እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ኣብ ገዛይ ሮኬት ዓሊቡ ብዕድል ወጺአ’፡ ኵነታት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል
ብቐዳም ኣብ ልዕሊ ከተማታት እስራኤል ዝተፈነወ ልዕሊ 1,300 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኤርትራውያን’ውን ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ጸልዩዎም’ዩ።
ብፍላይ ኣብ ከባቢ ዶብ ቓዛ ኣብ ዘርከባ ከተማታት ዝርከቡ ገለ ኤርትራውያን ገዛውቶም ብተወንጫፊ ሮኬታት ከምዝተሃርመ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ሓደ ካብቶም ኣብ ከተማ ኣሽከሎን ንኣስታት 13 ዓመታት ዝተቐመጠ ተኽሊት ዝተባህለ ኤርትራዊ፡ “ክብድ ኢሉ ነይሩ” ብምባል ነቲ ዘጋጠሞም ኵነታት ይገልጽ።
“ኣብኡ’የ ነይረ፡ እቲ ኵነታት ክብድ ኢሉ’ዩ ነይሩ፡ [ሮኬት ሓማስ] ኣብ ገዛይ’ውን ዓሊቡ፡ ኣምላኽ ሓልዪኒ ክወጽእ ክኢለ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ ።
“ሰንበት’ዩ ነይሩ፡ ሰዓት 11፡30 ናይ ለይቲ ማለት’ዩ፡ ክትኮስ እዩ ውዒሉ፡ ግን ምልክት ዝህብ ኣሎ፡ ምልክት ክህብ ከሎ ኢና ካብ ገዛ ንወጽእ ነይርና። ግን ኣጋጣሚ እታ ሽዑ ዝዓለበት ሮኬት ምልክት ኣይገበረትን።
“ብኸምኡ ምኽንያት ከኣ ኣብ ገዛየ ነይረ፡ ማለት ክብድ ይብል’ዩ ንኽትገልጾ. . .ሽዑ ኣብቲ ዝነበርኩዎ ገዛ ዓሊባ፡ ናይ ፈጣሪ ነገር ግን ወጺአ። ኣሽከሎን ወሰን ስለዝዀነት ኣመና ክብድ ኢሉ’ዩ፡ ብዙሕ’ውን ዓሊቡ’ዩ” ይብል ተኽሊት።
“እቲ ገዛ ዝተረፎ የብሉን፡ እቲ ዝነበረ ንብረትን ካልእን ዓነውነው ኢሉ’ዩ” ብምባል ንዝወረዶ ክሳራ ጠቒሱ።
ኣብ ከተማ የሩሳሌም ዝነብር ተሓላቒ መሰላት ስደተኛታት ብርሃነ ነጋሲ ብወገኑ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ንመጥቃዕቲ ሓማስ “ኣስካሕካሒ” ክብል ገሊጽዎ።
በቲ ደብዳብ መንበሪ ገዛ ሰለስተ ኤርትራውያን ከም ዝተወቕዐን እንተዀነ ዛጊት ዘጋጠመ ሞት ይዅን ማህረምቲ ከምዘይበጽሖምን ብርሃነ ይሕብር።
“እቲ ደብዳብ ሮኬት ክልተ ኣብ ኣሽከሎን፡ ሓደ ድማ ኣብ ኣሽዶድ እዩ ኣጋጢሙ፡ ብጠቕላላ ስለስተ ኤርትራውያን ገዛኦም ተሃሪሙ’ሎ፡” ብምባል ኵነታት እስራኤል ብሓፈሻ ኣሰካፊ ከምዘሎ ተዛሪቡ።
እቲ ንስክላ ዝደሓነ ተኽሊት ብሓሙስ ካብታ ንዓመታት ዝነበረላ ኣሽከሎን ኣርሒቑ ብምውጻእ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ውሑስ ዝብሃል ከተማ ናታንያ ብምፍንቓል ምስ መሓዙቱ ተዓቚቡ ይርከብ።
“ኣብ ገዛይ ስለዝዓለበ ኣነ ከምዚ ሓድሽ ስደተኛ’የ ኰይነ ዘለኹ” ብምባል፡ "እንተወሓደ ካብቲ ድምጺ ርሒቐ ሕጂ ኣብ ድሓን ኵነታት ኣለኹ” ይብል።
“ንሕና ታሪኽ ዝመሃረና ኢና፡ ምኽንያቱ ኣብ ሲናይ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ብዝተገብረ ኣተሓራርዳ’ዮም ተሓሪዶም ኣብዚ” ብምባል ብፍላይ እቲ ኣብ ልዕሊ ዕሸላት ዝተፈጸመ "ኣስካሕካሒ ዝዀነ" ክብል ዝገለጾ ቅትለት ከምዘሰንበዶ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ብቐረባ ብመጥቃዕቲ ሮኬት ክህረም ዝኽእል ደቡባዊ ግዝኣት እስራኤል ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ሓደጋ ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ ዛጊት 19 ስድራቤት ካብ ነቲቦ ናብ ኪበራ ዝበሃል ብተዛማዲ ውሑስ ዝዀነ ከባቢ፡ ምስ ምምሕዳር ብምትሕብባር ኣግዒዝናዮም ኣለና ኢሉ።
ብዘይካ’ዚ ሓያለ ኤርትራውያን፡ ካብቲ ተጠቃዒ ዝዀነ ከባቢታት ናብ ደሓን ዝበሃል ከባቢ ይግዕዙ ከምዘለዉ ኣረዲኡ።
እዚ ኰይኑ ግን ደሃይ ዘይብሎም ኤርትራውያን ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ ኵነታቶም ንምፍላጥን ደሃዮም ንምርካብን ምስ ኣካላት ጸጥታ ፖሊስን ሰራዊትን ካልኦት ትካላትን እስራኤል እናተረዳዳእና ንሰርሕ ኣለና ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ብሰሉስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ “ኣብዚ ሳልስቲ ብዝተገብረ ምክትታል ዛጊት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘጋጠመ ሓደጋ ዝበጽሓና ሓበሬታ የለን” ኢሉ ነይሩ።
ክልተ ደቡብ ኣፍሪቃውያን በቲ መጥቃዕቲ ሞይቶም ከምዘለዉ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓቢሩ’ሎ። ዛጊት 27 ኣመሪካውያን፡ 13 ፈረንሳውያን፡ ዝርከብዎም ዜጋታት ሃገራት ወጻኢ ክቕተሉ እንከለዉ፡ ብውሕዱ 17 ብሪጣንያውያን ኩነታቶም ኣይተፈልጠን ዘሎ።
ንግዳያት ንምድጋፍ ዝነጥፉ ዘለዉ ኤርትራውያን
ኣቦመንበር 'ሓድሽ ተስፋ' ዝተባህለ ኤርትራዊ ማሕበር ዝዀነ ብርሃነ ነጋሲ፡ እቲ ንሱ ዝነብረሉ ከተማ የሩሳሌም፡ ክሳብ ሕጂ ደሓን ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን እቲ ንሱ ዝመርሖ ማሕበር ፡ ምስ ኣባላት “ብርጌድ ንሓመዱ” ዝተባህሉ ጕጅለ ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ምስ ወተሃደራት እስራኤል ነበር ብምዃን ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ሰብኣዊ ሓገዝ ይነጥፉ ከምዘለዉ ይገልጽ።
እቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ብፍላይ እቶም ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ተወዲቦም፡ “እስራኤል ዓድና እያ፡ ደም እናወጸት ስቕ ኢልና ኣይንርእን” ብምባል ብሓባር ተላዒሎም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ክተሓጋገዙን ኣብ ጐድኒ እስራኤል ደው ክብሉ ምኽኣሎምን ዓቢይ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ይዛረብ።
ዛጊት፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታትን ከተማታትን እስራኤል ንቡር ንጥፈታት ተሰናኺሉ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ተ’ዓጽዩን ስራሓት’ውን ደው ኢሉ ብምንባሩ ብፍላይ ንስደተኛታት ኣጸጋሚ ይኸውን ከምዘሎ ብምምልካት፡ እቲ ኵነታት ብኸምዚ እንተቐጺሉ ሃሳዪ ከምዝኸውን ብሓሙስ ገሊጹ።
እዚ ኵነታት ብፍላይ “ንደቀንስትዮና፡ ናይ ጥዕና ይዅን ቍጠባ ጸገማት ዘለዎምን፡” ክሃስዮም ከም ዝኽእል ፍሉጥ እዩ ይብል። ስለዚ ድማ፡ ክግበር ንዝኽእል ምድላዋት ይሓስቡሉን ይዘራረቡሉን ኣለዉ።
ነቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተሃስዩ ንምድጋፍ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዛት ናይ ምውዳብ ንጥፈታት እናተሳተፈ ሓበሬታ ዝሃበና ብርሃነ፡ ንኵነታትን ተራን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝምልከት ምስቲ ኣብቲ ማእከል ክበጽሕ ዝመጸ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ከምዝተዘራረበ’ውን ሓቢሩ።
ኣንቶኒ ብሊንከን ኣመሪካ ንእስራኤል ዘለዋ ደገፍ ንምርግጋጽን፡ እቲ ግጭት ከይሰፍሕ ንምግታእን ትማሊ ናብታ ሃገር ምብጻሕ ከምዘካየደ ይዝከር። ምስ መራሒ ምምሕዳር ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ድሕሪ ምርኻብ፡ ናብ ቐጠር ከምርሕ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
“ንሕና ስደተኛታት ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቝባ ሃገረ እስራኤል ምስ ህዝቢ እስራኤል ደው ከምዝበልና ሓቢርናዮ ኣለና። እንደገና፡ ወኪል ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሃገረ እስራኤል’ውን መጺኣ ነይራ፡ ኣዘራሪበ’ያ ነይረ። እቲ መልእኽቲን እቲ ክንገብሮ ዘለናን መንነትናን ብግቡእ ነሕልፍ ኣለና ንሰርሕ ኣለና” ኢሉ።
ምስ ከንቲባ ከተማ ተልኣቪቭ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ሚኒስተር ፋይናንስ፡ ጉዳያት ወጻኢን ምክልኻልን ንዝነበረ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣቪግደር ሊበርማን ከምዝረኸብዎን፡ ንህዝቢ እስራኤል ንምድጋፍ ዝገብርዎ ዘለዉ ምትሕግጋዝ ከምዝነኣደ ብርሃነ ተዛሪቡ።
እቶም ስደተኛታት እዚ ዝገብርዎ ዘለዉ ተሳትፎ ምድንጋጽ ህዝብን መንግስቲን ብምርካብ ነቲ ብመንግስቲ እስራኤል ዝህቀን ዘሎ ምስጓግ ኤርትራውያን ክገትኦም’ዮም ዝትስፈዉ።