ብሰንኪ ምዕባይ ሓዉ ኣብ ማእሰርቲ ዝማስን ዘሎ ቱኒዝያዊ
ብሰንኪ ምዕባይ ሓዉ ኣብ ማእሰርቲ ዝማስን ዘሎ ቱኒዝያዊ
Published
ወዲ 19 ዓመት ቱኒዝያዊ ኣሲም ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ሶርያ ንሓሙሽተ ዓመታት ተኣሲሩ። ንሱ ወዲ ዓሰርተ ዓመት እንከሎ ምዕባይ ሓዉ ናብ ኣይኤስ ክትጽምበር ኢኻ ኢሉ ምስ ወሰዶ ክሳብ ሕጂ ኣብ ማእሰርቲ'ዩ ዘሎ። "መሃንዲስን ሓኪምን ክኸውን ዝኽእለሉ ግዜ ስለዘምለጠኒ ደጊም ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ክኸውን'የ ዝደሊ" ይብል።



