብ ባንዴራ ዞባ ደቡብ ዘሎ ዓይነት ኣርማ) ክውከሉ እንከለዉ፡ እቲ ኣወዳድባ ሓድሽ ክልል ብጻዕዳ ርግቢት ዝተወከለ እዩ።

ምዝገባ መራጽቲ

ምንጪ ስእሊ, NEBE/FB

ምቛም ሓዱሽ ክልልን ዕጫ እቲ ዝፀንሐ ክልልን

እቲ ብሽዱሽተ ዞባታትን ሓሙሽተ ፍሉይ ወረዳታትን ዝምስረት ሓዱሽ ክልል “ደቡብ ኢትዮጵያ” ዝብል ስም ክወሃቦ እዩ።

እቲ ዝጸንሐ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ዝብል መጸውዒ ናብ “ማእኸላይ ኢትዮጵያ” ክቕየር መደብ ከም ዝተተሓዘ ይንገር ኣሎ።

ነቶም ክልተ ዕማማት ንምፍጻም ድማ፡ ምምስራት ክልል ደቡብ ኢትዮጵያን እቲ ዝነበረ ክልል ብሓዱሽ መልክዕ ምውዳብን ዝብል ስም ዝተወሃቦ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ተጣይሹ ኣሎ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዘዘራረብናዮ ኣብ ክልል ደቡብ ንነዊሕ እዋን ከም ክኢላ ኮምዩኒኬሽን ኮይኑ ዝሰርሐ ኣቶ ዳያሞ ዳሌ፡ እተን ዝውደባ ክልላት ከም ክልል ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ሓደ ርእሰ ከተማ ዘይክህልወን ከም ዝኽእል ይገልጽ።

ንሱ፡ እቲ ድሕሪ ረፈረንደም ካብ ዶብ ኬንያ ክሳብ ወላይታ ዝዝርጋሕ ሓዱሽ ክልል፡ ከም ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ዝበሉ "ኣገደስቲ" ትካላት ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ክህልዎ ከም ዝኽእል "ዘሎ ዝንባለ የርኢ" ኢሉ።

ወላይታ ሶዶ፡ ሳውላን ጂንካን ወሰንቲ ትካላት መንግስቲ ክሕዛ ከም ዝኽእላ ዝጠቐሰ ኣቶ ዳያሞ፡ ፍሉያት ወረዳታት "ሓደ ሓደ ቤት ጽሕፈት ይሃልወና" ዝብል ሕቶ ከም ዘለወን ዝስማዕ "ወረ ኣሎ" ክብል ገሊጹ።

ኣብ ውሽጡ ሳልሳይ ክልል ክምስረት ዝቐረበ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ረፈረንደም ከይተኻየደ ዳግማይ ክውደብ እዩ።

ንዞባታት ጉራጌ፡ ስልጤ፡ ሃላባ፡ ሃድያ፡ ከንባታ ጠምባሮን ፍሉይ ወረዳ የምን ዘጠቓልል ክኸውን እዩ።

ነዚ ንምግባር ድማ እቲ ክልል ኣብ ሕገ መንግስቲ ለውጢ ክገብር ተዳልዩ ይርከብ።

ቤት ምኽሪ ዞባ ጉራጌ ነቲ ናይ ምትእኽኻብ (ክላስተር) እማመ ብምንጻጉ እዩ ኣብዚ ውሳነ ተበጺሑ።

እቲ ክልል፡ ካብታ ንዓሰርተታት ዓመታት ርእሰ ከተማ ዝነበረት ሃዋሳ ናብተን ኣብ ትሕቲ "ማእኸላይ ኢትዮጵያ" ዝተጸንበራ ከተማታት ክሰጋገር እዩ።

እቲ ክልል ካብ ሓደ ንላዕሊ ርእሰ ከተማ ክህልዎን መንበር ርእሰ ከተማ ድማ ሆሳእና ክትኸውን ከም ትኽእልን ይግመት።

ቁሩብ ብዛዕባ እቲ ረፈረንደም

  • 29 ጥሪ 2015 ዓ.ም ብሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።
  • ኣብ 6 ዞባታት [ኮንሶ፡ ወላይታ፡ ደቡብ ኦሞ፡ ጋሞ፡ ጌዴኦን ጎፋን] ከምኡ’ውን ኣብ 5 ፍሉያት ወረዳታት [ቡርጂ፡ ባስከቶ፡ ኣማሮ፡ ኣሌን ደራሼን] ክካየድ እዩ።
  • እቲ ዝምስረት ክልል "ደቡብ ኢትዮጵያ" ተባሂሉ ክጽዋዕ ይኽእል።
  • እቲ ዝፀንሐ ክልል "ማእኸላይ ኢትዮጵያ" ብዝብል ስም ዳግም ክውደብ እዩ።
  • "ማእኸላይ ኢትዮጵያ" ዞባታት ጉራጌ፡ ስልጤ፡ ሃላባ፡ ሃድያ፡ ከንባታ ጠምባሮን ፍሉይ ወረዳ የምን ዝሓቖፈ ክኸውን እዩ።
  • "ማእኸላይ ኢትዮጵያ" ረፈረንደም ከይተገበረ ክልላዊ ቅዋም ብምምሕያሽ ክውደብ እዩ።

ኣቃውማ እቲ ክልል እንታይ ለውጢ ከምጽእ’ዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣቶ ዳያሞ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ናብቲ ዝተወልደሉ ከባቢ ብምኻድ "ንጻዕዳ ርግቢት ምረጹ" ዝብል ጎስጓስ የካይዱ ከም ዘለዉ ይዛረብ።

እዚ ድማ እቲ ረፈረንደም ብህዝቢ ተቐባልነት ንኽረክብ ዝዓለመ ምዃኑ ጠቒሱ፤ እንተኾነ፡ ኣወዳድባ ሓዱሽ ክልል ኣብ ህይወት ነበርቲ ለውጢ ከምጽእ እዩ ዝብል እምነት የብሉን።

"ምኽንያቱ እቲ ክልል ዘመሓድሩ ዝነበሩ ሰልፊን ሰበስልጣንን ሓደ እዮም። ስለዚ እታ ከተማ ናባና ቀሪባ ካብ ምባል ወጻኢ ብዙሕ ለውጢ ዘምፅእ ኣይመስለንን። መሰረታዊ ለውጢ ትፅቢት ዝግበር፡ እቲ ፖሊሲ ወይ እቲ ሰልፊ ምስ ዝቕየር እዩ" ብምባል ለውጢ ንኽመጽእ ግድን ክልል ምምስራት ኣድላዪ ከም ዘይኮነ ይገልጽ።

“ኣብ ታሕቲ ዘሎ ህዝቢ መሰረታዊ ግልጋሎት ዝረክብ ካብ ወረዳን ቀበሌን እዩ። ኣብዚ ተሓታትነትን ምክልኻል ብልሽውናን ክህሉ ምግባር እምበር ክልል ስለ ዝተመስረተ ለውጢ ኣይክህሉን” ክብል ይምጉት።

ብኻሊእ ወገን፡ ካብተን ሓደ ክልል ንምፍጣር ተዳልየን ዘለዋ 6 ዞባታትን 5 ፍሉያት ወረዳታትን፡ ዞባ ጌዴኦ ምስተን ዝተረፋ ከባቢታት ዘዳውብ ዝኾነ ናይ መሬት ምትእስሳር የብሉን።

እቲ ዞባ ብደቡብን ብምብራቕን ምስ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝርከብ ዞባ ጉጂ፡ ብሰሜን ድማ ምስ ክልል ሲዳማ ይዳወብ። እዚ ማለት ኣብ መንጎ ዞባ ጌዴኦን ፍሉይ ወረዳ ኣማሮን ልዕሊ 50 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን መሬት ኣብ ትሕቲ ክልል ኦሮምያ ዝርከብ ከባቢ ኣሎ።

እቲ ከባቢ ኣብ ፀገማት ፀጥታ እውን ብድሆታት ከጋጥሞ እዩ።

ኣብ ዞባ ጌዴኦ ዝርከቡ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ነዚ ውሳነ ተቓዊሞሞ እኳ እንተነበሩ፡ ቤት ምኽሪ ዞባ ግን ተቐቢልዎ’ዩ።

ክሳብ ምምስራት ክልል ሲዳማ፡ ፍሉይ ወረዳ የም ምስ ዝተረፈ ክልል ደቡብ ብመሬት ዘይተኣሳሰር እንኮ ከባቢ ዝነበረ ክኸውን ከሎ፡ ብሰንኪ ምምስራት ክልል ሲዳማ፡ ጌዴኦ እውን ተመሳሳሊ ዕጫ ኣጋጢምዎ ኣሎ።

ኣብ ቀጻሊ ዝቖማ ክልላት ነዞም ኩነታት መፍትሒ ከም ዝህባ ትጽቢት ይግበር።