ወጥሪ ኢራንን ምዕራባውያንን፡ ንባህልን ሃይማኖትን ዓለም ዝጸለወ ጥንታዊ ሃይማኖት ኢራን

ኢራን

ምንጪ ስእሊ, Alamy

Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጐ ምዕራባውያን ሃገራት፡ እስራኤልን ኢራንን ዘሎ ወጥሪ እናዓረገ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ሓማስ ፖለቲካዊ መራሒኡ እስማዒል ሃኒየ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢራን ቴህራን ከምዝተቐትለ ድሕሪ ምግላጹ፡ ዋላ’ኳ እስራኤል ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢድ ከምዝነበራ እንተዘየረጋገጸት፡ ኢራን ግን ሕነ ከምትፈዲ እያ ገሊጻ።

ነዚ ስዒቡ ኣመሪካ ብመሪሕነት ዝሰርሕ ሚሳይል ዘለዋ ሳብማሪን ናብቲ ዞባ ከምዝለኣኸት ተሓቢሩ’ዩ።

ጸሓፊ ምክልኻል ሎይድ ኦስቲን ብተወሳኺ ድሮ ናብቲ ከባቢ ትኸይድ ዝነበረት መርከብ ጽዕነት ነፈርቲ ብዝቐልጠፈ ናብኡ ክትበጽሕ ምዃና ገሊጹ ኣሎ።

እዚ ስጕምቲ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት መራሕቲ ሕዝቦላህን ሓማስን ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ሰፊሕ ዞባዊ ግጭት ከይፍጠር ንዝዓሰለ ስግኣት ምላሽ ንምሃብ’ዩ።

ይዅን’ምበር ኣብ መንጐ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ንምስ ኢራን ዝተኣሳሰር ፖለቲካ ዝገልጹሉ ኣገባብ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ‘ንሕና’ን ‘ንሳቶም’ን ብዝብሉ ቃላት ተዓብሊሉ’ዩ ጸኒሑ።

ማዕረ ማዕረኡ ክርስትና ብተደጋጋሚ መንነትን ክብርታትን ኣመሪካን ኣውሮጳን ንምግላጽን፡ ከምኡ’ውን ነቶም ‘ካልእ’ ክብርታት ማእከላይ ምብራቕ ንምንጽጻርን ክውዕል ይርአ።

እንተዀነ፡ ንሓጺር እዋን ኣብ ሓደ ክሳብ ሕጂ ዝትግበር ዘሎ ጥንታዊ ሃይማኖት ዝግበር፡ ብዙሓት ከም ጥዑይ ምዕራባዊ ርእዮተ ዓለም፡ እምነታትን ባህልን ኢሎም ዝወስድዎ ኣረኣእያ፡ ብሓቂ መሰረቱ ካብ ኢራን ክህልዎ ከምዝኽእል ይሕብር።

ብሓፈሻ ብሊቃውንቲ ከምዝኣምንዎ፡ ዛራቱስትራ ኣብ ገለ እዋን ኣብ መንጐ 1500ን 1000ን ቅ.ል.ክ. ዝነበረ ጥንታዊ ኢራናዊ ነብይ እዩ።

ዛራቱስትራ፡ ብቋንቋ ፋርስ ‘ዛርቶሽት’ ብግሪኽ ድማ ዞራስተር ተባሂሉ ይፍለጥ።

ቅድሚ ዛራቱስትራ፡ ጥንታውያን ፋርሳውያን ንኣማልኽቲ ኢራኖ-ኣርያናዊ ሃይማኖት የምልኹ ነይሮም። እዚ ዝጸንሐ ሃይማኖት እዚ መዛና ናይቲ ድሒሩ ብሂንዱነት ክፍለጥ ዝጀመረ ሃይማኖት እዩ።

ዛራቱስትራ ግን፡ ጥንታውያን ፋርሳውያን ንኣማልኽቲ ኢራኖ-ኣርያናዊ ሃይማኖት ምምላኾም ብምዅናን፡ ‘ኣሁራ ማዝዳ፡ ጐይታ ጥበብ’ ዝዀነ ኣምላኽ ጥራይ ክምለኽ ከም ዘለዎ ሰቢኹ።

ከምኡ ብምግባሩ ድማ ኣብ መንጐ ኢራናውያንን ህንዳውያንን ኣርያውያንን ዓቢ ምፍልላይ ክህሉ ኣበርክቶ’ኳ እንተገበረ፡ ንመጀመርታ ግዜ ሓደ-ዚሄርነት (ህላወ ናይ ሓደ እግዚኣብሄር ምእማን) ከም ዘተኣታተዎ ብዘየማትእ መንገዲ ይግለጽ።

ዞራስተር ኣብ መንጎ 1500ን 1000ን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ እንተዀነ ግን ገለ ምሁራት ከምዝሕብርዎ ኣብ ግዜ ሃጸያት ፋርስ ቂሮስ ዓቢን ዳርዮስ ቀዳማይን ዝነበረ ክኸውን ይኽእል

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ዞራስተር ኣብ መንጐ 1500ን 1000ን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ እንተዀነ ገለ ምሁራት ከምዝሕብርዎ ኣብ ግዜ ሃጸያት ፋርስ ቂሮስ ዓቢን ዳርዮስ ቀዳማይን ዝነበረ ክኸውን ይኽእል

ሓደ-ዚሄርነት ዝብል ሓሳብ ብመሰረቱ ናብ ከም ኣይሁድነት፡ ክርስትናን እስልምናን ዝኣመሰሉ ካልኦት ዓበይቲ እምነታት ዝተኣታተወሉ መንገዲ ሓደ መንገዲ ዞራስትርያ እዩ።

ኣምር መንግስተ ሰማይን ሲኦልን፡ መዓልቲ ፍርድን ናይ መወዳእታ ራእይ ዓለምን፡ መላእኽትን ኣጋንንትን ኵሎም መበገሲኦም ብትምህርቲ ዛራቱስትራ፣ ከምኡ’ውን ድሒሩ ብዝመጸ ቀኖና ስነጽሑፍ ዞሮስትርያ ዝተነቓቕሑ እዮም። ዋላ እቲ ሰይጣን ዝብል ሓሳብ ብመሰረቱ ናይ ዞራስትርያ እዩ።

ብሓቂ ምሉእ እምነት ዞራስትርያውነት ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ሓይልታት ሰናይን ብርሃንን (ብመንፈስ ቅዱስ ዝውከል ‘ስፔንታ ማንዩ’)ን ንሓይልታት ጸልማትን ክፍኣትን ዝመርሕ ‘ኣሕሪማንን’ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዝተመርኰሰ እዩ። ሰብ ኣብ ኣየናይ ወገን ከምዝምደብ ክመርጽ እንከሎ፡ እቲ ሃይማኖት ግን ኣብ መወዳእታ፡ ኣምላኽ ከምዝዕወት፡ እቶም ኣብ ንገሃነም ዝተፈርዱ እውን ከይተረፉ በረኸት ገነት ከምዘስተማቕሩ ይምህር።

ዞራስትርያኒዝም መሰረት ሓደ-ዚሄርነት ዝቕበል ሃይማኖት ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ኣብ ከም ሰማይን ሲኦልን ዝኣመሰሉ ክልተኣዊ ነገራት ዘተኮረሉ ኣገባብ ድማ ኣብ ኣይሁድነት፣ ክርስትናን እስልምናን ይርአ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ዞራስትርያኒዝም መሰረት ሓደ-ዚሄርነት ዝቕበል ሃይማኖት ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ኣብ ከም ሰማይን ሲኦልን ዝኣመሰሉ ክልተኣዊ ነገራት ዘተኮረሉ ኣገባብ ድማ ኣብ ኣይሁድነት፡ ክርስትናን እስልምናን ይርአ

ሓሳባት ዞራስትርያውያን ናብ እምነታት ኣብርሃምን ካልኦትን ብኸመይ ተኣታትዮም?

ምሁራት ከምዝብልዎ፡ ብዙሓት ካብዚ ኣምር እዚ፡ ኣይሁድ ባቢሎን ብሃጸይ ፋርስ ሳይሮስ ዓቢ ሓራ ምስ ወጹ እዮም ተኣታትዮም። ብኸምዚ ድማ ናብ ቀንዲ ኣተሓሳስባታት ኣይሁድ ውሒዞም፤ ከም በዓል ብኤልዜቡል ዝኣመሰሉ ኣካላት ድማ ተቐልቂሎም።

ከምኡ’ውን ፋርስ ኣብ ዕብየት ግዝኣት ኣኬሜኒድ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ንመሬታት ግሪኽ ድሕሪ ምውራራ፡ ፍልስፍና ግሪኽ እውን ካልእ መንገዲ ሒዙ። ግሪኻውያን ቅድሚኡ፡ ደቂ ሰባት ውሑድ ምርጫ ከምዘለዎምን፡ ዕጫኦም ድማ ኣብ ምሕረት ናይቶም መብዛሕትኡ ግዜ ብመሰረት ድሌትን ቅብኣን ዝዋስኡ ብዙሓት ኣማልኽቶም ምዃኑ ይኣምኑ ነይሮም። ምስ ሃይማኖትን ፍልስፍናን ኢራን ድሕሪ ምልላዮም ግን፡ ጎይቶት ናይ ገዛእ ርእሶም ዕድል ከምዝዀኑ፡ ውሳነታቶም ድማ ኣብ ኢዶም ከምዘሎ ዝያዳ ክስምዖም ጀሚሩ።

ኣብ ሓደ እዋን መንግስታዊ ሃይማኖት ኢራንን ኣብ ካልኦት ህዝብታት ፋርስ ዝነብሩለን ዞባታት (ንኣብነት ኣፍጋኒስታን፡ ታጂኪስታንን መብዛሕትኡ ማእከላይ ኤስያን) ብሰፊሑ ዝትግበርን እኳ እንተነበረ፡ ሎሚ ዞራስትርያንነት ኣብ ኢራን ሃይማኖት ውሑዳት ኰይኑ ይርከብ። ኣብ መላእ ዓለም ድማ ውሑዳት ተኸተልቲ ኣለዎ።

ባህላዊ ውርሻ ናይቲ ሃይማኖት ግን ካልእ ጉዳይ’ዩ። ብዙሓት ልምድታት ዞራስትርያውያን ንባህሊ ኢራን ዝድግፉን ዝገልጹን ኰይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ። ካብታ ሃገር ወጻኢ ድማ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ርኡይ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ።

ውዕውዕ ገለጻ ታሕጓስ ዞራስትርያን

ካብ ናይ ዳንተ ‘ዲቫይን ኮሜዲ’ ዘመናት ኣቐዲሙ፡ ኣብ ‘ዘ ቡክ ኦቭ ኣርዳ ቪራፍ’ ናብ መንግስተ ሰማይን ሲኦልን ዝተገብረ ጕዕዞ ብንጹርን ብዝርዝርን ተገሊጹ ይርከብ።

ዳንተ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ከባቢ መበል 10 ክፍለ ዘመን ድሕረ ክርስቶስ ዝተዛዘመ ጸብጻብ ዞራስትርያን ሰሚዑ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?

ኣብ መንጐ ክልቲኦም ስርሓት ዘሎ ተመሳሳልነት ዘይተኣደነ እኳ እንተዀነ፡ ሰባት ግን ግምተ-ሓሳብ ጥራይ እዩ ክህቡ ዝኽእሉ።

ዞራስትርያውያን ኣብ ከም ያዝድ ኢራን ዝኣመሰሉ ከባቢታት ኣብ ዝርከቡ መቕደሳት ሓዊ ኣምልኾ የካይዱ - ሓውን ማይን ኣብ ንጽህናንን ንስርዓታዊ ምጽራይ ኣድለይቲ ማንታ መጋበርያ ምዃኖም ይኣምኑ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ዞራስትርያውያን ኣብ ከም ያዝድ ኢራን ዝኣመሰሉ ከባቢታት ኣብ ዝርከቡ መቕደሳት ሓዊ ኣምልኾ የካይዱ - ሓውን ማይን ኣብ ንጽህናንን ንስርዓታዊ ምጽራይ ኣድለይቲ ማንታ መጋበርያ ምዃኖም ይኣምኑ

ኣብ ካልእ ከባቢታት ግን ‘ምትእስሳር’ ዞራስትርያውያን ውሑድ እዩ ነይሩ።

እዚ ኢራናዊ ነብይ ኣብ ቤት ትምህርቲ መበል 16 ክፍለ ዘመን ሩፋኤል ኣቴንስ ኩዕሶኣዊ ቅርጺ ዓለም ሒዙ ይረአ። ብተመሳሳሊ ኣብ መወዳእታ መበል 17/መጀመርታ መበል 18 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ‘ዘ ክላቪስ ኣርቲስ’ ዝተበሃለ ጀርመናዊ ውጽኢት ኣልኬሚ፡ ንዛራቱስትራ ዝተወፈየ ኰይኑ፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ክርስትያናዊ ቴማ ዘለዎ ስእልታት ዝሓዘ እዩ።

ዞሮስተር “ብፍላይ ድሕሪ ህዳሰ፡ [ኣብ ክርስትያናዊ ኣውሮጳ] ከም ጐይታ ሽሕር፡ ፈላስፋን ሰጋላይ ከዋኽብትን ክቝጸር ጀሚሩ” ትብል ኡርሱላ ሲምስ-ዊልያምስ ካብ ቤት ትምህርቲ መጽናዕቲ ምብራቓውን ኣፍሪቃን ዩኒቨርሲቲ ለንደን።

ከምዚ ኣብ ቺልፒክ፡ ኡዝቤኪስታን ዝርከብ ግምብታት ህድኣት፡ ዞራስትርያውያን ሬሳታት ሰባት ብኣዕዋፍ ክበልዑ ይገድፍዎም ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ከምዚ ኣብ ቺልፒክ፡ ኡዝበኪስታን ዝርከብ ግምብታት ህድኣት፡ ዞራስትርያውያን ሬሳታት ሰባት ብኣዕዋፍ ክበልዑ ይገድፍዎም ነይሮም

ሎሚ ዛዲግ ዝብል ስም ክለዓል እንከሎ ብኡንብኡ ፈረንሳዊ ፋሽን ትካል ዛዲግ ኤንድ ቮልቴር እዩ ናብ ኣእምሮ ዝመጽእ።

ፍርያት ክዳውንቱ ዞራስትርያዊ ዘይክዀኑ’ኳ እንተኸኣሉ፡ እቲ ድሕሪ እቲ ስም ዘሎ ዛንታ ግን ብርግጽ መሰረቱ ካብ ዞራስትርያ እዩ። ኣብ መፋርቕ መበል 18 ክፍለ ዘመን ብቮልተር ዝተጻሕፈት ‘ዛዲግ’፡ ዛንታ ናይቲ ብዛዲግ ዝጽዋዕ ፋርሳዊ ዞራስትርያዊ ጅግናኣ እያ እትነግር፤ ዛዲግ ድሕሪ ተኸታታሊ ፈተናን መከራን ኣብ መወዳእታ ንሓንቲ ባቢሎናዊት ልእልቲ ተመርዕዩ።

ዋላ’ኳ ሓድሓደ ግዜ ፍሕፍሕ ዝበለን ኣብ ታሪኽ ሱር ዝሰደደን እንተዘይኰነ፡ ፍልስፍናዊ ዛንታ ቮልቴር ግን ካብ ንኢራን ዝነበረ ሓቀኛ ተገዳስነት ዝተበገሰ’ዩ። ቮልቴር ብባህሊ ኢራን ኣዝዩ ስለ ዝተሰሓበ እዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ እዚ ተገዳስነት ኣብ ካልኦት ስርሓትን ቴማታትን ስነ-ጥበባውያን ምዕራብ እውን ተራእዩ እዩ።

ዞራስትርያውነት ንምዕራባዊ ስነ-ጥበብን ስነ-ጽሑፍን ጥራይ ዝጸለወ ኣይነበረን፤ ብርግጽ እቲ ጥንታዊ እምነት ኣብ መድረኽ ኣውሮጳ እውን ብዙሕ ሙዚቃዊ ምርኢታት ጸልዩ እዩ።

ካህናዊ ገጸ ባህሪ ሳራስትሮ፡ ናይ ሞዛርት ዘ ማጂክ ፍሉት፡ ከም ብርሃን ኣንጻር ጸልማት፡ ፈተናታት ብሓውን ማይን፡ ከምኡ’ውን ልዕሊ ኵሉ ጥበብን ሰናይን ምድላይን ዝኣመሰሉ ቴማታት ዞራስትርያውያን ዝተጸለዉ እዮም። ከምኡ’ውን ፍረዲ መርከሪ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፋሮክ ቡልሳራ እውን ብፋርሳዊ ዞሮስትሪያዊ ውርሻኡ ኣዝዩ ይሕበን ነይሩ።

ብዙሓት ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ኣብታ ራፋኤል ብ1511 ዝዛዘማ ‘ዘ ስኩል ኦቭ ኣቴንስ’ እትብል መጽሓፍ ዝተኻተተ ስእሊ ናይ ዞራስተር ከምዝዀነ ይኣምኑ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ኣብታ ራፋኤል ብ1511 ዝዛዘማ ‘ዘ ስኩል ኦቭ ኣቴንስ’ እትብል መጽሓፍ ዝተኻተተ ስእሊ ናይ ዞራስተር ከምዝዀነ ይኣምኑ

ክልተኣውነት

ኣብ ሙዚቃ ክመጽእ ከሎ፡ ምናልባት ካብቲ ንመብዛሕትኡ ክፋል ናይ ስታንሊ ኩብሪክ ‘2001: ኤ ስፔስ ኦዲሲ’ ዝያዳ ኣብ ናይ ሪቻርድ ስትራውስ ‘ዘስ ስፖክ ዛራቱስትራ’ ጽልዋ ውርሻ ዞሮስትርያኒዝም ዝበለጸ ይንጸባረቕ።

ካልኦት ዞራስትርያኒዝም ኣብ እዋናዊ ህዝባዊ ባህሊ ምዕራባውያን ዘለዎ ጽልዋ ዘርእዩ ግሁድ ኣብነታት እውን ኣለዉ።

ኣሁራ ማዝዳ ስም ናይቲ ማዝዳ ዝበሃል ትካል መካይን ኰይኑ እዩ።

ኣፈ-ታሪኽ ናይቲ ኣዞር ኣሃይ ዝበሃል ኣብ ልዕሊ ጸልማት ዝዕወት ፍርቂ ኣምላኽ ድማ፡ ነታ ብጆርጅ ኣር.ኣር ማርቲን ዝተዳለወት ‘ጌም ኦቭ ትሮነስ’ ዘርእስታ ተኸታታሊት ፊልም መነቓቕሒ ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ።

ከምኡ’ውን ኣብ ‘ስታር ዋርስ’ ፊልም፡ እቲ ኣብ መንጐ ብርሃንን ጸልማትን ወገናት ዝተኻየደ ኮስሚካዊ ውግእ፡ ብግልጺ ኣብ ምሉእ’ቲ ዞራስትርያኒዝም ተጻሒፉ ከምዘሎ ብዕቱብ ዝምጕቱ ኣለዉ።

ውሩይ መሪሕ ደራፋይ ንግስቲ ዝዀነ ፍረዲ መርከሪ፡ እምነት ዞራስትርያን ፋርሳውያን ስድርኡ ከምዝደረኾ ይገልጽ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ውሩይ መሪሕ ደራፋይ ንግስቲ ዝዀነ ፍረዲ መርከሪ፡ እምነት ዞራስትርያን ፋርሳውያን ስድራኡ ከምዝደረኾ ይገልጽ

ምስዚ ኵሉ ግን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ምዕራባውያን ኣተሓሳስባ፡ ሃይማኖትን ባህልን ዘበርከቶ ዝገበረን ሓደ-ዚሄርነት ንፈለማ ግዜ ዘተኣታተወን ኢራናዊ መስራቲኡን ብተዛማዲ ውሑድ ዝፍለጥ’ዩ።

ብዙሓት ፖለቲከኛታት ኣመሪካን ኣውሮጳን፡ ኢራን ኣንጻር እቲ ናጻ ዓለም ዝብልዎ ዝቘመት ሃገር ከምዝዀነት እዮም ዝሓስቡ።

ካልእ ብዙሕ ውርሻታትን ጽልዋታትን ኢራን ንጐድኒ ገዲፍና፡ እቲ ዝተረሰዐ ሃይማኖት ዞራስትርያኒዝም፡ እቶም ‘ንሕና’ን ዝብሉ ሰባት ምስቶም ‘ንሳቶም’ ዝብልዎም ክሳብ ክንደይ ከምዝመሳሰሉ ንምርዳእ ክሕግዝ ይኽእል’ዩ።