እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ምስ ጀነራላት ሱዳን ተዘራሪቡ፡ ምቍራጽ ተዅሲ ተናዊሑ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢዪ ኣሕመድ ምስ'ቶም ኲናት ገጢሞም ዘለው ጀነራላት ሱዳን ብቴለፎን ከምዝተዘራረበ ሓቢሩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዓርቢ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ "ዓቢይ ህዝቢ ሱዳን ሰላም የድልዮ'ዩ" ብምባል ምስ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ኣዛዚ ሓይልታት ህጽጹ ደገፍ (RSF) ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ - ሕሜቲን ምዝርራቡ ገሊጹ።
እቲ ዝርርብ እቶም ጀነራላት "ፍልልያቶም ብሰላማዊ መገዲ ክፈትሑ ከምዘድሊን ኣብ ሱዳን ምርግጋእ ኣብ ምምጻእን" ዘተኮረ ምንባሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ጠቒሱ።
መራሒ ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ ደገፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ - ሕሜቲ እውን ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣድማዒ ዝርርብ ከምዘካየዱ ኣብ ትዊተር ገጹ ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ ገሊጹ።
ሕሜቲ፡ "ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣድማዒ ዝዀነ ዝርርብ ኣካይድና፡" ብምባል፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሸነኻት እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ሱዳን መሰረት ዝገበረ ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየዱ ኣስፊሩ፡፡
እቲ ቀድማይ ሚኒስተር፡ ንኣገዳስነት ምፍታሕ እዚ ቅልውላው ከምዘስመረሉን፡ ''ኢትዮጵያ ነዚ ኵነታት ብመሰረት ድሌትን ምርጫታትን ህዝቢ ሱዳን ንምሕጋዝ" ድልውነታ ከምዘረጋገጸሉ ሕሜቲ ወሲኹ ይሕብር።
ክልቲኦም ብኸመይ ከምዝተራኸቡ ግን ትዊተር ሕሜቲ ኣየነጸረን፡፡
እንተዀነ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ደንግ ዱ፡ ብ 26 ሚያዝያ ንቴለቪዥን ኣልዓረቢያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሃገራት እዚ ዞባ ንሕሜቲ ብተሌፎን ንምርካብ ተጸጊመን ኣለዋ፡" ኢሉ።
እቲ ሚኒስተር ከም ዝበሎ፡ ሕሜቲ ብ ኢመይል ወይ መልእኽቲ ዋትስኣፕ ጥራይ እዩ ክርከብ ዝከኣል።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ ደገፍ ነቲ ን72 ሰዓታት ክጸንሕ ኣቐዲሙ ተበጺሑ ዝጸንሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንምንዋሕ ተሰማሚዖም ከምዘለዉ ተገሊጹ።
እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ኣቐዲሙ ተቐባልነት ዝረኸበ ምንዋሕ ስምምዕ ተዅሲ ደው ንምባል፡ ብወገን ጀነራል ዳጋሎ እወታዊ ምልሽ ክረክብ ትጽቢት ከምዝገብሩ ሚኒስተር ደንግ ዱ ኣሚቱ ምንባሩ ይዝከር።
እዚ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዓት ግን ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ከምዘይከኣለን፡ ሓሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ውግእ ይካየድ ከምዘሎን እዩ ዝንገር።
ንጥሕሰት እዚ ስምምዓት ድማ ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ክወናጀሉ ይስምዑ።
ሓይሊ ህጹጽ ወሃብ ደገፍ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ወግዓዊ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ፡ "ንተወሳኺ 72 ሰዓታት ዝቕጽል፡ ካብ 27 ሚያዝያ ሰዓት 18፡00 ዝጅምር እማመ ሰብኣዊ ምቝራጽ ተዅሲ" ከምዝተቐበለ ኣፍሊጡ።
ሰራዊት ሱዳን፡ ነቲ ብፍላይ ብኣሜሪካ ንዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ንምህዳእ እቲ ቅልውላው፡ ንኢዱ።
እቲ ኣቐዲሙ ዝተግብረ ስምምዕ ምቝራጽ ተዅሲ፡ ካብ ሓሙስ ናብ ዓርቢ ኣብ ዘውግሕ ፍርቂ ለይቲ ዘብቅዕ ዝነበረ ኰይኑ፡ እዚ ሓድሽ ስምምዕ ቅድመኡ ግብራዊ ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ምሉእ ብምሉእ ነቲ ግጭት ደው ዘበለ ኣይኹን እምበር፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ህድኣት ፈጢሩ፡ ኣሽሓት ሱዳናውያን ይዅኑ ወጻእተኛታት፡ብፍላይ ካብታ ቀንዲ ማእከል ውግእ ኰይና ዘላ ካርቱም ንኽወጽኡ ሓጊዙ እዩ፡፡