ዩኒቨርሲቲ መቐለ ልዕሊ 2ሽሕ ተምሃሮ ኣመሪቑ

Published

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ድሕሪ 2014 ዓ.ም[ግእዝ]ንፈለማ ግዜ ተምሃሮኡ ሎሚ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ኣመሪቑ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ትሕቲኡ ኣብ ዝርከባ ኮሌጃት ብዝተፈላለዩ ሞያታት ዘሰልጠኖም ተምሃሮ’ዩ ኣመሪቑ ዘሎ።

እቲ ፅምብል ምረቓ ንስድራን ንተመረቕቲን ልዑል ሓጐስን ዕግበትን ዝፈጠረ ኰይኑ ከምዝወዓለ ተመረቕቲን ስድራኦምን ገሊጾም።

ብሶፍትዌር ኢንጂነሪን ብዝለዓለ ውጽኢት ዝተመረቐት ቃል ዳኒኤል ኣብ 2013 መወዳእታ ዓመት ክትምረቕ ዝግበኣ ኣብ 2016 ክትምረቕ ምኽኣላ ትገልጽ።

"ሰላም ተረኺቡ ሎሚ ኣብዚ ደው ኢለ ንምረቓ ምብቀዐይ እቲ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ከምዘይከሰርኩዎ እየ ዝቘፅሮ" ብምባል ተዛሪባ።

ተመራቒት ቃል: ንመፃኢ በቲ ዝሰልጠነቶ ሞያ ንባዕላ ስራሕ ብምፍጣር ዝሐሸት ትግራይ ኣብ ምምስራት ከምትነጥፍ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ተመባጺዓ።

ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ተመራቒ እዚ ዕለት መዓርግ ሃይለኪሮስ ሓደ ካብቶም ብዝለዓለ ውፅኢት ብምምዝጋብ ብሳይንስ ምግብን ብድህረ ምህርቲ ቴክኖሎጂ ዝተመረቐ እዩ።

መዓርግ፡ ሰላም ኣብ ዝዓሰሎ ክምረቕ ተሃንጥዩ እናተፀበየ እንከሎ ኣብ ዘይሓሰቦ ብሰንኪ ኲናት ናብ ምግዳል ወፊሩ ሕጂ ንምረቓ ዝበቐዐ ተመሃራይ’ዩ።

እቲ ዝተመረቐሉ ሞያ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ትቃለስ ዘላ ሃገር ወሳኒን ኣገዳስን ከምዝዀነ ዝዛረብ መዓርግ፡ ስራሕ ንምርካብ ቀሊል ከምዘይከውን ይገልጽ።

እንተዀነ ይብል መዓርግ፡ “ተፀበይቲ ስራሕ እንተይኮነስ ፈጠርቲ ስራሕ ክንከውን ይግባእ” ይብል::

"መብዛሕትኡ ግዜ ተመረቕቲ ስራሕ ተፀበይቲን ተስፋ ቆረፅቲን ክኾኑ ንርኢ ኢና። ግን ከምኡ ክኸውን ኣይግባእን:: ኣነ ተቘፂረ ወይ ድማ ርእሰይ ክኢለ ስራሕ ክጅምር እየ ዝደሊ ነይረ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣነ በቲ ዝሰልጠንኩዎ ሞያ ኣብ ፋብሪካ ምውህሃድ ምግቢ ስራሕ ረኺበ ኣለኹ" ብምባል፡ ኣጀማምራኡ ከምዘጣጠሐ ይዛረብ።

ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኵናት ስርሐን ኣቋሪጸን ዝነበራ ኣብ ትግራይ ዝተኸፍታ ብማእከላይ መንግስቲ ዝመሓደራ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲቲታት ድሕሪ እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ውዕል ሰላም ባጀት ተሰሊዑለን መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝጀመራ ይዝከር።