ቢል ጌትስ 99 ሚእታዊት ሃብቱ ንግብረሰናይ ክህብ ቃል ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መስራቲ ማይክሮሶፍት ቢልዮነር ቢል ጌትስ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ 20 ዓመታት 99 ሚእታዊት ሃብቱ ንግብረ ሰናይ ክህብ ምዃኑ ገሊጹ።
ንሱ ብመንገዲ እቲ ንሱ ዝመስረቶ ትካል ግብረሰናይ ኣቢሉ፡ ቢልዮናት ዶላራት ከምዝህብን እቲ ትካል ግብረሰናይ'ውን ኣብ 2045 መደቡ ከምዝዛም'ዩ ሓቢሩ።
ቢል ጌትስ ኣብቲ ትማሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘካፈሎ ጽሑፍ፡ "ምስ ሞትኩ ሰባት ብዛዕባይ ብዙሕ ክብሉ'ዮም፣ እታ 'ምስ ሃብቱ ሞይቱ' እትብል ቃል ግን ሓንቲ ካብተን ብድሕረይ ብዛዕባይ ዘይብሃላ'ያ ክትከውን" ኢሉ።
ወዲ 69 ዓመት ቢል ጌትስ ናይ ግብረሰናይ ትካሉ ክሳብ ሕጂ 100 ቢልዮን ዶላር ኣብ ጥዕናን ምዕባለን ዝውዕል ከምዘበርከተ ብምሕባር ኣብ ዝምጽእ ክልተ ዕቑድ ከኣ ተወሳኺ 200 ቢልዮን ዶላር ክልግስ ምዃኑ ተመባጺዑ።
ቢል ጌትስ ኣብ መጽሕፉ፡ ኣብ 1889 ብዛዕባ ሃብትን ሃብታማትን 'ጐስፕል ኦፍ ዌልዝ' ብዝብል ኣርእስቲ ብኣንድሬው ካርኔጊ ዝተጸሓፈ መሳጢ ጽሑፍ ብምጥቃስ፡ ሃብማት፡ ሃብቶም ናብ ሕብረተሰብ ናይ ምምላስ ግዴታ ከምዘለዎም ሓቢሩ።
ቢል ጌትስ ካብታ መጽሓጽ ብምውካስ "እቲ ምስ ሃብቱ ዝሞተ ሰብኣይ ሕሱር ኰይኑ ይመውት" ዝብል ጽሑፍ ብምጥቃስ'ውን ኣስፊሩ።
ቢል ጌትስን ብዓልቲ ቤቱ ነበር መሊናን ኣብ መጀመርታ እቲ 'ጌትስ ፋውንደሽን' ዝሰመይዎ ትካል ግብረሰናይ ዋላ ድሕሪ ሞቶም'ውን ንሓያለ ዓሰርተታት ዓመታት ክቕጽል'ዮም ተሰማሚዖም ነይሮም።
ንምንታይ ሓሳቡ ከምዝቐየ ትማሊ ብቢቢሲ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ "ኣብ ዝመጽእ ዕስራ ዓመታት ንዘጋጥም ጸገማት ክፈትሕዎ ዝኽእሉ ካልኦት ሃብታማት ክህልዉ'ዮም" ኢሉ።
ንሱ ኣስዒቡ፡ " እዚ ብዛዕባ ህጹጽነት'ዩ፣ ብቐጻሊ ክንገብሮ እንተዘይክኢልና ዝያዳ ብዙሕ ከነውጽእ ክንግደድ ንኽእል ኢና፤ እቲ ወጻኢታት ድማ ምስ ክብርታተይ ዝሰማማዕ ምዃኑ እፈልጥ እየ፡" ኢሉ።
እቲ ካብ ዓለም ብሃብቱ ኣብ ሓሙሻይ ደረጃ ዝስራዕ ቢል ጌትስ፡ ዋላ 99 ሚእታዊት ሃብቱ ይለግስ፡ ቢልዮነር ካብ ምዃን ግን ኣይዓግቶን'ዩ።
ብሉምበርግ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብዚ እዋን ቢል ጌትስ ወናኒ 108 ቢልዮን ዶላር ከምዝዀነ ይሕብር።
ቢል ጌትስ ምስ ፖል ኣለን ብምዃን'ዩ ንማይክሮሶፍት ኣብ 1975 መስሪትዎ። እቲ ትካል ከኣ ኣብ ሶፍትዌራት ናይ ኮምፒተርን ካልኦት ቴክኖሎጅን ዓብላሊ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ቢል ጌትስ ዝያዳ ኣብቲ ስርሓት ግበረሰናይ ንምትኳር ኣብ ማይክሮሶፍት ዝነበሮ ሓላፍነታት በብቕሩብ ክሓድጐ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ 2000 ካብ ጽፍሒ ላዕለዋይ ሓላፍነት እቲ ትካል፣ ኣብ 2014 ከኣ ካብ ኣቦ ወንበር እቲ ትካል ብገዛእ ፍቓዱተኣልዩ።
ንሱ እቲ ንትካላት ግብረሰናይ ገንዘብ ምሃብ ናይ ዋረን ቡፈት ብምርኣይ ቅዱስ ቅንኢ ከምዝሓደሮ'ዩ ዝገልጽ።
ነቐፍቱ ግን ቢል ጌትስ ግብሪ ንዘይምኽፋል'ዩ ብሽፋን ግብረሰናይ ገንዘብ ዘኻዕብት ዘሎ ብምባልን ኣብ ዓለማዊ ጥዕና ዓለም ፈጢርዎ ብዝብሃል ተጽዕኖ ወትሩ ምስ ነቐፍዎ'ዮም።
ኣብቲ ጽሑፍ ግን እቲ ንሱ ዝውንኖ ትካል ግብረሰናይ ሰለስተ ሸቶታት ከምዘለዎ'ዩ ገሊጹ።
ክውገዱ ዝኽእሉ ህጻናትን ኣደታትን ዝቐትሉ ሕማማት ንምውጋድ፣ ከም ዓሶን ንፍዮን ዝኣመሰሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምጥፋእን ድኽነት ካብ ኣማኢት ሚልዮናት ሰባት ሓግሒግካ ንምጽራግን።
ምስዚ ኣተሓሒዙ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ክልግስኦ ዝጸንሓ ረድኤታት ደው ምባለን ብትሪ ነቒፉ።
"እተን ኣብ ዓለምና ዘለዋ ሃብታማት ሃገራት ንድኻታት ንምሕጋዝ ክቕጽላ ድየን ዝብል ርጉጽ ኣይኰነን፤ እታ ሓንቲ ከነረጋግጻ እንኽእል ንሕና ከም ጌትስ ፋውንዴሽን ኣብ ኵሉ ስርሓትና ሃገራትን ውልቀሰባትን ካብ ድኽነት ንኽወጽአ ክንሕግዞም ኢና፡" ኢሉ።
ቢል ጌትስ፡ ቢልዮነር ኢሎን መስክ ትራምፕ ብዝሃቦ ሓላፍነት ክውሃብ ዝጸንሐ ረድኤት ደው ብምባል ህጻናት ይቐትል ኣሎ ኢሉ ርእይቶ ሂቡ ነይሩ።
ቢቢሲ ኒውስኣወር ብዛዕባ'ዚ ርእይቶኡ ኣብ ኣብ ዝሓተተሉ፡ "እቲ ምቍራጽ ሓገዝ ሓደ ህጻን ጥራይ ኣይኰነን ክቐትል፣ ሚልዮናት ህጻናት'ዮም ክሞቱ፤ ካብ ዓለም ዝሃብተመ ሰብ [ኢሎን መስክ] ነዚ ክገብር'ዩ ኢልካ ብፍጹም ኣይትሓስብን ኢኻ" ብምባል መሊሱ።
ኣተሓሒዙ፡ "ረድኤት ደው ስለዘበሎ ነቶም ብኤችኣይቪ ተለኺፎም ዘለዉ ህዳናት [ኢሎን መስክ] ክረኽቦም ክንደይ ምደለኹ" ብምባል እቲ ውሳነ ንሚልዮናት ብኣሉታ ዝጸሉ ከምዝዀነ ሓቢሩ።
ቢቢሲ ኢሎን መስክ ብዛዕባ ርእይቶ ቢል ጌትስ መልሲ ክህብ ተወኪስዎ ኣሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
