ሽመት ኤጲስ-ቆጶሳት ኣክሱምን ኣዲስ ኣበባን እንታይ የመልክት?

መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ትግራይን

ምንጪ ስእሊ, EOTC/Tigray TV

Published

እቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ፡ ንኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ እውን ከቢድ ቅልውላው ኣስዒቡላ እዩ።

ኣብ እዋን ኲናት ርክቦም ዝተበተኸ መራሕቲ ሃይማኖትን ምእመናንን ትግራይ፡ ብዛዕባ እታ ቤተ ክርስቲያን ከማርሩ ጸኒሖም እዮም።

እቲ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ኣብ ዘስዓበሉ እዋን፡ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ፡ እታ ቤተክርስትያን ነቲ ኲናት ብዘይምኹናን ካብኣ ትጽቢት ዝግበረሉ ስለዘይገበረትን ወቒሶም።

እንተዀነ፡ እዚ ኵነታት ብምምራርን ተቓውሞን ጥራይ ኣይተዛዘመን።

ኣብ መወዳእታ ጥሪ ዝሓለፈ ዓመት ኣቦታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ፡ ካብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ተፈልዮም፡ ቤተ ክህነት ‘መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ትግራይ’ ብዝብል ናይ ገዛእ ርእሶም ቤተ ክርስቲያን ክምስርቱ ወሲኖም።

ኣብቲ እዋን እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት ዝርከብዎም ብዙሓት ኣመንቲ ተቐቲሎም፤ ከምኡ'ውን ቦታታት እምነት ዕንወት ከምዝወረዶም ዝተፈላለዩ ፀብፃባት ከመልክቱ ፀኒሖም እዮም።

ምስቲ ኲናት ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ወጊና ነቲ ኲናትን ጥፍኣትን ደጊፋ ክብሉ ከሲሶም።

ብፁዕ ወቅዱስ ኣባ ማትያስ፡ እቲ ዝወረደ ጉድኣት ብምልዓል ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ሰላም ክወርድ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።

እንተዀነ፡ እታ ቤተ ክርስትያን ነቲ ኣባ ማትያስ ዝበልዎ 'ንዓይ ኣይምልከትን' ዝብል መግለጺ ምሃባ ዝዝከር እዩ።

ኣባ ማትያስ፡ ብዛዕባ እቲ ኲናት ክንድቲ ክዛረብዎ ዝግባእ ክዛረቡ ኣብ ዝኽእልሉ ኵነታት ከምዘይነበሩን ድምጾም ከየስምዑ ከምዝተኸልከሉን ተዛሪቦም።

ሕቶ ይቕረታ እታ ቤተ ክርስትያን

ኣብዚ እዋን ቀንዲ ትዅረት እታ ቤተ ክርስቲያን ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ተበቲኹ ዝጸንሐ ዝምድና ንምጽጋን እዩ።

እቲ ቀዳማይ ስጕምቲ፡ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ምእመናንን ኣቦታትን ቤተ ክርስቲያን ወግዓዊ ይቕረታ ምሕታት ነይሩ።

ቅዱስ ሲኖዶስ፡ እታ ቤተ ክርስቲያን፡ "ኲናት ደው ንምባል እዋናዊ ኣዋጅ ዘይምሃባ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ማእከል ኲናት ንጳጳሳትን ሊቃውንትን ህዝብን እቲ ክልል ኣብ ዝከኣለሉ እዋን ዘይምሕታትን ብዘይምጽንናዕን" ብወግዒ ይቕረታ ሓቲቱ።

ድሕሪ ሕቶ ይቕረታ፡ ብፓትርያርክ ዝምራሕ ጕጅለ ምስ ኣቦታትን መራሕትን ናይቲ ክልል ክራኸብ ከይዱ፡ ግን ኣይተዓወተን።

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ካህናት ትግራይ ኣብ ዝዀነ ስነስርዓት ዘይምርካቦም፡ እቲ ጕጅለ ናብ ቤተ-ክርስቲያን መቐለ ክኸይድ ከሎ ተዓጽዩ ስለዝነበረ፡ ፓትርያርክ ካብ ደገ ከምዝተመልሱ ተገሊጹ።

እዚ ድማ ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝቐረበ ናይ ይቕረታ ሕቶ ብኣቦታት ትግራይ ከምዝተነጽገ ዘርኢ እዩ።

ኣብ ትግራይ፡ ኣባል ቤተክርስትያን መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ዝዀኑ ሓደ ኣቦ፡ "ይቕረታ ምሕታት ምጅማሮም ፅቡቕ’ኳ እንተዀነ፡ ዝደንጐየን እኹልን ግን ኣይኮነን" ኢሎም።

ሽመት ኣክሱምን ኣዲስኣበባን

ምስቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ፀገም ተተሓሒዙ፡ ዝተመረፁ ትሽዓተ ጳጳሳት፡ ብቅዱስ ሲኖዶስ ብሰንበት 09/2015 ዓ.ም. ብመሪሕነት ፓትርያርክ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ገዳም ፓትርያርክ ቅድስቲ ማርያም ሽመቶም ተፈጺሙ።

መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ትግራይን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ብወገና፡ ኣብ ታሪኻዊት ኣኽሱም ጽዮን ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ብሰንበት 09 ሓምለ 2015 ዓ.ም ናይ ገዛእ ርእሶም ኤጲስ-ቆጶሳት መሪጾም።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ብፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ ዝምራሕ ጕጅለ ናብ ትግራይ በጺሑ ከይቀንዖ ምስ ተመልሰ እዩ።

ነቲ ቅሬታታት ንምፍታሕ ዝጽዕር ዝነበረ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብቲ ክልል ዘለዉ ኣቦታትን ሊቃውንትን በዚ ውሳነ "ኣክንዲ መገዲ ሰላምን ዘተን፡ ነቲ መዋቕራዊ ኣወዳድባ ጥሒሶም" ብምባል፡ ንመንግስቲ ፈደራልን ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ነቲ ስጕምቲ ደው ከብሎ ሓቲቶም።

ብድምር ዓሰርተ ጳጳሳት ተመሪጾም፤ ሓሙሽተ ኣብቲ ክልል፡ ሓሙሽተ ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከገልግሉ ዝተመረጹ እዮም።

እቲ ሽመት ኣብ መጻኢ ስነ-ስርዓት ክቕፅል ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

እንተዀነ፡ እታ ቤተክርስትያን እቲ ዝተወሃበ ሽመት ከምዘይትቕበሎ፡ ፓትርያርክ ኣቡነ ማትያስ ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ሽመት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም።

እዚ ፍፃመታት፡ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ዘቕረቦ ይቕሬታ ምሕታትን ጻዕሪ ዕርቅን ፍረ ከምዘይፈረየ ዘርኢ እዩ።

ሕቶ ቋንቋን ሓቛፍነትን

ኣብታ ሃገር ዝበዝሑ ሰዓብቲ ዘለውዋ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ዓመት ብ14 ጥሪ 2015 ዓ.ም [ግእዝ] ካልእ ብድሆ ኣጋጢምዋ ነይሩ።

ብ26 ጳጳሳት ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ሽመት ተኻይዱ።

ነዚ ካብ ሕግን ኣፍልጦን ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ዝተኻየደ ሽመት ዝመርሑ ኣቡነ ሳዊሮስ፡ ምእመናን ብቋንቋኦም ሃይማኖታዊ ስነስርዓት ክፍጽሙ እታ ቤተክርስትያን ኣይፈቐደትን ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም።

ነዚ ስዒቡ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ህጹጽ ኣኼባ ብምክያድ፡ እቲ ተግባር ሃይማኖታዊ፡ ቀኖናውን ምምሕዳራውን ጥሕሰት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቶም ሽመት ዝሃቡን ዝተቐበሉን ኣቦታት ይቕረታ ሓቲቶም ክሳብ ዝምለሱ ክኹነኑን ክፍለዩን ወሲኑ ነይሩ።

ብድሕሪ'ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭትን ሓይሊታት ጸጥታ ዝወሰድዎ ዘይተመጣጠነ ሓይሊ፡ ዝተቐተሉን ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ብዙሓት ሰባት ከምዝነበሩ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ምግላጹ ይዝከር።

እዚ ንቤተ ክርስቲያን ዘጋጠማ ቅልውላው በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዝምራሕ ሽምግልና ተፈቲሑ ነይሩ።

ነቶም ዝተወገዙ ኣቦታት ምሕረት ተገይሩሎም፣ እቲ ዝቐረበ ሹመት ጳጳሳት ብቅዱስ ሲኖዶስ ኣቢሉ ብመሰረት ሕግን ስርዓትን እታ ቤተ ክርስቲያን ክምለስ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።