ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝቐነየ ስሉሳዊ ዘተ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ

Published

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያ፡ ግብጺን ሱዳንን ክካየድ ዝቐነየ ስሉሳዊ ዘተ ብዘይ ፍረ ከምዝተበተነ ግብጺ ገሊጻ።

እቲ ኣብ ኣገባብ ኣመላልኣን ምፍሳስ ማይ ናይቲ ግድብን ኣመልኪቱ ቀዳምን ሰንበትን [13-24 መስከረም 2023] ዝተኻየደ ዘተ ውጽኢታዊ ከምዘይነበረ ሚኒስተር ማይን መስኖን ግብጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ምኽንያት፡ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ብሰለስቲአን ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዓት ከተኽብሮ ብዘይምኽኣላ ዝሰዓበ ከምዝዀነ ማዕከናት ዜና ግብጺ ነቲ ሚኒስተር ጠቒሰን ኣቓሊሐን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝጸንሐ ስሉሳዊ ዘተ ከምዝተዘዘመ ዝሓበረት ኢትዮጵያ ብወገና፡ ኣብ መንጐ ሰለስቲአን ሃገራት ዘሎ ፍልልይ ንምጽባብ ዘኽእል ምልውዋጥ ሓሳባት ተኻይዱ ኢላ።

ኣማኻርን ዋና ተደራዳርን ግድብ ህዳሰ ኣምባሳደር ስለሺ በቐለ ኣብ ኤክስ [ትዊተር ነበር ] “ኢትዮጵያ ናብ ሓባራዊ ፍታሕ ንምምጻእ ብቅኑዕ መንፈስ ኣበርቲዓ ክትሰርሕ’ያ” ኢሉ ጽሒፉ።

እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደ መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ግብጺ ዝተኻየደ ስሉሳዊ ዘተ’ዩ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ስሉሳዊ ዘተ፡ ኣምባሳደር ስለሺ በቐለ ነቶም ቅድሚ ሕጂ መዕለቢ ዘይተገብረሎም ጉዳያት መዕለቢ ክርከበሎም ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ማይን መስኖን ግብጺ መሓመድ ቐኒም’ውን “ኢትዮጵያ ኣቐድም ኣቢላ ኣብ መንጐ ሰለስቲአን ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዓት ናይ ዘይምቕባል ነገራት ተርኢ ኣላ” ምባሉ ጋዜጣ ኣልኣህራም ኣቓሊሓ።

ኣልኣህራም እቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ስምምዕ ኣብ ዝተበጽሓሎም ንዘይምቕባል ተበግሶታት ኣርእያ ዝበለቶ ነጥብታት ግን ኣይዘርዘረን።

ኣምባሳደር ስለሺ በቐለ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጐ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ 2015 [ኣ ኣ] ዝተበጽሐ ስምምዓት፡ እቲ ቀንዲ ንዅለን ሃገራት ኣርባሒ ዝዀነ ስምምዕ ከምዝዀነ ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዘተ ተዛሪቡ።

ኢትዮጵያ ናይ መወዳእታ ዝበለቶ ራብዓይ ዙር ምምላእ ግድብ ህዳሰ ቅድሚ ምምላኣ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ግብጺ ንኽልተ መዓልታት ዘተ ኣካይደን ነይረን’የን።

እቲ ንኽልተ ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ስሉሳዊ ዘተ እዘን ሰለስተ ሃገራት፡ ሓፈሻዊ ኣብ ምምላእ ማይን ዓመታዊ መደባት ዘተኮረ ከምዝኸውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ገሊጹ ነይሩ’ዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ጳጉመ ራብዓይ ዙር ምምላእ ግድብ ህዳሰ ደሕሪ ምክያዳ፡ ግብጺ ንተግባር ኢትዮጵያ ዘለዋ ተቓውሞ ኣስሚዓ ነይራ’ያ።

ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ብእትገብሮ ዘላ ካብ ስምምዕ ወጻኢ ዝበለቶ ተግባራት፡ ንመጠን ቀረብ ማይ ግብጺ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ’ዩ ብምባል’ያ ትቃወም ዘላ።

ኣብ መንጐ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ኣመላልኣን መጠን ፍሰት ማይን ሕጋውን ቀያድን ስምምዓት ከይተኻየደ ኢትዮጵያ ንግድብ ህዳሰ ክትመልኦ የብላን ብምባልን’ያ ክትማጐት ጸኒሓ።

ብኣንጻሩ ኢትዮጵያ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ሩባ ኣባይ ብጽሒት ማይ ክሰማምዓ እንተኽኢለን፡ ካብ ግድብ ህዳሰ ዝወጽእ መጠን ማይ ብዝምልከት ቀያዲ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዝኽእል መርገጺኣ ኣፍሊጣ።

ብዛዕባ’ቲ ግድብ ብዝምልከት፡ እቲ ብኣላይነት ሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ ክቕጽል ዝጸንሐ ስሉሳዊ ዘተ፡ ኣብ መወዳእታ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ከተማ ኪንሻሳ’ኳ ተኻይዱ እንተነበረ፡ እተን ሃገራት ንሓድሕደን ብምውቅቓስ ብዘይ ፍረ ከምዝተበተነ ይዝከር።