እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሆንግ ኮንግ፡ 500 ሽሕ ናጻ ትኬታት ኣየር ንበጻሕቲ ሃገር ክትዕድል'ያ
ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተሃሰየ ኢንዳስትሪ ቱሪዝም ንምዕባይ ትጽዕር ዘላ ሆንግ ኮንግ፡ 254.8 ሚሊዮን ዶላር ዝዋግኦም 500 ሽሕ ትኬታት ኣየር ብናጻ ክህብ እየ ኢላ።
እታ ከተማ፡ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ብርክት ዝበሉ መምርሒታት ኮሮናቫይረስ ክለዓሉ ገይራ እያ።
ይኹን'ምበር፡ ቀንዲ መገዲታት ኣየር ዓቕሞም ናብቲ ቅድሚ ኮሮናቫይረስ ዝነበረ ኣገልግሎት ንምምላስ ይቃለሱ'ዮም ዘለው።
ብረቡዕ፡ ብሪጣኒያዊ መገዲ ኣየር ቨርጅን ኣትላንቲክ፡ ምስ ኲናት ዩክረይን ብዝተሓሓዝ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝህቦ ዝነበረ ኣገልግሎት ጠጠው ከም ዘብል ገሊጹ።
"ቀጻሊ ምዕጻው ክሊ ኣየር ሩስያ፡ ርኡይ ሕልኽላኻት ኣሰራርሓ ስለ ዘስዓበ፡ ኣብ መጋቢት 2023 ከምቲ ዝተወጠነሉ በረራታት ንከይቕጽሉ ምኽንያት ኰይኑ'ዩ" ኢሉ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ በዚ መገዲ ዝጉዓዙ ንዝነበሩ ዓማዊሉ ከምኡ'ውን ካብ መጋቢት 2023 ኣትሒዞም ክጉዓዙ ተመዝጊቦም [ቡክ ገይሮም] ንዝነበሩ ዓማዊል ይቕሬታ ሓቲቱ።
እቲ ብቢልየነር ሪቻርድ ብራንሰን ዝተመስረተ መገዲ ኣየር፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ'ዩ ናብ ሆንግ ኮንግ ዘካይዶም በረራታት ኣቋሪጹ።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር፡ ብዙሓት መገዲታት ኣየር በረራታቶም ጠጠው ከብሉ ወይ በቲ ከባቢ ዝግበር በረራ ንምውጋድ ዝነወሐ መገዲ ክወስዱ ኣገዲዱ'ዩ።
ዋና ዳይሬክተር ቦርድ ቱሪዝም ሆንግ ኮንግ ዳን ቼንግ ብወገኑ፡ "ክግበሩ ዘለዎም ምድላዋት ዝምልከት፡ ሰብ መዚ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኩባንያታት መገዲ ኣየር ክውድኡ'ዮም። ሓንሳእ መንግስቲ ንተጉዓዝቲ ውሽጢ ሃገር ዘቐመጦም እገዳታት ኮቪድ-19 ከም ዘልዕሎም ምስ ኣወጀ፡ ጐስጓሳት ናጻ ትኬት ኣየር ክንጅምር ኢና" ክብል ተዛሪቡ።
ንሱ ወሱኹ፡ እቶም ናጻ ትኬታት ኣብ እዋን ኮሮናቫይረስ መገዲ ኣየር ሆንግ ኮንግ ንምሕጋዝ ብዝብል ተዓዲጐም ዝነበሩ ምዃኖም ብምግላጽ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት [2023] ንተጉዓዝቲ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ክዕደሉ እዮም ኢሉ።
ክሳብ ቀረባ እዋናት፡ ሆንግ ኮንግ ንፖሊሲ 'ቻይና ዜሮ ኮቪድ' ክትክተል ብምጽንሓ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም እቲ ዝበርትዐ ሕግታት ኮሮናቫይረስ ዘለወን ከባቢታት ብምዃን'ያ ክትፍለጥ ጸኒሓ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መንግስቲ እታ ከተማ፡ ናብታ ከተማ ዝኣትው ተጉዓዝቲ ኣብ ሆቴል ክውሸቡ ወይ ካብ ኮቪድ ናጻ ምዃኖም ዘርኢ ናይ መርመራ ወረቐት ከርእዩ ከም ዘይግደዱ ገሊጹ ነይሩ።
ሕጂ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ሰባት፡ ንርእሶም ከጋጥም ካብ ዝኽእል መልከፍቲ ጥንቃቐ ክገብሩ ጥራይ እዩ ትጽቢት ዝግበረሎም።
እዚ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ካብን ናብን ሆንግ ኮንግ ትኬት ክዕድጉ ገይሩ።
ኣብ ትካል መጽናዕቲ ዕዳጋ ዩሮሞኒተር ኢንተርናሽናል ተንታኒት ዝኾነት ፕሩደንስ ላይ፡ ናጻ ትኬት ምሃብ፡ ሆንግ ኮንግ ህብብቲ ማእከል በጻሕቲ ሃገር እያ ዝብል ተፈላጥነት ብቕልጡፍ ንምርካብ ይሕግዝ እዩ ትብል።
ልዕሊ ፍርቂ ተጉዓዝቲ ውሽጢ ዓዲ ሆንግ ኮንግ ካብ ቻይና ዝመጽኡ እዮም።
ኣብ መጀመርታ ሸሞንተ ኣዋርሕ እዚ ዓመት፡ ሆንግ ኮንግ 184 ሽሕ በጻሕቲ ኣተኣናጊዳ። እዚ፡ ቅድሚ ኮሮናቫይረስ ምስ ዝነበረ ብዝሒ በጻሕቲ ዓዲ ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።
ኣብ 2019፡ 56 ሚሊዮን ሰባት ኣብታ ከተማ ምብጻሕ ገይሮም ነይሮም።