ኣብ ኣፍሪቃ ብህይወት ናይ ምንባር ዕድል ብ10 ዓመት ወሲኹ

ኣብ ኣፍሪቃ ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዕድል ካብቲ ዝነበሮ ናይ ዓሰርተ ዓመት ወሰኽ ከምዘርኣየ ተገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, WHO

Published

ኣብ ኣፍሪቃ ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዕድል ካብቲ ዝነበሮ ናይ ዓሰርተ ዓመት ወሰኽ ከምዘርኣየ ተገሊጹ።

ኣብቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ሰብ ብማእኸላይ 46 ዓመታት ይነብር ከምዝነበረ ዘመላኸተ ኮይኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን እቲ ቁጽሪ ብዓሰርተ ዓመት ወሲኹ ናብ 56 ዓመታት ክብ ከምዝበለ ኣፍሊጡ።

 ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ኣገልግሎት ጥዕና ብምዝርግሑ እቲ ለውጢ ከምዝተርኣየ ዝገለጸ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እንተኾነ ግን እቲ ለውጢ ምስ ናይ ዓለም ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ትሑት ከምዝኾነ ዕላዊ ገይሩ።

 ብደረጃ ዓለም ሓደ ሰብ ናይ ምንባር ዕድሉ ብማእኸላይ 64 ዓመት ከምዝኾነ ይንገር።

ናይ ሓደ ሰብ ብህይወት ናይ ምንባር ተኽእሎ ብዕድመ፣ ጾታን ሃገርን ተገምጊሙ ዝካየድ መጽናዕቲ’ዩ።  

ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ሓድሽ ዕላዊ ዝገበሮ መጽናዕቲ ኣብ 47 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ኮይኑ ካብ 2ሽሕ ክሳብ 2019 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

 እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተርኣየ ወሰኽ ብህይወት ናይ ምጽናሕ ተኽእሎ ካብ ካልኦት ክፋላት ዓለም ዝዓበየ ከምዝኾነ ዝሓበረ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እንተኾነ ግን እቲ ዕብየት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክጉተት ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።