ቤትፍርዲ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ሓደስቲ ስደተኛታት ምቕባል ደው ከብል ፈቒዱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓደ ናይ ይግባይ ቤትፍርዲ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ሓደስቲ ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ምጽዳቕ ደው ከብሎ ትማሊ ሰሉስ ፍቓድ ሂቡ።
እንተዀነ፡ እቲ ፕረዚደንት ስርዓት ምቕባል ስደተኛታት እታ ሃገር ደው ንምባል ብዝሃቦ ፈጻሚ ትእዛዝ ዝቐረበሉ ክሲ፡ ገና ይቕጽል እዩ ዘሎ።
እቶም፡ ትራምፕ ዳግማይ ስልጣን ቅድሚ ምሓዙ ብቕድመ-ኵነት (ኣብ ገለ ምኽንያት ተመርኲሱ) ዝጸደቐሎም ስደተኛታት፡ ሕጂ'ውን ብኸምቲ ቤትፍርዲ ዝኣዘዞ መስርሕ ክግበረሎም እኳ እንተዀነ፡ እቶም ደያኑ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንስደተኛታት ዝወሃብ ሓድሽ ፍቓድ ደው ከብሎ ግን ኣፍቂደምሉ ኣለዉ።
እቲ ቤትፍርዲ ይግባይ፡ ንመብዛሕቱ እቲ ብዳኛ ጀማል ዋይትሄድ - ናይ ስያትል ዳኛ - ዝተዋህበ ውሳነ ደው ኣቢሉዎ።
እቲ ናይ ስያትል ዳኛ፡ ትራምፕ ነቲ ብባይቶ (ኮንግረስ) ዝተጣየሰ ሕጊ ክስርዞ ከም ዘይክእልን ዳግማይ ክጅመር ከም ዘለዎን እዩ ወሲኑ ነይሩ።
ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝተመዘዘ ደሞክራት ዋይትሄድ፡ እቲ ፕረዚደንት [ትራምፕ] ምቕባል ስደተኛታት ደው ከብል ይኽእል እኳ እንተዀነ፡ ደረት ኣልቦ ስልጣን ግን ከም ዘይብሉ ገሊጹ።
ንሱ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ሓደገኛ ከባቢታት ሓዲግ-መዲግ ዝተረፉ ስደተኛታት ከም ዘለዉ፣ እቶም ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ካብ ዝፈትውዎም ስድራቤቶም ተፈልዮም ከም ዝርከቡ፣ ናብ ኣመሪካ ንምግዓዝ ኵሉ ንብረቶም ሸይጦም ዝነቐሉ እሞ፡ ጸኒሑ መስርሖም ዝተሰረዘ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
ትእዛዝ ትራምፕ፡ እቲ ካብ ኲናት፡ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ወይ ስደት ዝተመዛበሉ ሰባት ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣመሪካ ክግዕዝሉ ዘኽእሎም ዝነበረ ፕሮግራም ስደተኛታት፡ ደው ክብል ምዃኑ ገሊጹ።
ከተማታትን ሕብረተሰባትን ምስ "ልዑል ደረጃ ስደት" ይቃለሳ ስለ ዘለዋ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ከም ዘይብለን እዩ ዝምጕት። እቲ ምምሕዳር፡ ካብ መላእ ዓለም 600,000 ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ንምእታው ኣብ መስርሕ ከም ዝርከቡ ጸብጺቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋላ'ኳ ክልተኦም ሰልፍታት ኣመሪካ፡ ብግቡእ መስርሕ መርመራ ንዝሓለፉ ስደተኛታት ምቕባል ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ክድግፉ እንተ ጸንሑ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግን እቲ ፕሮግራም ስደተኛታት ፖለቲካዊ መልክዕ ሒዙ ኣሎ።
ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ፡ ምቕባል ስደተኛታት ንግዜኡ ደው ኣቢሉዎ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ዓመት ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝፍቀዶም ብዝሒ ስደተኛታት ኣዝዩ ጐዲሉ።
እቲ ክፍሊ ፍትሒ ከኣ እቲ ትእዛዝ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ትራምፕ ምዃኑ ተማጒቱ።
እቶም ከሰስቲ፡ እቶም ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ምፍቃድ፡ ነታ ሃገር ብኸመይ ከም ዝሃስያ ኣየርኣየን ኢሎም።
ምስ'ቶም ከሰስቲ፡ ንስደተኛታት ዝሕግዙ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ትካል ስደተኛታት ኣይሁድ፡ ኣባላት ማሕበረሰብ ሉተራን ወዘተ ይርከቡዎም። ብሰንኪ ትእዛዝ ትራምፕ፡ ነቶም ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ስደተኛታት ከይተረፈ ኣገልግሎት ናይ ምሃብ ዓቕሞም ብዓቢይኡ ከም ዝተጸልወ ገሊጾም።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
