ኤርትራ - ሆስፒታል ከረን 'መነጸር ዓይኒ ከፍሪ ጀሚሩ' ተባሂሉ

Published

ኣብ ከተማ ከረን ዝርከብ ሆስፒታል "መነጸር ዓይኒ ከፍሪ" ከምዝጀመረ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ መነጸራት በቲ ኣብቲ ሆስፒታል ዝርከብ ክፍሊ ሕክምና ዓይኒ ዝስራሕ ምዃኑ'ዩ እቲ ጸብጻብ ዝጠቅስ።

መንግስታዊት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ንሓላፊ እቲ ክፍሊ ዝኾነ ኣቶ ካሕሳይ ስዩም ብምጥቃስ ኣብ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ፡ ተገልገልቲ "ዝተኣዘዘሎም መነጸር ብቐረባን ብናጻን" ከምዝወሃቦም ሓቢራ።

እቲ ሆስፒታል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንልዕሊ 750 ሰባት መጥባሕቲ ዓይኒ ኣካዪዱ'ሎ።

ኣብ 2023 ድማ "ሰሙናዊ ኣስታት 45 መጥባሕቲ ይግበር ከምዘሎ" እቲ ጸብጻብ የረድእ።

ኣብቲ ዞባ ልሙዳት ዝኾኑ ሕማማት ዓይኒ ግላኮማ፡ ሓበላን ዝተፈላለዩ ረኽሲታትን ምዃኖም ክኢላታት ይገልጹ።

ኣብታ ኣዝዩ ድኹም ኣግልግሎት ጥዕና ዘለዋ ሃገር፡ ሕክምና ዓይኒ ብተዛማዲ ዝሓሸ ምዃኑ ይንገር።

ኣብ 1994 ኣብ ኣስመራ ዝተመስረተ ትካል መፍረ ሰብ-ሰርሖ መነጽር ውሽጢ ዓይኒ (IOL) ፍረድ ሆሎውስ ብደረጃ ዓለም ተወዳዳሪ ዝኾነ ፍርያት ብርትዓዊ ዋጋ ከምዘቕርብ ይፍለጥ።

ኣብታ ከተማ ዝርከብ ፍሉጥ ሆስፒታል ብርሃን ዓይኒ ምስ ትካል ፍረድ ሆሎውስ ብምሽራኽ ነቶም ኣብታ ሃገር ቀንዲ ጠንቂ ዑረት ዓይኒ ዝኾኑ ሕማማት ትራኮማን ሓበላ ዓይኒን ንምጥፋእ ከምዝነጥፍ ይግለጽ።

ሰብመዚ ጥዕና ኤርትራ ከምዝብልዎ፡ ዓመታዊ ልዕሊ 80 ሽሕ ሰባት ኣገልግሎት ጥዕና ዓይኒ ክረኽቡ እንከለዉ፡ ልዕሊ 5 ሽሕ ካብዚኦም መጥባሕቲ ሓበላ ዓይኒ ዝግበረሎም'ዩ። ንካልኦት ልዕሊ 1600 ሰባት ድማ ካብ ዑረት ዘድሕን ካልእ መጥባሕቲ ተኻይድሎም።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ብስእነት ሕክምናዊ መሳርሒን ኪኢላዊ ዓቕሚ ሰብን፡ ከምኡ'ውን ድኹም ምሕደራ ተዳኺሙ ምህላዉ ጸብጻባት ይግልጹ።

ብዙሓት ኤርትራውያን ዝሓሸ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብምውጻእ ልዑል ወጻኢታት ክኸፍሉ ይግደዱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ንዘቤታዊ ጉዳያት ዝምልከት ቃለ-መሕትቱ ንማሕበረ-ቁጠባዊ ህወይት ዜጋታት ንምምሕያሽ ሓድሽ ፖሊሲታት ክገልጽ ተስፋ ተነቢሩሉ ኣሎ።