ኣሽሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣምኪኑ ተባሂሉ ብሓሶት ዝተኸሰሰ ዶክተር

Published

ንደቂ ኣንስትዮ ዘምክን ከኒና ኣሎዶ፤ ደቂ ኣንስትዮ ብመጥባሕቲ ክወልዳ ከለዋ ሓኪም ብሕቡዕ የምክነን እዩ ገለ ዝብሉ ወረታት ሰሚዕኹም ተፈልጡ ዶ?

እዚ ወረ ኣብ ሲሪላንካ እዩ ተነዚሑ።

ብጸረ-ኣስላም ኣኽረርቲ ቡድሃውያን ዝተዘርግሐ ናይ ሓሶት ወረ እዩ።

ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ውሑዳት ሰዓብቲ እስልምና ቁጽሮም ናይ ምብዛሕ ሕልሚ ከምዘለዎም ተወርዩ።

ነዚ ንምግባር ድማ፡ ዝበዝሓ ህዝቢ ዘለዎም ደቂ ኣንስትዮ ቡድሃ ብሕቡዕ ክመኽና ይግበር ከምዘሎ ዝገልጽ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳብ ተፈብሪኹ።

ሓደ ዶክተር እውን በዚ ናይ ሓሶት ክሲ ዒላማ ተገይሩ።

እቲ ሓኪም ነባሪ ሰሜናዊ ምዕራብ ከተማ ኩሩነጋላ እዩ።

“ኣነ ኣስላማይ እየ። 4 ሽሕ ቡድሃውያን ደቂ ኣንስትዮ ብሕቡእ ኣምኪንካ ተባሂለ እየ ተኸሲሰ ነይረ" ክብል ሓኪም መጥባሕቲ መሓመድ ሻፊ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ዶክተር ሻፊ ኣብ እዋን መጥባሕታዊ ሕርሲ ንሻምብቆ ማህጸን ደቂ ኣንስትዮ ቡድሃ ብመሳርሒ ብምጭፍላቕ ይኽሰስ። ከምኡ ብምግባር፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ተወሳኺ ውላድ ከይወልዳ ይገብር ዝብል እዩ።

ብሕሜት ተወርዩ ኣይተረፈን፤ ኣብ 2019 ብገበን ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ።

ብገበን ግበረ-ራዕዲ እውን ተኸሲሱ።

“ምስ ገበነኛታት እየ ተኣሲረ። ‘ስለምንታይ ከምዚ ይገብሩኒ ኣለዉ’ ኢለ ሓሲበ። ግን ድማ ምእንተ በዓልቲ ቤተይን ደቀይን ክብል ብህይወት ክጸንሕ ከምዘለኒ ተሰሚዑኒ" ይብል ዶክተር ሻፊ።

እቲ ኣቦ ሰለስተ ቆልዑ ዝኾነ ዶክተር፡ ን60 መዓልታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፉ።

ድሕሪ ናይ ክልተ ወርሒ ማእሰርቲ ቤት ፍርዲ መሰል ዋሕስ ክኽበረሉ ወሲኑ።

እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ መርመራታት ካብ ስርሑ ግዴታዊ ዕረፍቲ ክወስድ ተነጊርዎ።

ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት ጀሚሩ ናብ ስራሕ ተመሊሱ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ሲሪላንካ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ዘረጋግጽ መርትዖ ስለዘይረኸበ እዩ፡ ነቲ ሓኪም ናብ ስርሑ መሊስዎ።

ኣብ መዓልቲ ትንሳኤ ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት

ብዝሒ ህዝቢ ሲሪላንካ ኣስታት 22 ሚልዮን እዩ።

ኣብዝሓ እዚ ህዝቢ- ኣስታት 70 ሚእታዊት ቡድሃ፣ 10 ሚእታዊት ኣስላም፣ ኣስታት 12 ሚእታዊት ሂንዱ፣ 7 ሚእታዊት ድማ ክርስትያን እዮም።

ዶክተር ሻፊ ንደቂ ኣንስትዮ ኣምኪንዎን ተባሂሉ ቅድሚ ምኽሳሱ፡ ብዘይኣፈላላይ ሃይማኖት ንኹለን ክሕክም ጸኒሑ እዩ።

ሰንበት ፋሲካ 2019 ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ቦምባታት ተፈጺሙ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣጋይሽ ዓዲ ብተደጋጋሚ ዝበጽሕዎም ኣብያተ ክርስትያናትን ሆቴላትን ዒላማ ዝገበረ እዩ ነይሩ።

በዚ ምኽንያት ድማ ልዕሊ 250 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም። እዚ መጥቃዕቲ ንህይወት ዶክተር ሻፊ ንሓዋሩ ቀይርዎ።

ምስ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ዝተኣሳሰሩ ኣኽረርቲ ጉጅለታት ናይዚ መጥቃዕቲ ተሓተትቲ እዮም።

ድሕሪ ምዝዛም ኩናት ሓድሕድ ምስ ጉጅለ ‘ታሚል ታይገርስ’ ኣብ 2009፡ እቲ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ ቦምባ ኣብ መላእ ሲሪላንካ ጸረ ኣስላም ስምዒት ፈጢሩ።

ሕነ ንምፍዳይ ድማ መሳጊድ፡ ኣባይቲ ኣስላምን ድኳናትን ብሓዊ ተቓጺሎም።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓደ ኣስላማይ እውን ብዕስለ ተቐጥቂጡ ተቐቲሉ።

ናይ ሓሶት ክሲ

ድሕሪ ሓደ ወርሒ መጥቃዕቲ ቦምባታት ኣብ መዓልቲ ፋሲካ፡ 'ዲቪና' ዝተብሃለመት ጋዜጣ ኣብ ቀዳማይ ገጻ ሓደ ኣካታዒ ጽሑፍ ኣውጺኣ።

ሓደ ሓኪም 4 ሽሕ ቡድሃውያን ኣዴታት ኣምኪኑ ዝብል፤ እቲ ዝርዝር ምስ መርትዖታት ከም ዝነበረን ነቲ ሓኪም ንምእሳር ሰፊሕ መርመራታት ይካየድ ከምዘሎን ይገልጽ።

ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ክኢላ ሕክምና ዶክተር ኣባል ‘ተውሒድ ጀማዝ’ ተባሂሉ እዩ ቀሪቡ።

ሃገራዊ ‘ተውሒድ ጀማዓ’ ሓደ ካብቶም ክልተ ኣኽረርቲ እስላማውያን ጉጅለታት ኮይኑ፡ ኣብ መዓልቲ ፋሲካ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባታት ተሓተትቲ እዮም።

እታ ጋዜጣ ግና ነቲ ቡድሃውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣምኪኑ ኢሉ ዝገልጽ ጸብጻብ መርትዖ ኣየክተርየቕረበን።

ሻፊ ኣብቲ ጽሑፍ ብስሙ ኣይተጠቕሰን። መንነት ናይቲ ሓኪም’ውን ኣይተገልጸን ነይሩ።

እንተዀነ፡ ምስ ስእልታቱ ዝተኣሳሰሩ ጽሑፋት ኣብ ፌስቡክ ክቐርቡ ጀሚሮም፡ ንደቂ ኣንስትዮ ቡድሃ ዘምከነ ዶክተር ሻፊ ብዝብል።

"ኣብ ከምዚ ኩነታት ብቐጥታ ክኽሰስ ንመጀመርታ ግዜ'ዩ" ክብል እቲ ዶክተር ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ዶክተር ሻፊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ናይ ሓሶት ክስታት ርእዩ ስቕ ኣይበለን።

ብተወሳኺ ነቲ ጉዳይ ናብ ዳይረክተር ሆስፒታል ኩረነጋራ ኣፍሊጡ።

እዚ ናይ ሓሶት ዜና ኣብ ህይወቶም ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ነቲ ዳይረክተር ሓቢሩ።

ይኹን እምበር እቲ ሆስፒታል ውሽጣዊ ጉዳያት ‘ምበር፡ ካብ ሆስፒታል ወፃኢ ንዝኾነ ነገራት ከም ዘይሰርሕ እቲ ዳይሬክተር ገሊፅሉ።

ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ዶክተር ሻፊ ተኣሲሩ።

“ብዘይ ትእዛዝ ናብ መደበር ፖሊስ ተወሲደ። ህዝባዊ ዕግርግር ከይፍጠር ብዝብል ኣብ ማእሰርቲ ዳጒኖምኒ።"

ሓደገኛ ጸብጻባት ሚድያ

እቲ ጉዳይ ዝያዳ ኣቓልቦ ዝረኸበ፡ መደበራት ተለቪዥን እታ ሃገር ብዛዕባ እቲ ኩነታት ድሕሪ ምጽብጻበን እዩ።

እቲ ናይ ሓሶት ክስታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ተዘርጊሑ።

ዶክተር ሻፊ፡ “ብወግዒ ግብረሽበራዊ ተባሂለ ተኣዊጀ። መርዛማት ቻነላት ቲቪን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጹ ናይ ሓሶት ዜናታትን ንህይወተይ ኣበላሽዮም" ይብል።

ሓደ ቡድሃዊ መነኮስ እውን፡ ኣብ በዓልቲ ቤት ዶክተር ሻፊ ፋቱማ ኢማራ እትሰርሓሉ ዝነበረት ሆስፒታል ተቓውሞ ከስምዕ ጀሚሩ።

“በዓልቲ ቤተይ ናይ ሞት ምፍርራሕ ይበጽሓ ነይሩ። ንህይወት ደቅና’ውን ፈሪሓ" ይብል ዶክተር ሻፊ፡ በዓልቲ ቤቱ እውን ስራሓ ክትስእን ከም ዝቐረበት ኣብሪሁ።

“ቦኽሪ ጓለይ ንፈተና ትዳሎ ነይራ። ናብ ቤት ትምህርቲ ክትከይድ’ኳ እንተነበራ፡ ብሰንኪ እቲ ህዝባዊ ቁጥዐ ግን ከምኡ ክትገብር ኣይከኣለትን። ኣዝያ ተጨነቐት። ንደቅና ሓደስቲ ኣብያተ ትምህርቲ ክንረክብ ነይሩና” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ዶክተር ሻፊ ድሕሪ ምእሳሩ፡ በዓልቲ ቤቱን ሰለስተ ደቁን ናብ ርእሰ ከተማ ኮሎምቦ ገዓዙ። ካብ ሽዑ ጀሚሮም ደቆም ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ ክመሓሩ ተገዲዶም።

“በዓልቲ ቤተይን ደቀይን ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ክንከራተቱ ተገዲዶም። ናይ ባንክ ሕሳበይ እውን ተዓጽዩ ስለዝነበረ ዝኾነ ገንዘብ ኣይነበሮምን" ክብል ዶክተር ሻፊ ገሊጹ።

ዋላ'ኳ ሰብመዚ እቲ ሆስፒታል፡ ብዛዕባ ዶክተር መሓመድ ሻፊ ካብ ኣስታት 800 ደቂ ኣንስትዮ "ጥርዓናት" ከምዝበጽሖም እንተገለጹ፡ ኣብ ሰነ 2019 ክፍሊ መርመራ ገበን ሲሪላንካ (CID) ነቲ ዶክተር ሻፊ ምስጢራዊ ገበን ‘ምምካን’ ንክሲዝብል ክሲ መርትዖ ከምዘይረኸበሉ ንቤት ፍርዲ ገሊጹ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣገልግሎት ጸጥታ ሲሪላንካ ሓዊሱ ኣኽበርቲ ሕግን ቢሮታት ጸጥታን ዶክተር ሻፊ ምስ ዝኾነ ይኹን ግብረሽበራዊ ንጥፈታት ዘተኣሳስር መርትዖ ከምዘየለ ገሊጾም።

ንጽህና ምርግጋፅ

ዶክተር ሻፊ፡ ነቲ ዝተኸሰሰሉ ገበን ዝድግፍ መርትዖ ብዘይምህላዉ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት ናብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ሆስፒታል ከሩነጋላ ተመሊሱ።

ንሰለስተ ዓመት ዘይተኸፍሎ 8 ሽሕን 750 ዶላር ክኽፈሎ ድማ ተወሲኑ።

ንሱ ግን፡ ነዚ ገንዘብ እዚ ንሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣድላይ መድሓኒት ንምዕዳግ ክውዕል ኣበርኪቱ።

ሓካይም ሲሪላንካ፡ እታ ሃገር ብቁጠባዊ ቅልውላው ኣብ እትሳቐየሉ ዘላ እዋን፡ ዝሓሸ ናብራ ንምድላይ ይስደዱ ኣለዉ።

ዶክተር ሻፊ ግን ኣብቲ ብሓሶት ዝተኸሰሰሉ ሆስፒታል ጸኒሑ መሊሱ ንህዝቡ ከገልግል ቆሪጹ ተላዒሉ ኣሎ።

“ኣባላት ስድራይ ኣብዚ ሆስፒታል ከይሰርሕ ብተደጋጋሚ ይመኽሩኒ እዮም። ንፁህ ምዃነይ ዘረጋግጸሉ እንኮ መገዲ ግን ናብቲ ዝነበርኩሉ ሆስፒታል ተመሊሰ ኣብ ተመሳሳሊ ሓላፍነታዊ ስልጣን ምግልጋል ምዃኑ እፈልጥ እየ” ኢሉ።