እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ነፍሰጾር ምዃነን ከይፈለጣ ዝሓርሳ ደቂ ኣንስትዮ
ነፍሰጾር ምዃነን ከይፈለጣ ጸኒሔን ድሕሪ ኣዋርሕ ወይ ከኣ ሕርሲ ምስ ጀመረን ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ዝፍለጥ ጥንሲ ከምዘሎ ሰሚዕኩም'ዶ ትፈልጡ?
ከብደን ኣየፍልጥን፣ ናብ ቅድሚት ዝደፍአ ነገር የለን። ኮታስ ዋላ ሓንቲ ናይ ጥንሲ ምልክት የብለንን። እዚ ‘ክርፕቲክ ፕሬግናንሲ’ ወይ ከኣ ሚስጢራዊ ጥንሲ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እትቕመጥ ታዋና፡ ኣብ 21 ዓመት ዕድሚኣ ቆልዑ ክትወልድ መደብ ኣይነበራን።
ኣመና ምዝንጋዕ እትፈቱ ታዋና ኩነታት መነባብሮኣ ክትገልጽ እንከላ “ወግሐ ጸብሐ እንዳ መስተ’ዩ ምሕዳረይ ናብራ ዕቡዳት’ዩ” ኢላ ትገልጾ።
ሓደ መዓልቲ ግን ነዚ ኩነታት ዝቕይር ክስተት ኣጋጢምዋ። ሃለዋታ ኣጥፊኣ ስለዝወደቐት ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ። እንተኾነ ስለምንታይ ብደዋ እንከላ ከምዝወደቐት ትዝክሮ ነገር ኣይነበራን።
ካብኡ ንድሓር ሓደ ዘሰንብድ ዜና ሰምዐት። ድሕሪ ኣርባዕተ ሰሙን ክተሓርስ ምዃና ብሰብ ሞያ ጥዕና እቲ ሆስፒታል ተነጊርዋ።
ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ስንባደ ጥራይ ዘይኮነስ "ምትንፋስ ክሳዕ ዝኣብየኒ እየ ኮይነ" ኢላ።
ነቲ ኩነት ሓቂ ከምዝኾነ ክትቅበሎ እዩ ዓቐበት ኮይንዋ።
ብዘይተጸበየቶ መንገዲ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰሙን ነገራት ከም ዝቕየሩ ድማ ተረዲኣ።
ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሆስፒታል ምስ ኣተወት፡ ቅድሚ 'ኤምኣርኣይ ስካን' መርመራ ጥንሲ ክትገብር ተነጊርዋ።
ኣብ ኢዳ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ ባእታ ስለዝነበራን ናይ ጥንሲ ምልክታት ስለዘይተራእየትን እቲ መርመራ ኣይተወሓጠላን ነይሩ።
ድሕሪኡ መርመራ ምስ ገበረት ውጽኢቱ 'ኣሉታዊ' ስለ ዝኾነ ከም ዘይጠነሰት ርግጸኛ ኮይና።
ሓንቲ ነርስ ግን ነቲ ሓኪም ታዋና ጥንስቲ ክትከውን ከምእትኽእል ኣእሚና ኣልትራሳውንድ ክገብረላ ተማሕጺናቶ።
ሽዑ እዩ ጥንስቲ ምዃና ተፈሊጡ። ኣቦ ውላዳ ኣማኑኤል፡ ታዋና ክትወልድ ከም ዝቐረበት ምስ ነገረቶ ኣይኣመነን።
“ዋላ ሓንቲ ትርጉም ኣይነበሮን፤ ተኣምር እዩ ኮይኑኒ" ኢሉ።
ከም ረስኒን ተምላስን ዝኣመሰለ ርኡይ ናይ ከብዲ ዕብየት ዘይብሉ [ክሪፕቲክ ፕሬግናንሲ] Cryptic Pregnancy) ጥንሲ ምስጢራዊ ጥንሲ ይበሃል።
ሳሕቲ ምዃኑ ሓካይም ከምዝነገሩዋ እትዛረብ ታዋና፡ "ካብ ካልኦት ማሕበረሰባት ኣብ ጸለምቲ ሰባት ብዝተፈለየ መንገዲ ከምዘጋጥም’ውን ተነጊሩኒ” ትብል።
“ብሰንኪ ኣቃውማ ጎሎን ኣዕጽምትናን፡ እቲ ዕሸል ንቕድሚት ዘይኮነስ ናብ ውሽጢ ከም ዝዓቢ ተነጊሩኒ። ከምኡ'ውን ኣቀማምጣ ዕሸል ተገልቢጡ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ዝብል ሓበሬታ ከምዝተነገራ እያ ትዝክር።
ክትወልድ ኣርባዕተ ሰሙን ተሪፍዋ ምህላዉን፡ ዕሸላ ተገልቢጡ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ሓበሬታን ኣብ ልዕሊኣ ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩ ከምዝነበረ ዝገለጸት ታዋና ብፍላይ እታ መዓልቲ እናቐረበት ምስ ከደት፡ እቲ ዕሸል ተገልቢጡ ከይተርፍ ዝነበራ ፍርሒ ኣዝዩ እናወሰኸ ከደ።
ክንደይ ደቂ ኣንስትዮ እዚ ምስጢራዊ ዓይነት ጥንሲ ከም ዘጋጥመን ዝገልጽ ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ እኳ እንተዘየለ፤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ሳውዝ ባንክ ፕሮፌሰር ክንክን ጥዕና ኣሊሰን ሌቪ፡ ኣብ ጸለምትን ካልኦት ውሑዳን ክፋል ሕብረተሰብን ኣብ ተበጻሕነት ክንክን ወሊድ ፍልልይ ከምዘሎ ተዛሪቡ።
ንሱ ኣስዒቡ "ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ጸለምቲ ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን ዝበለጸ ክንክን ከምዘይረኽባ ዘርእይ ብዙሕ መጽናዕትታት ተኻይዱ'ዩ" ክብል ገሊጹ።
ኣብዚ ምስጢራዊ ጥንሲ ብፍላይ ኣብ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ መጽናዕቲ ክካየድ ከምዘለዎ ኣስሚሩ ተዛሪብሉ። እዚ ምስ ምሕያልን ተበፃሕነትን ኣገልግሎት ክንክን ጥንስን ወሊድን ዝተኣሳሰር ምዃኑ እውን ኣረዲኡ።
ከይሓሰበቶ ጥንስቲ ምዃና ምስተነግራ ድሕሪ ኣርባዕተ ሰሙንን ኣርባዕተ መዓልትን ዝሓረሰት ታዋና ንወዳ ሪቨር ኢላ ሰመየቶ።
ይኹን እምበር ድሕሪ ሕርሲ ብሕማም ጭንቀት ክትሳቐ ጀመረት። ኣብ ዘይተጸበየቶ ኩነታት ኣብ ንኡስ ዕድሚኣ፡ ኣደ ንምዃን ከመይ ጌርካ ከም እትላመድ ምኽሪ ክትሓትት ናብ ማሕበራዊ ገጻት ቲክ ቶክ ክትቅልቀል ጀሚራ።
ይኹን እምበር፡ ብዘይካ ሓንቲ ኣሜሪካዊት፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኣደ ዝኾነት ሰበይቲ ረኺባ ኣይትፈልጥን።
“ኣብ ኣዝዩ ዓሚቝ ጭንቀት ኣትየ፤ ዝመኽረኒ ሰብ’ውን ስኢነ" ትብል።
“ብዛዕባ እዚ ዝዛረብ ሰብ የለን። ብሓንቲ ኣሜሪካዊት ጓል ኣንስተይቲ ጥራይ ዝተሰርሐት ቪድዮ ኣላ። ምእቲ ሰባት ጥራይ ዝረኣይዎ ቪድዮ’ዩ ነይሩ። ንሳ ጥራይ እያ ምኽሪ ዝሃበትኒ” ትብል ወሲኻ።
ታዋና ብዛዕባ እቲ ዘገርም ጥንሳ ብቪድዮ ክተካፍል ወሰነት። እቲ ዝሰርሐቶ ቪድዮ ኣዘራራቢ ስለዝነበረ 400 ሽሕ ሰባት ከምዝፈተውዎ ትገልጽ። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ካልኦት ኣዴታት ፖድካስት ጀሚራ።
ታዋና ነተን ኣብ መወዳእታ ሰዓት ጥንስቲ ከምዝኾና ዝንገረን መንእሰያት ኣዴታት ተስፋ ክትህበን ታሪኻ ኣካፊላ።
ታዋና ካብ ኣዲኣ ገንዘባዊ ደገፍ ስለዝረኸበት ኣይትጻገም ድኣ እምበር ካልኦት ከምኣ ዘይዕድለኛታት ከምዘለዋ ግን ትግንዘብ።
ንጽጉማት ዝሕግዝ ትካል ግብረ ሰናይ ክትጅምር ሓሳብ ኣለዋ።
ምስጢራዊ ጥንሲ [ክሪፕቲክ ፕሬግናንሲ] እንታይ እዩ?
- ጓል ኣንስተይቲ ኮይና ናይ ጥንሲ ምልክታት ምስዘይተርእን ጥንስቲ ምዃና ምስ ዘይትፈልጥን እዩ። ገሊአን ድማ ኣብ እዋን ሕርሲ ከምዝጠነሳ ዝርድኣሉ ክስተት እዩ።
- ካብ 2500 ሕርሲ እቲ ሓደ ሚስጥራዊ ጥንሲ ዝውለድ’ዩ
- ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ 300 ቆልዑት ብምስጢራዊ ጥንሲ ዝተፈጠሩ’ዮም።
- ምልክታት ጥንሲ ዘይርእያሉ ምኽንያት ድማ ምስቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓልፍኦ ጭንቀት ዝተመልኦ ግዝያት ዝተኣሳሰሩ እዮም።
- ዘይስሩዕ ወርሓዊ ጽግያት ወይ ዝተዛብዐ ወርሓዊ ጽግያት ዘጋጥመን ደቂ ኣንስትዮ ካልእ ናይ ጥንሲ ምልክታት ክርእያ ይኽእል እየን።