እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣስተንትኖ ጸቕጢ ደም ይንኪ’ዶ ይኸውን?
ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ን45 ደቓይቕ ኣስተንትኖ (meditate) ምግባር ፈውሲ ጸቕጢ ደም ክኸውን ከም ዝኽእል ይሕብር።
ብተወሳኺ፡ ልስልስ ዝበለ ሙዚቃ ምድማጽን ዮጋ ምስራሕን ከም ዝምከር ማሕበር ጸቕጢ ደም ዓለም ይገልጽ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ጸቕጢ ደም ዘለዎም ሰባት ምትካኽ ሲጋራ ጠጠው ከብሉ፣ ጨው ብልዑል መጠን ክንክዩ ኣለዎም።
ጐና ጐኒ ኣብ መዓልቲ ንኣስታት 30 ደቓይቕ ዝጸንሕ ኣስተንትኖ የድልዮም።
ኣብ መጽሄት ጥዕና ጸቕጢ ደም ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሰባት መንፈሶም ዝተረጋግአ፣ ጽሞና ዘዘውትሩ ክዀኑ እንከለው ጥዕንኦም ምልስ ከም ዝብል የመልክት።
ክኢላ ጸቕጢ ደም ብሪጣኒያ ፕሮፌሰር ብራያን ዊሊያምስ ጽሞናን ኣስተንትኖን ምስ ካርዲዮቻስኩላር ሲስተም ዘለዎ ርክብ እናዓበየ ከም ዝመጽአ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ሰባት ንነብሶም ክገብርዎ ዝኽእሉ ብዙሕ ነገር ኣሎ። ኩላትና ሓደ ስጉምቲ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ብሓቂ፡ ንነብሰይ ቁሩብ ግዜ ክህልወንን ካብ ጸቕጢ ክዛነን ኣብ መዓልቲ ፍርቂ ሰዓት ክረክብ ኣለኒ ክንብል ይግባእ። እዚ ክኣ ሙዚቃ ምስማዕ።፣ ናይ እግሪ ጉዕዞ ምግባር ወይ ናብ ጂምናዝየም ምኻድን ገለ ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባርን ክኸውን ይኽእል” ይብል።
ካልእ፡ ጸቕጢ ደም ንምንካይ ክሕግዝ ይኽእል?
ልዑል ጸቕጢ ደም ኣብ ዓለም ብዙሓት ሰባት ካብ ሞንጐ ዝቐትሉ ሕማማት እቲ ሓደ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ልብን ቱቦታት ደምን ጸቕጢ ብምፍጣር ኣብ ልዕሊ ልቢ ጉድኣት ዘስዕብ ሕማም ከም ዝዀነ ይፍለጥ።
ጸቕጢ ደም ቀስ ብቀስ ስትሮክን ካልኦት ተዛመድቲ ሕማማት ልብን ብምስዓብ ንሞት የቃልዕ።
ኣብ ዓለም ካብ ኣርባዕተ ኣባጽሕ፡ እቲ ሓደ ጸቕጢ ደም ኣለዎ። እዚ ድማ ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ዓለም እቲ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ብጸቕጢ ደም ይሳቐ ማለት እዩ።
ጸቕጢ ደም የዐግሱ’ዮም ካብ ሞንጐ ዝብሃሉን ኣብ ቀረባ ዝወጽኡ መጽናዕታት ዝምዕዱዎም ዘለውን ኣገባባት ክኣ ዮጋን ልምምድ ምስትንፋስን ይርከቡዎም።
ካብዚ ሓሊፉ ሰሰናዩ ምሕሳብን መመሰግናይ ሰብ ምዃንን ንርግኣት ልቢ ዓብዪ ተራ ኣለዎም።
ቅኑዕ ከምኡ’ውን ሰናይ ተግባራት ምፍጻም፣ ውሱን ምንቅስቓስ ሰብነት ምግባር ይምዓድ።
ኣብ መዓልቲ ንዝዀኑ ደቓይቕ ጽሞናን ኣስተንትኖን ሂቦም ወይ’ውን ህድእ ዝበለ ናይ እግሪ ጉዕዞ ብምግባር ወይ’ውን ሙዚቃ ብምስማዕ ኣብ ጥዕንኦም ብዙሕ ለውጢ ከምጽኡ ይኽእሉ’ዮም።
“መዓልታዊ ዝዀነ ርግኣት ልቢ ዝህብ ተግባር ምፍጻም ንጸቕጢ ደም ቅሩብ ፈውሲ ይህብ’ዩ” ይብል ፕሮፌሰር ዊልያምስ።
ካብዚ ሓሊፉ ኣብ መዓልቲ እኹል ድቃስ ምርካብን ካብ ወልፊ ቴሌፎን ምንጋፍን፣ ናብ ጸቕጢ ኣእምሮ ካብ ዘእትው ነገራት ምቁጣብ ይምዓድ።
ፕሮፌሰር ዊልያምስ “እኹል ድቃስ ክብሃል እንከሎ ንነዊሕ ሰዓታት ምድቃስ ጥራይ ኣይኰነን፤ ጽሬት እቲ ድቃስ’ውን ኣገዳሲ’ዩ” ብምባል የገንዝብ።
ገለ ሰባት ንሸውዓተ ሰዓታት ደቂሶም ዝረኽቡዎ ድቃስ ጽቡቕ እንተዘይኰይኑ ትርጉም የብሉን።
ጽቡቕ ድቃስ ንምርካብ ድማ ኣእምሮና ጽቡቕ ርግኣት ክረክብ ኣለዎ። ጭንቀት ክንንኪ ኣለና። ነዚ ክኣ ኣስተንትኖን ጽሞናን ኣገደስቲ እዮም።
መግቢ ኸ?
ኦሜጋ ሰለስተ ክህቡ ዝኽእሉ ከም ሳልመን ዓሳ ዝበሉ መግቢታት ምምጋብ፣ ፋይበር ዘለዎም ኣሕምልቲ ምብዛሕ ክኣ ኣገዳሲ እዩ።
ሻሂን ቡንን ብዓቐኑ ምስታይ ጸገም የብሉን።
ይኹን’ምበር ካፊን ዝበዝሖም መስተታት ንጸቕጢ ደም ሓደገኛታት ክዀኑ ይኽእሉ።
ቀይሕ ሱር፣ ጁስ ፓም (pomegranate) ጸቕጢ ደም ክትሕት ዝገብሩ ፍራምረ እዮም። እዚኦም ኣብ ውሽጦም ኒትሬት ኣለዎም፤ ኒትሬት ድማ ቱቦ ደም ፍትሕ ክብል ይገብር።
ጸቕጢ ደም ዘለዎም ሰባት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ እንከለው ትኪ መኪና ኣብ ዘይበዝሖም ከባቢታት ክኸውን ከም ዘለዎ ይምዓድ።
ምኽንያቱ ዝተበከለ ኣየር ኣብ ልዕሊ ልብን ሳምቡእን ጉድኣት ስለ ዘብጽሕ።
“ሕጂ ብከላ ኣየር ኣብ ስራሕቲ ልብን ስርዓተ ደምን ጽልዋ ከም ዘለዎ ዘርኢ መረዳእታ ካብ ሓያሎ ሃገራት ይመጽእ ኣሎ። ምናልባት ካብቲ መርትዖታት መሰረት ብምግባር፡ እዚ ንዝለዓለ ዝርግሐን ሓደጋታት ሕማም ልብን ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ" ክብል ፕሮፌሰር ዊልያምስ የረድእ።
ኣነባብራኻ ምቕያር መከላኸልን ፈውስን ልዑል ጸቕጢ ደም ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልጹ ሰብ ሞያ፡ ኣገዳሲ እንተዀይኑ ግን መድሃኒታት ምውሳድ ይምዕዱ።
ዶክተር ፓውሊን ስዊፍት ድማ፡ ጨው ምውጋድ እቲ ቅልጡፍ መዐገሲ ጸቕጢ ደም ከም ዝዀነ ትገልጽ።
“ኣብ ውሽጢ መግቢ ጨው እንተዘይወሰኽና’ውን መብዛሕትኦም ናይ ፋብሪካ መግቢታት ኣብ ውሽጦም ጨው ስለ ዘለዎም ጐዳእቲ’ዮም” ትብል።
ብዙሕ ጨው ናብ ሰብነትና ክኣቱ እንከሎ ተወሳኺ ማይ ኣብ ሰብነት ክጠራቐም ብምግባር ጸቕጢ ደም የስዕብ።
መዓልታዊ ፍራምረ፣ ኣሕምልቲ ምምጋብ፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር፣ ብፍላይ ድማ ሳይክል ምዝዋር፣ ምሕማስ፣ ምስዕሳዕ ይምከሩ።
ናይዚ ኹሉ ቀንዲ ዕላማ ቱቦታት ደም ፍትሕ ክብሉ ምግባር እዩ፤ እዚ ደም ከም ልቡ ክዘዋወር ይገብር።
ነዚ ክኣ፤ ኣስተንትኖን ጽሞናን ክንገብር ይምከር።