እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣማዞን ወጻኢታቱ ንምንካይ 18 ሽሕ ሰራሕተኛ ከሰናብት'ዩ
ኣማዞን ወጻኢታት ንምቑጣብ ኣብ ዝቃለሰሉ ዘሎ እዋን፡ ልዕሊ 18 ሽሕ ሰራሕተኛታት ከሰናብት መደብ ሒዙ ይርከብ። እዚ ኣብ ታሪኽ እቲ ትካል እቲ ዝዓበየ ቁጽሪ እዩ።
እቲ ኣብ መላእ ዓለም 1.5 ሚልዮን ሰራሕተኛታት ዘለዎ ትካል፡ እተን ሰራሕተኛ ዝቕነሰለን ሃገራት ኣየኖት ከም ዝኾና ኣይገለጸን። እንተኾነ ግን ንኣውሮጳ ከም ዘጠቓልል ሓቢሩ'ሎ።
መብዛሕትኦም ዝቋረጹ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብ ናይ ዓማዊል ንግዲ ኣከፋፈልቲን ክፍሊ ሓይሊ ሰብን እዩ።
ሓላፊ ናይቲ ትካል ኣንዲ ጃሲ፡ እቲ ምንካይ ብሰንኪ "ርጉጽ ዘይኮነ ቁጠባ" ዝሰዓበ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሰራሕተኛታት "ንሓያሎ ዓመታት ልዕሊ ዓቐን" ይቖጽር ከም ዝነበረ ገሊጹ።
"እዞም ውሳነታት ብቐሊሉ ዝተወሰኑ ኣይኮኑን፡ ወይ ድማ ንህይወት እቶም ዝተጸልዉ [ሰራሕተኛታት] ክሳብ ክንደይ ክጸልዉ ከም ዝኽእሉ ኣቃሊልና ኣይንርእዮምን" ክብል ንሰራሕተኛታት ኣብ ዝለኣኾ መዘኻኸሪ ሓቢሩ።
እቲ ትካል ነዚ መግለጺ ዝሃበ፡ ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ካብቲ ትካል ወጻኢ ክፍለጥ ምግባሩ ስዒቡ እዩ።
"ንነዊሕ እዋን ዝጸንሓ ኩባንያታት ዝተፈላለየ ምዕራፋት ይሓልፋ’የን” ብምባል ዓመት ዓመት ብቐጻሊ ስራሕቲ ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ ኩነታት ከም ዘይርከባ እቲ ትካል ይምጉት።
ኣማዞን፡ ኣብ ገዛ ዝሰልቸዎም ዓማዊል ብኢንተርነት ብዙሕ ገንዘብ ኣብ ዘውጽኡሉ ዝነበሩ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19፡ ጽቡቕ ዝነበረ መሸጣኡ ብድሕሪኡ ከም ዝዘሓለ ይፍለጥ።
ከም ወናኒ ፌስቡክ፡ ኢንስታግራምን ዋትስኣፕን ዝኾነ ሜታ ዝበሉ ካልኦት ዓርሞሸሽ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ እውን ዓበይቲ ምቕናስ ሰራሕተኛታት ከም ዝገበሩ ኣብ ቀረባ እዋን ኣፍሊጦም እዮም።
ኣማዞን፡ ድሮ ከም ቀረብ ሮቦታትን ኢኮን (ዝያዳ ኣሌክሳ ብዝብል ትፍለጥ) ዝኣመሰሉ ብጭቡጥ ገንዘብ ዘይረኽበሎም ፕሮጀክትታት ከም ዘቋርጽ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብ ሲሊኮን ቫሊ ዝርከቡ ትካላት፡ ብቑዓት ሰራሕተኛታት ዋላ’ውን ብቕጽበት ዘይድለዩ እንተኾኑ፡ ብቐንዱ ንመወዳድርቶም ንከይሰርሑ ንምግባር፡ ብጽቡቕ ደሞዝ ናይ ምቑጻርን ምዕቃብን ዝንባለ ኣሎ። እዚ ባህሊ እዚ ግን እተን ኩባንያታት ክዕቅብኦ ዓቕሚ ዘይብለን ሕንቃቐ እዩ።
በቲ ስጉምቲ ዝተጸልዉ ሰራሕተኛታት ኣማዞን ክሳዕ 18 ጥሪ ከም ዝንገሮም ትጽቢት ይግበር።
እቲ ኩባንያ ድሮ ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ምቑጻርን ገለ ካብ ምስፍሕፋሕ መኽዘናቱን ደው ኣቢሉ’ዩ።
"ቅድሚ እቲ ለበዳ፡ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 1 ሚእታዊት ክሳብ 3 ሚእታዊት ካብ ሓይሊ ስራሐን ጥራይ ይንክያ ነይረን" ክብል ኣብ ሲሊኮን ቫሊ ኣማኻሪ ትካል ኮንስተሌሽን ሪሰርች ዝኾነ ሬይ ዋንግ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ካብ ናይ ወፍሪ ትካል ዌድቡሽ ሲክዩሪቲስ ዳን ኣይቭስ ብወገኑ፡ ዓማዊል ኢዶም ኣብ ዘሕጽሩሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣማዞን "ዝያዳ ጸገማት ኣብ ቅድሚኡ" ኣሎ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ሓቢሩ።
ምጉዳል ሰራሕተኛታት ብደረጃ ኢንዱስትሪ
መሸጣ እናዘሓለ ስክፍታታት ቁጠባዊ ምንቁልቋል ድማ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መላእ ዓለማዊ ኢንዱስትሪ ቴክኖሎጂ ዓሰርተታት ኣሽሓት ቦታታት ስራሕ ክቋረጹ ይግበር ኣሎ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር ወናኒ ፌስቡክ፡ ሜታ 13 ሚእታዊት ካብ ሰራሕተኛታቱ ከም ዘሰናብት ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብ ታሪኽ እቲ ትካል ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ሰራሕተኛታት ንፈለማ እዋን ብጅምላ ኣብ ዘፋንወሉ እዋን፡ ካብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ 87 ሽሕ ሰራሕተኛታቱ፡ እቶም 11 ሽሕ ስራሖም ክስእኑ እዮም።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሜታ ማርክ ዙከርበርግ፡ እቲ ምቕናስ "ኣብ ታሪኽ ሜታ ዝገበርናዮ ዝኸበደ ለውጢ'ዩ" ኢሉ።
ትዊተር እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲዱ እዩ፤። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ቢልዮነር ኤሎን ማስክ ነቲ ትካል ድሕሪ ምዕዳጉ፡ ኣስታት ፍርቂ ሰራሕተኛታቱ ከም ዘፋነወ ይዝከር።