ማንቸስተር ሲቲ’ዶ ኣርሰናል? ኣብ ካልኦት ጸወታታትከ ኣየኖት ጋንታታት ይዕወታ?

ተጻወትቲ ሲቲን ኣርሰናልን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ ሓምሻይ ሰሙን ግጥማት ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ሜድኣ ንኣርሰናል ከተአንግዳ እያ። እዚ ጸዋታ ናይዚ ሰሙን እቲ ዝዓበየን ብዙሓት ዝጽበይዎን ኰይኑ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ክልቲአን ጋንታታት ዝተኻየደ ግጥም ብዘይ ሸቶ ከምዝተዛዘመ ዝዝከር እዩ። ኣብ ምክልኻል ኣድሂባ ዝተጻወተት ኣርሰናል ዳግማይ ተመሳሳሊ ቅዲ ጸወታ ክትመርጽ’ዶ ትኸውን?

ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ቢቢሲ ክሪስ ሱተን፡ "ሸቶ ዘይቁጸረሉ ጸወታ ክኸውን'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። እንተኾነ ግን ዓበይቲ ጸወታታት ብማዕረ ክዛዘሙ'ዮም ክብል ኣይደልን" ይብል።

ንምዃኑ እዚ ብዙሓት ዝጽበይዎ ግጥም ሓዊስካ እቶም ካልኦት ጸዋታታት እንታይ ዓይነት ውጽኢት ይህልዎም ይኸውን? ናብ ግምት ክሪስ ሱተን ክንሰግር።

ቀዳም

ዌስትሃም ኣንጻር ቸልሲ

ዌስትሃም ቸልሲ

ዌስትሃም፡ ንኣሰልጣኒ ዴቪስ ሞየስ ዝፋነወትሉ ምኽንያት ‘ብመገዲ ዌስትሃም ዝጻወት’ ኣሰልጣኒ ንምፍራም ዝብል ነይሩ።

ንኣሰልጣኒ ዩለን ሎፕተጉ ኣብ ርእሲ ምቑጻራ እቲ ብ130 ሚልዮን ፓውንድ ዘካየደቶ ምፍራም ተጻወትቲ ካብቲ ኣብ ግዜ ኣሰልጣኒ ሞየስ ዝነበራ ውጽኢት ዝሓሸ ክትረክብ’ዶ ትኸውን ዝብል ገና ኣብ መስርሕ ግዜ ዝረአ ክኸውን’ዩ።

ዌስትሃም ጽቡቕ ምንቅስቓስ ካብ ዘይምግባራ ብተወሳኺ ቸልሲ ብወገና ኣብ ዘእምን ብቕዓት ብዘይምህላዋ ውጽኢት እዚ ጸዋታ ኣጸጋሚ ይገብሮ።

ኣየነይቲ ጋንታ ከም እትዕወት ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ክኸውን እዩ።

ግምት፡ 1 – 1

ኣስቶን ቪላ ኣንጻር ዎልቭስ

ዎልቭስ ካብዚ ጸወታ ዝኾነ ነጥቢ ኣይክትረክብን እያ፤ ግን ሎሚ ዓመት ጽቡቕ ውጽኢት ከተመዝግብ እያ።

ኣሰልጣኒ ቪላ ኡናይ ኤምሪ ኣብ ውድድር ሻምፕዮንስሊግን ፕሪምየር ሊግን ሚዛን ጋንትኡ ክሕሉ ኣለዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣንጻር ኤቨርተን ኣብ ዝነበራ ግጥም ናብ ዓወት ዘብቀዐት ሸቶ ብዘመዝገበ ጆን ዱራን፡ እታ ጋንታ ዘለዋ ዕምቆት ተጻወትቲ ከርኢ ክኢሉ ነይሩ።

ንያንግ ቦይስ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ድሕሪ ምስዓራ፡ ኣብዚ ጸወታ’ውን 3 ነጥቢ ክትረክብ እያ።

ግምት፡ 2 – 0

ፉልሃም ኣንጻር ኒውካስል

ፉልሃም ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሜድኣ ካብ ዘካየደቶም 19 ጸወታታት 9 ተዓዊታ፡ ኣብ 8 ጸወታታት ድማ ማዕረ ተፈላልያ።

ኒውካስል ድማ ንምግማት እተጸግም ጋንታ ኮይና ኣላ።

እታ ጋንታ ክሳብ ሕጂ ከም ጋንታ ሸቶ ካብ ምምዝጋብ ንላዕሊ ተጻወትታ ውልቃዊ ብቕዓት ኣብ ምርኣይ ዘድሃቡ ይመስሉ።

እዚ ጸወታ ብማዕረ ውጽኢት ዝውዳእ ይመስለኒ።

ግምት፡ 1 – 1

ሌስተር ኣንጻር ኤቨርተን

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክልቲአን ጋንታታት 2 ብዜሮ ክመርሓ እኳ እንተጸንሓ ደሓር ግን ሌስተር ምስ ፓላስ ማዕረ ተፈላልያ፤ ኤቨርተን ድማ ብቪላ ተሳዒራ።

እዚ ጸወታ፡ ጋንታ ኣሰልጣኒ ሾን ዳይሽ ሰለስተ ነጥቢ እትረኽበሉ ሰሙን ይመስል።

ገለ ደገፍቲ ግን ኣብቲ ኣሰልጣኒ ዘለዎም እምነት ይሃስስ’ዩ ዘሎ።

ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ብእትርከብ ጋንታ ስዕረት ምእንጋድ ነቲ ጸቕጢ ክሕይል እዩ ዝገብሮ።

ግምት፡ 1 – 2

ሊቨርፑል ኣንጻር ቦርንማውዝ

ሊቨርፑል - ቦርንማውዝ

ሊቨርፑል ብድሕሪ’ቲ ብኖቲንግሃም ፎረስት ዘጋጠማ ስዕረት ንኣሲሚላን ብምስዓር ጽቡቕ ምላሽ ሂባ’ላ።

መሓመድ ሳላሕ ሓዊሱ ገለ ተጻወትታ ምስ ፎረስት ኣብ ዝነበረ ግጥም ጽቡቕ ግዜ ኣየሕለፉን።

እዚ ጸወታ ንሊቨርፑል ቀሊል ኣይክኸውንን'ዩ። እንተኾነ ግን ከምቲ ኣንጻር ፎረስት ዝነበረቶ ዝሕልቲ ኮይና ኣይክትቐርብን።

ተጻወትታ ዕድላት ብምፍጣር ክጥቀሙሎም እዮም።

ግምት፡ 2 – 0

ሳውዝሃምፕተን ኣንጻር ኢፕስዊች

ክልቲአን ጋንታታት ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ፈላማይ ዓወት ከመዝግባ ተስፋ ብምግባር ናብ ሜዳ ክኣትዋ እየን።

ኤስዊች ክሳብ ሕጂ ክልተ ነጥቢ ረኺባ ኣላ።

ክልቲአን ጋንታታት ሰለስተ ነጥቢ ንምርካብ ክጻወታ እየን፤ እንተኾነ እቲ ግጥም ብማዕረ እዩ ክዛዘም።

ግምት፡ 1 – 1

ቶተንሃም ኣንጻር ብሬንትፎርድ

እዚ ንቶተንሃም ከቢድ ግጥም ክኸውን እዩ።

ብሬንትፎርድ ድልዱል ውዳበ ከምዘለዋ ኣብ ዘርኣየትሉ ጸወታ ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ፡ ዮኣን ዊሳ ብማህሰይቲ ካብ ሜዳ ምውጽኡ ይዝከር።

ቶተንሃም ከምቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበራ ብቕዓት፡ ኣንጻር መጋጥምታ ሸቶታት ክተቑጽር ኣብ ዘይትኽእለሉ ብቕዓት ምህላዋ ከም ስግኣት ይለዓል።

ኣብዚ ጸወታ ደልዲላ ክትቐርብ ግድን ይኸውን። ኣብ ሜድኣ ስለ ዝጻወታ ድማ ክትዕወት ትጽቢት ኣለኒ።

ግምት፡ 2 – 1

ክሪስታል ፓላስ ኣንጻር ማንቸስተር ዩናይትድ

ፓላስ - ዩናይትድ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፓላስ ኣብ ሜድኣ ንማንቸስተር ዩናይትድ 4 ብ 0 እንተስዓረት’ውን ነቲ ክልተ ሸቶታት ዘመዝገበላ ማይክል ኦሊሰ ከምዝሸጠቶ ይፍለጥ።

ኣሰልጣኒ ኦሊቨር ግላስነር ናብታ ጋንታ ክመጽእ ከሎ ጽቡቕ ውጽኢት ኣመዝጊቡ'ኳ እንተነበረ፡ ሎሚ ዓመት ግን እቲ ጉዕዞ ቀሊል ኣይኰነሉን።

ዩናይትድ ካብዚ ጸወታ ሰለስተ ነጥቢ ክትረክብ’ያ። ጉዳይ ተን ሃግ ዘተኣማምን እኳ እንተዘይኮነ፡ እታ ጋንታ ግን ኣብ ቅኑዕ መንገዲ ትኸይድ ዘላ ትመስል።

ግምት፡ 1 – 2

ሰንበት

ብራይተን ኣንጻር ኖቲንግሃም ፎረስት

ፎረስት ዘለዋ መስመር ምክልኻልን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ሊቨርፑል ዘመዝገበቶ ዓወትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክትስዓር እያ ኢልካ ምግማት ኣጸጋሚ እዩ።

ኣብ ክፍሊ ማእኸል ዝስለፉ ተጻወትታታ ካብ ዘለዎም ብቕዓት ብተወሳኺ ተቐየርቲ ተጻወትታ ጽልዋ ከሕድሩ ከምዝኽእሉ ኣመስኪሮም ኣለዉ።

ብራይተን እውን ሸቶታት ከተመዝግብ እትኽእል ጋንታ እያ።

እታ ጋንታ ኣብ ሜድኣ ከምዘይትስዓር እንተገሚትና ድማ እቲ ግጥም ብማዕረ ክዛዘም’ዩ ምባል ይከኣል።

ግምት፡ 1 – 1

ማንቸስተር ሲቲ ኣንጻር ኣርሰናል

ሲቲ - ኣርሰናል

ኣርሰናል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ማንቸስተር ሲቲ ሸቶ ከይተመዝገብ ዝገበረቶ ገድሊ ዝንኣድ እኳ እንተነበረ ግን ከኣ ብሰንኪ ክልተ ነጥቢ’ያ ዋንጫ ሊግ ኣምሊጣታ።

ተጻወትታ ዘርኣይዎ ኣብ ምክልኻል ዘድሃበ ኣጸዋውታ ድማ ነታ ዋንጫ ክትስእና ከም ምኽንያት ዝጠቕሱ ነቐፍቲ ኣይጠፍኡን።

ኣርሰናል ጽኑዕ ክፍሊ ምክልኻል ሃኒጻ ኣላ። ንሲቲ ብጸረ መጥቃዕቲ ክትፍትና ከም እትኽእል ካብቲ ምስ ኢንተር ሚላን ዝነበረ ግጥም ምግንዛብ ይከኣል።

ኤርሊንግ ሃላንድ ኣብቲ ግጥም ፅቡቕ ካብ ዘይምጽዋቱ ንላዕሊ እቲ ማህሰይቲ ዘጋጠሞ ኬቨን ዲ ብሩይነ ኣብዚ ጸዋታ ዘይክስለፍ ይኽእል’ዩ።

ሲቲ ድሕሪ'ቲ ሸቶ ዘየመዝገበትሉ ጸወታ ሻምፕዮንስ ሊግ ኣብዚ ምላሽ ክትህብ ትጽቢት ይግበር።

ግምት፡ 2 – 1