“ኢራን ኑክለሳዊ ቦምብ ናይ ምህናፅ ዓቕሚ ኣለዋ፡ ግና  ትልሚ የብላን”፡ ሓላፊ ኣተማዊ ጸዓት ኢራን

Published

ሓላፊ ኣተማዊ ጸዓት ኢራን ሞሓመድ ኢስላሚ፡ ሃገሩ ኣፅዋር ኑክለር ናይ ምህናፅ ዓቕሚ’ኳ እንተሃለዋ፡ ኣፅዋር ኑክለር ናይ ምህናፅ ትልሚ ግን ከምዘይብላ ተዛሪባ።

ማዕኸን ዜና ኢራን፡ ኢራን ኣፅዋር ኒዩኵሌር ምስራሕ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘለዋ ነቲ ሓላፊ ብምፅራሕ ፀብፂባ።

ቅድሚ ሕዚ እውን ካልእ ላዕለዋይ በዓልመዚ ኢራን ተመሳሳሊ ርእይቶ ሂቡ እዩ።

ሰብመዚ ኢራን መብዛሕትኡ ግዘ ኣብ ጉዳይ ኑክለር ክዛረቡ ኣይስምዑን። ሕዚ መደብ ምምዕባል ኑክለር እታ ሃገር ኣመልኪቶም ብወግዒ ዝህብዎ ዘለዉ ርእይቶታት ግና፡ ኣብ ብዙሓት ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።

ናይ ኢራን ኣጠቓቕማ ኑክለር ዝግድብ ስምምዕ ውድቂ ድሕሪ ምዃኑ፡ ኣብቲ ዓውዲ ትገብሮ ምንቅስቓስ እናደንፈዐ ከምዝመፅአ ይግለፅ።

እቲ ኣብ 2015 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ዝተኸተመ ስምምዕ ኣብ ሕቶ ክኣቱ ዝጀመረ፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ኣመሪካ ነቲ ስምምዕ ራሕሪሓ ድሕሪ ምውፅኣ እዩ።

ኣመሪካ ንቁጠባ ኢራን ዘልምሱ ማዕቐባት ከምዘንበረት ይፍለጥ።

ዋላ’ኳ ኢራን እቲ እተማዕብሎ ኑክለር ንሰላማዊ ዕላማ ከምተውዕሎ እንተገለፀት፡ ምዕራባውያን ግና ኣይኣምንኣን።

ሕዚ፡ ኢራን ኑክለር ብምምዕባል ዓለም ክቆፃፀሮ ኣብ ዘይኽእል ብርኪ ቅድሚ ምብፃሓ እቲ ዝነበረ ውዕሊ ንክሕደስ ይፅዕራ ኣለዋ።

ሓላፊ ኣተማዊ ጸዓት ሞሓመድ ኢስላሚ፡ ምስ ማእኸል ዜና ፋርስ ኣብ ዝቀበሮ ቃለ-መሕተት፡ “ኢራን ኣቶሚክ ቦምብ ናይ ምስራሕ ቴክኒካዊ ብቕዓት ኣለዋ። እንተኾነ ኣፅዋር ምስራሕ ኣጀንዳና ኣይኮነን” ኢሉ።

ቅድሚ ሕዚ ላዕለዋይ በዓልመዚ ኢራን ካሚል ካርዚ ንዝሃቦ ርእይቶ ድማ ኣረጋጊፁ።

ካሚል ካርዚ፡ “ኢራን ኑክለር ቦምብ ንምስራሕ ቴክኒካዊ ብቕዓት ኣለዋ። እንተኾነ ኣፅዋር ንምስራሕ ኣይወሰነትን” ክብል ንኣልጀዚራ ገሊፁ ነይሩ።

ሓላፊ ዓለምለኸ ኣቶሚክ ኢነርጂ ራፋኤል ግሮሲ፡ ኢራን ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ኑክለር ምስራሕ ዘኽእል ዝማዕበለ ዩራንየም ክትረክብ ከም ትኽእል ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ገሊፁ ነይሩ።

ኣመሪካ፡ እቲ ኣብ 2015 ዝተኸተመ ውዕሊ ቅድሚ ምፍራሱ፡ ኢራን ኣፅዋር ንምስራሕ ሓደ ዓመት ከምዘድልያ ገሚታ ነይራ።

ራፋኤል ግሮሲ፡ ኢራን ኑክለር ንምስራሕ ዘድልያ ግብኣት ምምዕባል ትኽእል እያ ማለት፡ ኑክለር ቦምብ ምስራሕ ትኽእል እያ ማለት ኣይኮነን ይብል።

ኣቶሚክ ኢነርጂ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፡ ኢራን 43.1 ኪሎ ግራም ዝምዘን 60 ሚእታዊት ዝተፃረየ ውህሉል ዩራንየም ኣለዋ።

ኣፅዋር ኑክለር ንምስራሕ 90 ሚእታዊት ዝተፃረየ 25 ኪሎ ግራም ዩራንየም የድሊ።

እቲ ኣብ 2015 ዝተኸተመ ውዕሊ ንምሕዳስ ፃዕሪ ኣብ ዝካየደሉ እዋን እያ፡ ኢራን ኑክለሳዊ ቦምብ ናይ ምስራሕ “ቴክኒካዊ ብቕዓት ኣለኒ” ትብል ዘላ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ነቲ ስምምዕ ንምሕዳስ ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን ኢራንን  ዝተፈተነ ዘይቀጥታዊ ልዝብ እውን ኣይሰመረን።