ፈላሚ ናይ 'ቺፕ' ሓንጎል ዘለዎ ተሓካማይ ብኦንላይን ቸዝ ተጻዊቱ

Published

ናይ ኤሎን ማስክ ናይ ሓንጎል ቺፕ ኩባንያ ኒውራሊንክ፡ ንፈለማ እዋን አእምሮ ሕሙሙ ኣብ ሓንጎሉ ብዝተተኽለሉ መሳርሒ ንናይ ኮምፒዩተር መመልከቲት ከንቀሳቕስ እንከሎ ኣርእዩ።

ኣብ ኤክስ [ናይ ቀደም ትዊተር] ኣብ ዝተራእየ ናይ ትሽዓተ ደቓይቕ ቀጥታዊ ፈነወ፡ ኖላንድ ኣርባው ነቲ መመልከቲ ተጠቒሙ ብኢንተርነት ቸዝ እናተጻወተ የርኢ።

ሚስተር ኣርባው ኣብ ናይ ጥልቀት ምሕንባስ (ዳይቪንግ) ሓደጋ ኣጋጢሙዎ መንኩቡ ስለዝለመሰ ኣብ ወርሒ ጥሪ እቲ 'ቺፕ' ተተኺሉሉ።

ዕላማ እቲ ኩባንያ፡ ሓንጎል ደቂ ሰባት ምስ ኮምፒዩተራት ብምትእስሳር፡ ንዝተሓላለኹ ኩነታት ስነ-ኣእምሮ ንምምካት ዝሕግዝ እዩ።

ሚስተር ኣርባው፡ "እቲ መጥባሕቲ ኣዝዩ ቀሊል እዩ ነይሩ" ክብል ገሊጹ።

ንሱ፡ ነቲ ኣብ ሓንጎል ዝተተኽለ መሳርሒ ተጠቒሙ፡ ሲቪላይዜሽን VI (Civilization VI) ዝብል ናይ ቪድዮ ጸወታ ከምዝተጻወተ'ውን ገሊጹ። ኒውራሊንክ "ዳግም ናይ ምጽዋት ዓቕሚ ከምዝፈጠረሉን ንሸሞንተ ሰዓታት ብተኸታታሊ ከም ዝተጻወተን" ይዛረብ።

ይኹን እምበር ሚስተር ኣርባው፡ እቲ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ምሉእ ከምዘይኮነን "ገለ ጸገማት ከምዘጋጠሞምን" ገሊጹ።

ናይ ኒውራሊንክ ሳንቲም ዝዓቐኑ ቺፕ

እቲ ኣስታት ክንዲ ሳንቲም ዩሮ ወይ 25 ሳንቲም ኣሜሪካ ዝዓቐኑ መሳርሒ ኒውራሊንክ፡ ኣብ ሽክና ብማይክሮስኮፒክ ገመዳት ይትከል። እቲ ናይ ነርቭ ንጥፈታት ዘንብብ፡ ብመጉልሒ መነጽር ጥራሕ ክረአ ዝኽእል ገመድ ኣልቦ ምልክት ከኣ ናብ ተቐባሊ ኣሃዱ ይመልሶ።

እቲ ኣብ ሓሰማታት ከይተረፈ ፈተነታት ዘካየደ ኩባንያ፡ ኣህባይ፡ ፖንግ ዝበሃል ቪድዮ ጸወታ ክጻወታ ከምዝኸኣላ ገሊጹ።

ኩባንያ ኒውራሊንክ፡ ነቲ ቺፕ ኣብ ደቂ ሰባት ንኽፍትኖ፡ ኣብ ግንቦት 2023 ካብ ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን (ኤፍዲኤ) ፍቓድ ተዋሂቡዎ።

ኒውራሊንክ፡ ሓደ ካብቶም ነቲ ቴክኖሎጂ ኣማዕቢሉን ኣጻርዩን ንዕዳጋ ከቕርብ ዝፍትን ዘሎ ኩባንያታትን ክፍልታት ዩኒቨርሲቲን ሓደ እዩ።

ንኣብነት፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ሎዛን ዝርከብ ኤኮለ ፖሊቴክኒክ ፈደራል፡ ኣብ ሓንጎልን ዓንዲ ሕቖን ናብ እግሩን ኣጻብዕቱን ሓሳባት ዘመሓላልፍ ገመድ ኣልቦ ኤሌክትሮኒክ ብምትካል፡ መልመስቲ ንዘጋጠሞ ገርት-ጃን ኦስካም ብእግሩ ንክኸይድ ኣኽኢልዎ።

ዝርዝር ናይቲ ስርሒት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብኪኢላታት ኣብ ዝተገምገመ መጽሔት ኔቸር ተሓቲሙ ነይሩ።

ምልክታት ሓንጎል

ሓንጎል ወዲ ሰብ፡ ኣስታት 86 ቢልዮን ኣብ ነንሕድሕዶም 'ብሲናፕስ' ዝተኣሳሰሩ ናይ ነርቭ ዋህዮታት 'ኒውሮናት' ኣለዎ።

ክንንቀሳቐስ፡ ክንሰምዕ ወይ ክንሓስብ ኣብ እንደልየሉ እዋን፡ ንእሽቶ ናይ ኤሌክትሪክ ድርኺት ይፍጠር እሞ ካብ ሓደ ኒውሮን ናብ ካልእ ኒውሮን ብፍጥነት ይለኣኽ።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ኣብ ርእሲ ሰብ ዝተቐመጠ ቆብዕ ዓይነት፡ ወይ ድማ ኣብ ሓንጎል ብዝተተኽለ ገመዳት ንገለ ካብቶም ምልክታት ኒውሮንስ ክፈልጡ ዝኽእሉ መሳርሒታት ኣማዕቢሎም ኣለዉ።

እዚ ቴክኖሎጂ - ብናይ ሓንጎልን ኮምፒተርን መተሓላለፊ (BCI) እዩ ዝፍለጥ። ኣብዚ እዋን'ዚ ነዚ ምርምር እዚ ብዙሕ ሚልዮናት ዶላር ዝግመት ምወላ ይግበረሉ ኣሎ።