እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ንፖለቲከኛታት'ኳ ዝግድሶም ኣይኰነን'
ኣሚነ፡ እቲ ዝተቓጸለ ሬሳ ሓዉ ኣብ ናይ ሓንቲ ተባሪዓ ዝተደርበየት መኪና ክረክብ ከሎ ወዲ 17 ዓመት እዩ ነይሩ፡።
"ሓወይ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብኣጋኡ ኣብ ሓሽሽ ወዲቝ" ይብል፡ ናብቲ ከቢቡና ዘሎ ጽሩይ ዓቢ ህንጻ ቅንዕ ኢሉ እናጠመተ።
ኮፍ ኢልና፡ ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ቅትለቱ፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ኣብ ዕሉላት ከባቢታት ማርሴ ሓሽሽ ዝሸይጥ ዝነበረ ሓዉ፡ እናዕለልና ንዘራረብ ነይርና።
ሕጂ ወዲ 19 ዓመት ዝዀነ ኣሚነ፡ ኣብዚ ኣብቲ ኣብ ሰሜን እታ ከተማ ዝርከብ ሰፊሕን ዝተሓረመን ፕሮጀክት ማሕበራዊ ኣባይቲ ፍራይስ-ቫሎን ኢስቴት እዩ ዓብዩ።
እቲ ሰፈር፡ ብጕጅለ ገበነኛታትን ምስ ሓሽሽ ዝተኣሳሰር ዓመጽን ዝመልአ እዩ።
ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ድማ፡ ሓደ ክልተ መንእሰያት ኣብ መንደቕ ተጸጊዖም ኣለዉ።
ኣብዚ ነጋዶ ዕጸፋርስ ብፍላይ ኣብ ድሕሪ ቀትሪ ብግልጺ ዝሰርሕሉ ቦታ እዩ።
ኣሚነ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሓሽሽ፡ ነቶም ኣብዚ ዝዓብዩን ብዙሕ ተስፋ ዘይብሎምን ደቂ ድኻታት፡ ‘መሳጢ ምርጫ’ ምዃኑ ይኣምን።
"ካልእ ኣማራጺ የለን። ኣብዚ መጺኦም፡ ዋላ ብትሑት ደመወዝ 'ክንከፍለኩም ኢና' ዝብሉ ኩባንያታት የለዉን። ኣብዚ ሰባት ናይ ሱፐርማርኬት ተሓዚ ገንዘብ፡ ጽሬት ወይ ሓለውቲ ጸጥታ እዮም ዝዀኑ። ዳያኑ፡ ጠበቓታት ወይ ኣካውንታንት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና።"
ስለዚ፡ ኣብዚ ከተማ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተፈጥረ ዕግርግር ኣይተገረመን።
ንዕኡ እቲ ዝተሓላለኸ ሰፊሕ ጸገማት፡ ኣብ ማርሴ እዩ ተቓሊዑ፡ ንግዳዊ ትካላት ዓንዩን ተዘሚቱን።
እቲ ናዕቢ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ፓሪስ ፖሊስ ንወዲ 17 ዓመት ናሄል ኤም ብጥይት ድሕሪ ምቕታሉ ዝመጽአ’ዩ።
"ኵሉ ግዜ ኣብ ሕሰም ኢና ዘለና፣ ሕሰም ኣብ ልዕሊ ሕሰም ተደራሪቡና፤ ዝተቐየረ ነገር የለን፤ ስለዚ ቍጥዐ እቶም መንእሰያት ይርድኣኒ'ዩ። ነቲ ዕንወት ኣይድግፎን፡ ግን እንታይ ከምዝደረኾም ይርድኣኒ'ዩ።"
እቲ ዕግርግርን ድሕሪኡ ዝመጸ ሳዕቤናቱን፡ ብዙሓት ዜጋታት ፈረንሳ ዝስምዖም ዝነበረ ሰፊሕ ቍጥዐን ብስጭትን ዘንጸባርቕ እዩ።
ኣብቲ መንበራ ኣባይቲ እትነብር ካልእ ‘ማዶ’ እትበሃል ኣብ ማእከላይ ዕድመ እትርከብ ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብዚ መደበር ፖሊስ ማሕበረሰብ ዝነበረ ቦታ ተራኺብና።
እዚ ንብዙሓት ኣብ መንጐኦምን ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈረንሳን ዝነበረ ኣካላዊ ምትእስሳር እዩ ነይሩ፤ ምጥፋኡ ብዘሕዝን መንገዲ ምልክት ናይቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምብትታኽ እዩ።
"ኣብዚ ምንባር ዳርጋ ኣብ ውሽጢ ሳንዱቕ ምንባር'ዩ" ትብል ማዶ።
"ውሑስ ኣይኮነን። ሰባት ኣብ ልዕሊ ጽርግያታትን መደያይቦታትን ሽንቶም የፍስሱ። ንፖለቲከኛታት ንሕና ምንም ኣይኮንናን። ናይ ብሓቂ ዋላ ሓንቲ ኣይኮንናን።"
ሓደ ሙራድ ዝተባህለ ሰብኣይ ኣብዚ ከባቢ ኣብ ኵሉ ቦታታት ኣናጹ ከምዘለዋ ክነግረና ከሎ ሕርቃን ይስመዖ ነይሩ።
"ኵላትና ሓደ ዓይነት መሰል የብልናን። ፖለቲከኛታት ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ወጺኦም ‘ካልኣይ ደረጃ ዜጋታት የለዉን’ ይብሉ፡ ኣብ ባይታ ግን ሓቂ ኣይኮነን።"
ምናልባት ፡ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ፈረንሳ ዘሎ ዓሚቝ ኣፈላለይን ሳዕቤናቱን ልዕሊ ኣሚን፡ ብንጹር ዝርድእዎ ውሑዳት ይመስሉ።
ሕጂ ኣብዚ መንበሪ አባይቲ [ህንጻ] ንዝርከቡ መንእሰያት ካብ ገበን ንኽርሕቑ ይሰርሕ፡ ንስድራቤት እቶም ብህይወቶም ዝኸፈሉ ሰባት እውን ይድግፍ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ማርሴ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ብዝተኣሳሰር፡ 31 ቅትለታት ተፈጺሞም እዮም።
ኣብዚ ዓመት ድማ 23። ክልተ ኢድ ካብቶም ግዳያት ትሕቲ 30 ዓመት ዝዕድሚኦም እዮም።
ሰበስልጣን ፈረንሳ ነቲ ዘሕዝን ቅትለትን ጸገምን ኣሚኖም ተቐቢሎም ኣለዉ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ንማርሴ ከመሓይሻ ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ኣብታ ከተማ ንዝፍጸም ገበንን ስእነትን ንምምካት $5.4 ቢልዮን ከምዝመደበ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ቅድሚ እቲ ናዕቢ ምብጋሱ ድማ፡ ናብታ ደቡባዊት ወደባዊት ከተማ መጺኡ ተገዳስነቱ ኣርእዩ ነይሩ።
ፕረዚደንት ማክሮን ኣብ መጀመርታ ናይ ሰለስተ መዓልታት ጉዕዞ፡ መደበር ፖሊስ፣ ቤት ትምህርቲ፣ ቤት ማእሰርትን ሆስፒታልን ሓዊሱ መደብ ምሕዳስ ዝካየደሎም ቦታታት ርእዩ፡ "ኩሉ ነገር ብቕልጡፍ ክግበር ኣለዎ" ኢሉ።
ንማክሮን ክልተ ግዜ ዝረኸቦ ኣሚነ ግን፡ እምነት ስኢኑሉ ኣሎ።
"ማክሮን ክመጽእ ከሎ፡ ንዓና ክሰምዓና ዘይኮነስ፡ ክዛረብ እዩ ዝመጽእ"።
ከንቲባ ማርሴ ቤኖይት ፓያን ከይተረፈ ንከተማኡ ኣብ ሓደ ምምጻእ ከምዘድልዮ ይኣምን።
"ከተማይ ንነዊሕ እዋን ኣብ መንጎ ድኻታት ድኻታት ዘይኰኑን ተኸፋፊላ ጸኒሓ ኣላ። ኣብ መንጎ እቶም ብህዝቢ ከም ሓለፍቲ መንግስቲ ዝሕሰቡን ዘይኮኑን ሰባት።"
መሰረታዊ ክብሪታት ፈረንሳ እዩ ዝበሃል ነይሩ። ኣብዚ ግን ማዕርነት ህርፋን ኰይኑ ኣሎ።