ኣመሪካ፡ ሕማም ጸሓፊ ምክልኻል ምሕብኡ ስለምንታይ ኣዛራቢ ኰይኑ'ሎ?

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ጸሓፊ ምክልኻሉ ሎይድ ኦስቲን ብሕማም ካንሰር ሆስፒታል ምእታዉ፡ ደንጒዩ ብሰሉስ ከምዝሰምዐ ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ።
ወዲ 70 ዓመት ኦስቲን፡ ብ 1 ለካቲት ናብ ሆስፒታል ዝኣተወ ኰይኑ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ታሕሳስ ዝገበሮ መጥባሕቲ ብዘጋጠሞ ጸገም ናብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ኣትዩ።
ንሱ ምሕማሙ ንላዕለዎት ሰብመዚ ብዘይምዝራቡ ይውቀስ ኣሎ።
ሎይድ ኦስቲን፡ “ህዝቢ ብግቡእ ክፈልጦ ብዘይምግባሩ” ይቕረታ ሓቲቱ ኣሎ።
ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ሕማም እቲ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ደንጉዩ ምስምዑ፡ ኣብ ምምሕዳር ባይደን ዘሎ ኵነታት ሃገራዊ ድሕነትን ግልጽነትን ሕቶ ኣልዒሉ።
ሓላፍነት ክፍሊ ምክልኻል ኣብ ሰንሰለት ወተሃደራዊ እዚ ኣመሪካ ካብ ፕረዚደነት ቀጺሉ ዘሎ ዝለዓለ ሓላፍነት ኰይኑ፡ ካብ ወሰንቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ እቲ ፕረዚደንት ሓደ እዩ።
ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ፐንታጎን፡ እቲ ሚኒስተር ክሳብ ሰሉስ ኣብ ሆስፒታል ከምዝነበረ ኣረጋጊጹ። ሎይድ ኦስቲን ካብ ሆስፒታል መዓዝ ከምዝወጽእ ዘይሓበረ ወሃቢ ቃል ፐንታጐን ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኣብቲ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ኣመሪካ ዋልተር ሪድ ዝሰርሑ ሓካይም፡ ሎይድ ኦስቲን ኣብ ታሕሳስ ካንሰር ፍረ ነብሲ ከምዝተረኸቦን፡ ኣብ 23 ታሕሳስ መጠናዊ መጥባሕቲ ከምዝተገበረሉን ኣፍሊጦም።
ድሒሩ ብዘጋጠሞ ረኽሲ ድማ ኣብ 1 ጥሪ 2023 ናብቲ ሆስፒታል ተመሊሱ ኣትዩ።
መንሽሮ እቲ በዓል መዚ ቀልጢፉ ከምዝተረኸበን ኣብ ዝሓሸ ኵነታት ከምዝርከብን እዮም ዝገልጹ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ጆን ኪርቢ፡ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፕረዚደንት ባይደን እቲ ሚኒስተር ብሕማም ካንሰር ናብ ሆስፒታል ምእታዉ ብሰሉስ ከምዝሰምዐ ተዛሪቡ።
“ክሳብ ሎሚ ንግሆ፡ ሰክረታሪ ኦስቲን ካንሰር ፍረ-ነብሲ ከምዘለዎ ዝሰምዐ ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ዋይት ሃውስ የለን” ኢሉ።
ልዕሊ ኵሉ ሻቕሎት ፕረዚደንት ባይደን ድሕነት እቲ ሚኒስተር ከምዝነበረ ዝገለጸ ኪርቢ፡ እቲ ፍሰት ሓበሬታ ግን “ኣዕጋቢ ኣይነበረን” ኢሉ።
“ብኸምዚ መገዲ ኣይኰነን ክኸይድ ዝነበሮ።”
ምክትል ጸሓፊ ምክልኻል ኦስቲን ዝዀነት ካትሊን ሂክስ፡ ገለ ካብ ሓላፍነቱ ክትፍጽም እኳ ተወኪላ እንተነበረት ብዛዕባ ሆስፒታል ምእታዉ ግን ኣይተነገራን።
ብሰሉስ መግለጺ ዝሃበ ፕረስ ሰክረተሪ ፐንታጐን ጀነራል ፓት ረይደር፡ እቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ንምንታይ ብዛዕባ ኵነታቱ ንምንታይ ክዛረብ ከምዘይደለየ ኣይሓበረን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
