ብማሕነቕቲ ከይትቕተል፡ 9 ቢልዮን ዶላር ክትረክብ ትጓየ ዘላ ሃብታም ሰበይቲ

ቬትናማዊት ሃብታም ትሩንግ ማይ ላን ኣብ ቤት ፍርዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ቬትናማዊት ሃብታም ትሩንግ ማይ ላን ንብረታ ሸይጣ ህይወታ ክተትርፍ ትጓየ ኣላ።

እታ ጓል 68 ዓመት ሃብታም ሰበይቲ፡ 'ነቲ ዝዓበየ ምትላል ባንክታት ዓለም ዝሃደሰት' ብዝብል ክሲ ኣብ ሚያዝያ ተዋሂብዋ ንዝነበረ ናይ ሞት ፍርዲ ክቕየረላ ይግባይ እንተበለት'ኳ፡ ሎሚ ሰሉስ ውድቂ ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ኣብ ልዕሌኣ ዝተወሰነ ብይን ሳሕቲ ዝረአን ዘሰንብድን ውሳነ እዩ።

ኣብ ቬትናም ሞት ካብ ዝተፈርዳ ኣዝየን ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ እያ።

እንተኾነ ኣብ ቬትናም ዝወጸ ሕጊ፡ ካብቲ ዝወሰደቶ 75 ምእታዊት ክትመልስ እንተኽኢላ፡ ፍርዳ ናብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ከምዝቕየር ይገልጽ።

ኣብ ሚያዝያ ዳኛ ቤት ፍርዲ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ሓሙሻይ ዝዓበየ ኣለቃሒ ዝኾነ ሳይጎን ንግዳዊ ባንክ ብሕቡእ ከምዝተቖጻጸረቶን፡ ንልዕሊ 10 ዓመታት ብመንገዲ መርበብ ኩባንያታት ሸል ልቓሕን ጥረ ገንዘብን ከም ዝወሰደትን፡ ብድምር 44 ቢልዮን ዶላር ከም ዝበጽሕን ረኺቡ።

ኣኽበርቲ ሕጊ: ካብቲ ጠቕላላ ዝተወሰደ መጠን ገንዘብ እቲ 39 ቢልዮን ዶላር ብስሩዕን ዘይስሩዕን ከምዘጥፍኣቶ ዝገለጹ ኮይኖም: እዚ ድማ እቲ ዝኸበደ ፋይናንሳዊ ገበን ኮይኑ ስለዝተረኸበ ብሞት ክትቅጻዕ ተፈሪዳ።

ቅድሚ ምቕታላ 9 ቢልዮን ዶላር ክትመልስ ትኽእል ድያ?

 ትሩንግ ማይ ላን ኣብቲ ፈለማ ናይ ቤት ፍርዲ መስርሕ ጸርጸር ትብል'ኳ እንተነበረት ድሓር ግን ተጣዒሳ'ያ

ምንጪ ስእሊ, Bloomberg / Getty Images

እታ ሃብታም ሰበይቲ፡ ኣብ እዋን ፍርዳ ሓሓሊፉ ኣብቲ ዝውሃብ ዝነበረ ፍርዲ ትካታዕ እኳ እንተነበረት ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ግን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ግን ኣብ መስርሕ ይግባይ ጣዕሳ ከምዘርኣየት ይግለጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንሳ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ምፍጻማ ከም ዝሓፈረትን፡ ሕጂ ነቲ ዝወሰደቶ ገንዘብ ክትመልስ ላዕልን ታሕትን ትብል ከምዘላን ገሊጻ ኣላ።

ኣብ ከተማ ሆቺሚን ካብ ቻይናውያን ቬትናማውያን ስድራቤት ዝተወልደት ትሩንግ ማይ ላን፡ ምስ ኣዲኣ መመላኽዒታት እናሸጠት ኣብ ዕዳጋ እናሸጠት እያ ንግዲ ጀሚራ።

ኮሚኒስት ፓርቲ ኣብ 1986 ቁጠባዊ ጽገና ምስ ኣተኣታተወ፡ መሬትን ንብረትን ክትገዝእ ጀሚራ።

ኣብ 1990ታት ዓበይቲ ሆቴላትን ኣብያተ መግብን ወኒና ነይራ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ዝተፈረደትሉ ግዜ ኣደ መንበር ናይ ሓደ ፍሉጥ ትካል ሪል ስቴት እያ ነይራ።

እቶም ዝተረፉ ምስኣ ብዝተኣሳሰር ዝተኸሰሱ 85 ሰባት'ውን ኩሎም ተፈሪዶም።

እቶም ኣርባዕተ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕየዱ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ካብ 20 ዓመት ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝበጽሕ ናይ ማእሰርቲ ተፈሪዶም።

በዓል ቤት ትሩንግ ማይ ላንን ጓል ሓፍታን፡ ድማ ን9 ዓመትን 17ን ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎም።

ሃገራዊ ባንክ ቬትናም ንንግዳዊ ባንኪ ሳይጎን መሊሱ ንምሕያል ብዙሕ ቢልዮናት ዶላር ከምዘውጽአ ይእመን።

እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ገበናታ "ዓበይትን ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእዩን" ብምዃኖም፡ 'ምሕረት ዘይግበረሎም እዮም' ክብሉ ተማጒቶም።

ጠበቓታት ትሩንግ ማይ ላን፡ ነቲ ዘድሊ 9 ቢልዮን ዶላር ንምርካብ ብዝተኻእላ መጠን ብቅልጡፍ ትሰርሕ ከምዘላ ይዛረቡ።

ንብረታ ናብ ጥረ ገንዘብ ቀይርካ ንምእታው ግን ኣጸጋሚ ኮይኑ ይረአ ኣሎ።

ገሊኦም ኣብ ከተማ ሆቺሚን ዝርከቡ ክቡራት ንብረታት ኮይኖም፡ ብቕልጡፍ ክሽየጡ ከምዝኽእሉ ይእመን። ካልኦት ድማ ብመልክዕ ኣክስዮን ወይ ብጽሒት ኣብ ካልኦት ንግዳዊ ትካላት ወይ ንብረት ፕሮጀክትታት ዝርከቡ እዮም።

ካብቶም ብትሩንግ ማይ ላን ዝስርሑ ዘለዉ ሪል ስቴታት ሓደ ኣብ ከተማ ሆ ቺሚኒ ይርከብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቢቢሲ፡ እታ ናይ ሞት ፍርዲ ዝተውሃባ ሃብታም ሰበይቲ እቲ ክትመልሶ ዝተኣዘዘቶ መጠን ገንዘብ ንምርካብ ሓገዝ ኣዕርኹታ ከምዝሓተት ሓበሬታ ረኺቡ’ሎ።

ጠበቓታታ፡ ካብ ዳያኑ ምሕረት ክወሃባ ይምጉቱ ኣለዉ።

ኣብ ትሕቲ ናይ ሞት ፍርዲ ዀይና፡ ንብረታን ዘውፈረቶም ዓቕምታታን ብዝሓሸ ዋጋ ሸይጣ ንኽትደራደር ከጸግማ ምዃኑን፡ ስለዚ ድማ 9 ቢልዮን ዶላር ንምእካብ ዝኸበደ ክኸውን ምዃኑን ይዛረቡ።

ኣብ ክንድኡ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ናብ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ እንተተቐይሩላ ግን ኣዝዩ ዝሓሸ ክትገብር ከምእትኽእል ይዛረቡ።

ጠበቓ ንጉየን ሁይ ቲፕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት፡ "ጠቕላላ ዋጋ ናይቲ ዘለዋ ንብረት ካብቲ ዝድለ መጠን ካሕሳ ንላዕሊ'ዩ" ኢሉ።

“እንተኾነ ግን እዚኦም ንምሻጥ ግዜን ጻዕርን ዝሓትት ኮይኑ፡ ብዙሓት ካብቶም ንብረታት ድማ ሪል ስቴት ስለዝኾኑ ሸይጥካ ገንዘብ ንምርካብ ግዜ ይደልዩ’ዮም። እቲ ቤት ፍርዲ ዝበለጸ ምቹእ ኩነታት ክፈጥር ተስፋ ኣለና” ኢሉ።

እቶም ዳያኑ ሓሳቦም ክቕይሩ ይኽእሉ’ዮም ኢሎም ዝጽበዩ ሰባት ውሑዳት እዮም።

ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ይግባይ ነጺጉዎ ኣሎ።

ንሳ ግን፡ ካብ ሞት ንኽትድሕን ነቲ ገንዘብ ንምርካብ ናይ ሞትን ሕየትን ጉያ ከድልያ’ዩ።

ኣብ ቬትናም ዝወሃብ ፍርዲ ሞት ካብ ኣካላት መንግስቲ ወጻኢ ብኻልእ ሰብ ኣይፍለጥን እዩ።

ሓደ ጉጅለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን፡ ልዕሊ ሽሕ ሰባት ናይ ሞት ፍርደኛታት ከምዘለዉ ዝገለጸ ኮይኑ ቬትናም ሓንቲ ካብተን 'ረሸንቲ' ሃገራት ዓለም ምዃና ኣፍሊጡ።

ትሩንግ ማይ ላን፡ ቅድሚ እቲ ብቤት ፍርዲ ዝተውሃባ ናይ ሞት ፍርዲ ምፍጻሙ ነቲ 9 ቢልዮን ዶላር ክትመልሶ እንተኽኢላ፡ ህይወታ ክትድሕን ትኽእል እያ።