እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣቓልቦ ዝሰሓበ ዘይልሙድ ምብጻሕ ፕረዚደንት ኢራን ናብ ኣፍሪቃ
ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራኢሲ፡ ናይ ሰለስተ መዓልታት ምብጻሕ ንምክያድ ኣፍሪቃ ኣትዩ ኣሎ።
እቲ ዑደቱ ብኬንያ ዝጀመረ ኢራናዊ መራሒ፡ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝኣተወሉ ብወተሃራዊ ምርኢት ዝተሰነየ ወግዓዊ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።
ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቱ ብምርኻብ ድማ ንግዳውን ቁጠባውን ክልተኣዊ ርክባት ዘደንፍዕ ስምምዕ ፈሪሞም።
ኬንያ ናብ ኢራን እትሰዶ ሻሂ፡ ቡንን ስጋን ዝርከብዎ ፍርያት ከተዕቢ ከምእትደሊ ሩቶ ተዛሪቡ። ንኢራን ከም ኣፍደገ ማእከላይ ኤስያ ክትጥቀመላ ከምእትደሊ'ውን ኣሚቱ። ኢራን ብወገና ኣብ ዓውድታት ብፋብሪካታት፡ ጥዕናን ቴክኖሎጂን ምስ ኬንያ ክትተሓጋገዝ ከምእትኽእል ገሊጹ።
እቲ ኢራናዊ ፕረዚደንት ብሰሉስ ናብ ኬንያ ክኣቱ'ኳ ተመዲቡ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ብዝርዝር ዘይተገልጸ ዘይምስምማዕ ከምዝተዳናጎየ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ትማሊ ሓቢሩ ነይሩ።
ራኢሲ፡ ኣብ ዝቕጽላ መዓልታት ናብ ዩጋንዳን ዚምባብወን ብምብጻሕ ምስ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ክራኸብ ትጽቢት ይግበር።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ሓያለ ሃገራት ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ዘለወን ተገዳስነት እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ ይፍለጥ።
ቻይና፡ ሩስያ፡ ቱርክን ህንድን ካብተን ድሒረን ናብታ ኣህጉር ህላወአንን ጽልወአንን ንምድልዳል ዝጽዕራ ዘለዋ'የን።
ኣመሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ብወገነን፡ በቲ ሓድሽን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎን ተገዳስነት ቻይናን ሩስያን ብምስጋእ፡ ጽልወአን ንምሕያል ክቀዳደማ ይራኣያ ኣለዋ።
እዚ ዘይልሙድ ምንቅስቓስ ኢራን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዓይኒ መቐናቕንታ ዝኾና ከም ብዓል ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝበላ ሃገራት ወሽመጥ ከይኣተወ ኣይተርፍን'ዩ፡ ዋላ'ኳ ስዑዲን ኢራንን ኣብዚ ቀረባ እዋን ዲፕሎማስያዊ ርክበን ብምምሕያሽ ንዝነበረን ምትፍናን ዘህድኦኦ እንተመሰላ።
ቅድሚ 10 ዓመታት፡ ኤርትራ ምስታ ቀንዲ ጸላኢትን መቐናቕንትን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝኾነት እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ዝነበራ ዝምድና እናማዕበለቶ ትኸይድ ምንባራ ይዝከር።
ከም መርኣያ ናይዚ ድማ ኣብ መወዳእታ 2008፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ርእሰከተማ ጣሕራን (ቴህራን) ወግዓዊ ምብጻሕ ብምክያድ ምስቲ ኣኽራሪ ተባሂሉ ዝግለጽ ዝነበረ ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ማሕሙድ ኣሕማዲነጃድ ብምርኻብ ብዛዕባ ምምሕያሽ ዝምድናታቶም ተዘራሪቦም።
እንተኾነ ግን፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኤርትራ ምስ ስዑዲ ዘለዋ ርክብ ዝጠበቐ ኮይኑ'ሎ። ኲናት የመን ኣብ 2014 ድሕሪ ምጅማሩ፡ ክልቲአን ሃገራት ጥቡቕ ዝምድና ምምስራተን ይፍለጥ። ከም መራኣያኡ ድማ ኤርትራ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወታሃደራዊ-ኪዳን ዘለዋ ደገፍ ብወግዒ ገሊጻ'ያ።
ኢራን ምስ ኢትዮጵያ'ውን ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ጸኒሑዋ'ዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ከኣ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ስማ ተላዒሉ ነይሩ።
ኣብ 2022 ፡ እታ ምዕቡላት ሰብኣልቦ ነፈርቲ ከምእተፍሪ ትፍለጥ ኢራን፡ ሞሃጀር-6 ዝበሃላ ዓይነታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ናብ ኢትዮጵያ ከምዝለኣኸት ኣመሪካ ኣቃሊዓ ነይራ'ያ።
ፕረዚደንት ኢብራሂም ራኢሲ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ላቲን ኣመሪካን ኢንዶነዥያን በጺሑ ምንባሩ'ውን ይዝከር።