ኣርቲፊሻል መመቀሪ እንታይ'ዩ፣ ንጥዕናና ብኸመይ ይጸልዎ?

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ መዓልታዊ መግብና እንወስዶ መጠን ሽኮር፡ መጠኑ ብዝፈላለየ ኣብ ጥዕና ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ።

ንዓይነት 2 ሕማም ሽኮር፡ ህዝርጥና ወይ ክራሸ፡ ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን ናይ ምቅላዕ ተኽእሎ ክብ ከምዘብል መጽናዕቲታት ኣረጋጊጾም እዮም።

ብሰንኪ’ዚ፡ ኣርቲፊሻል መመቀሪ ከም ‘ጥዑይ’ መተካእታ ሽኮር ኰይኑ እዩ ተማሂዙ።

እዞም ኣማራጺታት፡ ሽኮርን ካሎሪን ንምንካይ ዝሕግዝ እዮም።

ይዅን’ምበር እዞም መተካእታታት’ውን እንተዀኑ ናይ ገዛእ ርእሶም ስክፍታታት ይፈጥሩ ኣለዉ።

ብሓቂ ኸ ካብ ሽኮር ዝሓሹ ኣማራጺታት ድዮም?

ክኢላ ኣመጋግባ ጆ ዊልያምስ፡ ኣርቲፊሻል መመቀሪታት እንታይ ምዃኖም፡ ዓይነታቶም፡ ብልጫታቶምን ዝዀነ ከስዕብዎም ዝኽእሉ ሓደጋታትን ብዝምልከት ዘለዎ ርድኢት ከምዚ ዝስዕብ ይቐርብ።

ኣርቲፊሻል መመቀሪ እንታይ እዩ?

ንሽኮር ተኪኦም ከም መመቀሪ ዘገልግሉ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዓይነት መተካእታታት ኣለዉ።

ገለ ካብዚኦም ከም ኣስፓርተም፡ ሱክራሎዝን ሳካሪንን ዝኣመሰሉ ብከሚካል ዝተሰርሑ ኣርቲፊሻል መመቀሪታት ይርከብዎም።

ዝዀነ ዓይነት ቫይታሚን ወይ ማዕድናት ስለዘይብሎምን ብኣካላትና ብዙሕ ስለዘይምጸዩን ድማ ‘ዘይመኣዛዊ’ ተባሂሎም ይግለጹ።

ብሓፈሻ ሽኮር ዘይብሎም ተባሂሎም ዝግለጹ ፍርያት መግቢ እዞም መመቀሪታት ዝሓዙ’ዮም። ናይዚ ምኽንያት ድማ ካብ ናይ መኣዲ ሽኮር ዝበለጸ ጣዕሚ ስለዘለዎምን ትሕዝቶ ካሎሪኦም’ውን ኣዝዩ ውሑድ ስለዝዀነን እዩ።

መኣዛ ዘለዎም መመቀሪታት እውን ኣለዉ። እዚኦም ሽኮር ዘለዎም ኣልኮላትን ምስ ሽኮር ዝመሳሰል ከሚካላዊ ኣቃውማ ዘለዎም ዓይነት ካርቦሃይድሬት እዮም። እዚኦም’ውን ካብ ሽኮር ዝወሓደ ካሎሪ ዘለዎም ኰይኖም፡ ኣብ ሽኮር ዘይብሉ ማስቲካ፡ ምቁር መግቢታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተመስርሑ ምቁር መግቢታትን ምጥቃም ልሙድ እዩ። ኣስማቶም ብሓፈሻ ብ‘ኦል’ ዝውድእ ኰይኖም፡ ካብዚኦም እቶም ዝያዳ ልሙዳት ሶርቢቶልን ዛይሊቶልን እዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ገለ ሰባት ከም ስቴቭያ ዝኣመሰሉ ተፈጥሮኣዊ መመቀሪታት እውን ክጥቀሙ ምርኣይ እናተለመደ ይመጽእ ኣሎ። ስቴቭያ ካብ ተኽሊ ዝጽሞቕ ኰይኑ ዝዀነ ካሎሪ የብሉን።

መመቀሪ ኣንጻር ሽኮር

ከም ክራሸን ምብስባስ ስኒን ዝኣመሰሉ ጸገማት ጥዕና ምስ ኣብ ኣመጋግባ ዝርከብ መጠን ሽኮር ዝተኣሳሰሩ እዮም።

ኣብ መዓልቲ ክውሰድ ዘለዎ ‘መመቀሪ’ (ተወሳኺ) ሽኮር ኣብ መዓልቲ ኣብ 30ግ ጥራይ (ኣስታት ሸውዓተ ማንካ ሻሂ) ክድረት ይምከር።

ይኹን’ምበር፡ ካብዚ ዕጽፊ መጠን ሽኮር ዝወስዱ ሰባት ሒደት ኣይኰኑን። ሽኮር ዘለዎም መስተታት ካብቶም ቀንዲ ምንጪ ተወሳኺ ሽኮር ኰይኖም፡ ሓደ ቆርቆሮ ኮላ ኣስታት 35 ግራም ሽኮር ይሕዝ። እቶም ካብ ሽኮር ነጻ ዝብሉ ድማ 0 ግራም ዝሓዙ ኰይኖም፡ ግን ብገማግም 200 ኣስፓርተም ኣለዎም።

ከም ውጽኢቱ፡ መመቀሪ ኣብ መንጐ ሽኮር ንምንካይ ዝደልዩ ሰባት፡ ምቁርነት መግቢ ስለዝዕቅቡ ተፈተውቲ እናዀኑ ይኸዱ ኣለዉ። ኣብ ኣመጋግባኦም ሽኮር ብምንካይ ድማ፡ ሓደጋ ምብልሻው ኣስናን ዘወግዱ እዮም።

ከም መዓር፡ ኣጋቭ ሲሮፕን ሽኮር ኮኮናትን ዝኣመሰሉ ተፈጥሮኣዊ ምንጪታት ሽኮር መብዛሕትኡ ግዜ ከም ‘ጥዑይ’ ኣማራጺታት ይረኣዩ።

እንተዀነ ብመልክዕ ፈሳሲ ዝቐርቡ ሽኮር እዮም። ካሎሪታት ኣብ እነነጻጽረሉ እዋን ድማ ምስ ሽኮር ኣዝዮም ይመሳሰሉ።

ስለዚ በቲ ‘ተፈጥሮኣዊ’ ዝብል መግለጺኦም ኣይትታለሉ፤ እቲ ክንክዮ ዘለና ዓይነት ሽኮር ዝሓዙ እዮም።

እቲ ዝሓሸ መመቀሪ ኣየናይ እዩ ?

ብዙሓት ካብቶም ኣርቲፊሻል መመቀሪታት ‘ውሑስ’ ተባሂሎም ዝቝጸሩ’ኳ እንተዀኑ፡ ግድን ግን ጥዕና ኣለዎም ማለት ኣይኰነን። ብዛዕባኦም ዝግበር መጽናዕቲ እውን ተጋራጫዊ እዩ።

መመቀሪ ምጥቃም ኣብ ጥዕና ነቶም ልዕሊ ዓቐን ክብደት ዘለዎም ወይ ንሕማም ሽኮር ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ሰባት ክህልዎ ዝኽእል እወታዊ ጽልዋ ንምርኣይ ዘኽእሉ መጽናዕትታት ኣለዉ።

ይዅን እምበር፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጹ ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ፡ ኣርቲፊሻል መመቀሪታት ምውሳድ ካብ ጥቕሚ ንላዕሊ ጉድኣት ከስዕብ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ ግንቦት 2023፡ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሰባት ክብደት ሰብነቶም ንምጕዳል ብዝብል፡ ኣስፓርተም፡ ሳካሪንን ስቲቭያን ሓዊሱ ሽኮር ዘይብሎም መመቀሪታት ከይወስዱ መኺሩ ነይሩ።

እቲ ለበዋ እዞም ፍርያት ምውሳድ ምስ ምውሳኽ ሓደጋ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር፡ ሕማማት ልብን ስርዓተ ደምን፡ ክራሸን ከምኡ’ውን ጠንቂ ሞት ምስ ምዃን ምትእስሳር ከምዘለዎ የመልክት። ካልእ ኣብ ግንቦት 2023 ዝተሓትመ ፍሉይ ገምጋም እውን፡ ብኣርቲፊሻል ዝመቀሩ መስተታት ምስ ዝለዓለ ሓደጋ ክራሸ፡ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር፡ ልዑል ጸቕጢ ደምን ከምኡ’ውን ተርእዮ ሕማማት ልብን ስርዓተ ደምን ከምዝተኣሳሰር ይሕብር።

ኣብ ዓለምና ብብዝሒ ዝጥቀመሉ ኣርቲፊሻል መመቀሪ ኣስፓርተም ምስ መንሽሮ፡ ዝለዓለ ተርእዮ ሕማማት ልብን ስርዓተ ደምን ዝርከብዎም ብዙሓት ጸገማት ጥዕና ዝተኣሳሰር እዩ።

ካልእ ህቡብ ኣርቲፊሻል መመቀሪታት ሱክራሎስ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዲኤንኤ ጉድኣት ከስዕብ ከምዝኽእል ይሕብር።

ሶርቢቶል፡ ዛይሊቶልን ኤሪትሪቶልን ትሑት ካርቦሃይድሬት ዘለዎም ኰይኖም ሃንደበታዊ ምውሳኽ ሽኮር ደም ኣየስዕቡን እዮም። ይዅን እምበር፡ ብዛዕባ ኣብ ኣካላት ዝብተኑሉ ኣገባብ ስክፍታ ኣሎ። ብፍላይ ድማ ኤሪትሪቶል ምስ ምውሳኽ ሓደጋ ወቕዒ ልብን ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይግለጽ።

እቲ ነዊሕ ዝጸንሐ ኣርቲፊሻል መመቀሪ ሳካሪን እዩ። ምስ ምውሳኽ ሓደጋ ክራሸን ሕማም ሽኮርን ምትእስሳር ኣለዎ።

ስቴቭያ ድማ ብሰንኪ ዜሮ ትሕዝቶ ካሎሪን ዝያዳ ተፈጥሮኣዊ መበቆልን ከም ጥዕናዊ ኣማራጺ ሽኮር ተፈታዊ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ።

እቲ ቍምነገር

ስለዚ መመቀሪ ካብ ሽኮር ዝሓሸ ኣማራጺ ድዩ?

ብሓቂ ኣይኰነን። ምስ ሽኮር ክነጻጸሩ ከለዉ ውሑድ ካሎሪ ዝሓዙ እዮም፤ ግን ተመሳሳሊ ናይ ጥዕና ሓደጋታት ኣለዎም።

ሽኮር ይኵን ኣርቲፊሻል መመቀሪታት ቪታሚናት፡ ማዕድናት ወይ ፋይበር ዝሓዙ ኣይኰኑን፤ ምቁር ጣዕሚ ጥራይ እዮም ዝህቡ።

ስለዚ ንጥዕና ሽኮርን ኣርቲፊሻል መመቀሪ ከምኡ’ውን ዝተመስረሐ መግቢን ምንካይ ይምከር።

መብዛሕትና ካብቲ ዘድልየና ዝያዳ ዓይነት ሽኮር ኢና ንምገብ።

ውሑድ እምበር ዝያዳ ከምዘየድልየና ነስተብህል።