መዕርፎ ነፈርቲ ሂትሮ ንጻዕቂ በረራታት ከአንግድ ከምእተጸገመ  ሓቢሩ

ገያሾ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሂትሮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

መዓልታዊ ክሳብ 100ሽሕ ገያሾ ዘተኣናግድ ዝነበረ ኣብ ለንደን ዝዓበየ መዕርፎ ነፈርቲ ሂትሮ፡ ኣብ እዋን ኮቪድ ብዘጋጠመ ምስንኻል ኣቭየሺን ምእላይ ሰራሕተኛታትን መሳለጥያን ናብ ንቡር ክሳብ ዝመልሶ ንጻዕቂ በረራታት ከአንግድ ከምእተጸገመ ብምሕባር ሸየጥቲ ትኬት ትካላት (ኤጀንሲታት) ናይ ክረምቲ ቲኬት ምሻጥ ደው ንከብላ መምርሒ ኣመሓላሊፉ።

መዓርፎ ነፈርቲ ሂትሮ፡ ናብ 185 መዓርፎ ነፈርትን 84 ሃገራትን ኣገልግሎት ዝህባ ኣስታት 80 መገዲ-ኣየር ይጥቀማሉ። እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ቀንዲ መደበር ናይ መገዲ ኣየር ብሪጣንያን መገዲ ኣየር ቨርጂን ኣትላንቲክን እዩ። 

ኣብ እዋን መገሻታት ሓጋይ-ኤውሮጳ መዓልታዊ ልዕሊ 100ሽሕ ገያሾ  ዘአንግድ ዝነበረ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብዚ እዋን ናብ 104ሽሕ ስለዝወሰኸ ንክንድኡ ንዝኣክል ብዝሒ ከሳሲ ከምዘይክእል ብወግዒ ገሊጹ። እቲ ምንካይ ብዝሒ ገያሾ ከኣ ክሳብ 11 መስከረም ከምዝጸንዕ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ደቓይቕ በረረኦም ዝተሰናኸለ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ገያሾ ኣብ ጸገም ወዲቖም እዮም።

ምስ ለበዳ ኮቪድ ሰራሕተኛታት ዘጉደለ መዓርፎ ነፈርትን መገዲ ኣየርን ሕጂ ኩነታት ናብ ንቡር ኣብ ዝምለሰሉ ዘሎ እዋን ንብዝሒ ተጓዓዝቲ ዘአንግዱን ካብን ናብን ዘመላልሱ ሰራሕተኛታት ኣቭየሺን ንኽቖጽሩን ክምልምሉን ይቃለሱ ከምዘለው ከኣ ገሊጾም።

ብፍላይ ኣብዚ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝዕጸዋሉን ስድራ-ቤታት ምስ ደቆም ንዕረፍቲ ዝገሽሉን ወቕቲ ሓጋይ፡ ጻዕቂ በረራን ተጓዓዝትን ስለዝውስኽ መዓርፎ ነፈረፍቲ ሂትሮ ዝየዳ ገያሾ ከአንግድ ከምዘይክእል ኣረዲኡ።

ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ብሰንኪ ሕጽረት ሰራሕተኛታት በረራን መዓርፎ ነፈርትን ኣብ ተርሚናላት ሂትሮ ምስራዝ በረራን ምድንጓይን ምስተፈጥረ፡ ምኒስተራት፡ ንመገዲ ኣየርን ሰብ መዚ እቲ መዓርፎ ነፈርትን መደባቶም ክኽልሱ ኣዘኻኺሮም ነይሮም።

ኣብ ርእሲኡ፡ ነዚ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቲ መገዲ ኣየር ብዝገብረኦ ሃንደበታዊ ምቁራጽ በረራ ንገያሾ ዝኽፈል መቕጻዕቲ ከየጋጥመን ሓለፋን ሕድገትን ከምዝግበረለን ዝድግፍ ግዝያዊ መምርሒ ብምሃብ እቶም ኣውፈርቲ ናይ ኣቬሺን/ መገዲ ኣየራት ናይ ሓጋይ መደባቶም ከስተኻኽሉ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እንተዀነ ግን ምምሕዳር መዓርፎ ነፈርቲ ሂትሮ፡ እተን መገዲ ኣየራት፡ ካብቲ መዓልታዊ ዝህበኦ ዝነበራ ቅቡል ኣገልግሎት ንላዕሊ በረራታት ከካይዳ መዲበን ከም ዘለዋ ገሊጹ ።

ሓላፊ መዕርፎ ነፈረፍቲ ጆን ሆላንድ-ካየ "ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሳምንቲ፡ ቍጽሪ ገያሾ ኣብ መዓልቲ ካብ 100,000 ስለዝበዝሐ፡ ኣገልግሎት ናብ ዘይቅቡል ደረጃ ኣንቆልቂሉ፤ ሓገዝ ዝሓቱ ገያሾ ክደናጎዩ፡ ባልጃታት ካብ ዋናታቱ ክተርፍን በረራታት ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ ክስረዝን ርኢና። እዚ ኸኣ ቅቡል ኣይኮነን” ክብል ገሊጹ።

“ኣብዚ ገያሾ ዝበዝሕሉ ናይ ዕረፍቲ እዋን ካብ 100,000 ንላዕሊ ገያሾ ከነተኣናግድ ኣይንኽእል ኢና”

"እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ሓበሬታ ከም ዘነጽሮ ዋላ እኳ መገዲ ኣየር በረራታት ብምስራዘን ንኸይቅጽዓ ውሕስነት እንተተዋህበን ዓቕሚ ምትእንጋድ ገያሾ ሂትሮ መዓልታዊ ካብ 100ሽሕ ናብ  104 ሽሕ ደይቡ ኣሎ” ክብል መዓልታዊ 4,000 መናብር ይሽየጥ ብምህላው ነዚ ጸቕጢ’ዚ ንምጉዳል ሂትሮ ትካላት ሸየጥቲ ቲኬት ኣብ ሓጋይ ትኬት ምሻጥ ደው ከብላ ወሲኑ።

ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እውን እንተኾነ ብዝሒ ገያሾ ሂትሮ መዓልታዊ ካብ 110,000 ክሳዕ 125,000 ይበጽሕን ተጠቀምቲ እቲ መዓርፎ ነፈፈርቲ ብቐጻሊ ይውስኽ ከምዝነበረን እዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ ብሰንኪ ዝርገሐ ለበዳ ኮቪድ ሰራሕተኛታት ክጎድሉን ነፈርቲ ንነዊሕ ኣዋርሕ ኣብ መሬት ኮፍ ምስ በላን ወጻኢታት ንምንካይ ብዝተገብረ ምጕዳል ሰራሕተኛታት ዓቕሚ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝነከየ ሚስተር ሆላንድ-ካየ ይሕብር።

ነቶም በቲ ውሳነ ናይ ጕዕዞ መደባቶም ክጽሎ ዝኽእል ተጓዓዝቲ ከኣ ይቕረታ ሓቲቱ።

ይኹን እምበር እቲ ብዝሒ ገያሾ ናይ ምግዳብ  ስጉምቲ ዝሓሸን ዘተኣማምንን ጉዕዞ ንምክያድን ግቡእ ኣገልግሎት ንምሃብን ምዃኑ ሓቢሩ። “ነፍሲ ወከፍ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝዓዪ ሰብ ኣብ ደሓን ኩነታት ንኽነብር ግቡእ እዩ" ከኣ ኢሉ።