እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ኣደ ምስ ክልተ ደቃ ሓዊሱ 10 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሊባኖስ ዝፈጸሞቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ 10 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም። ካብቶም ዝተቐትሉ፡ ሓንቲ ኣደ ምስ ክልተ ደቃ ይርከብዎም።
ኣብ ከተማ ነባቲያ፡ ሶርያውያን ስደተኛታት ዝሰርሑሉን ዝሓድሩሉን ህንጻ፡ በቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዝተሃርመ ሚኒስተር ጥዕና ፊራስ ኣብያድ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ተወሳኺ ሓሙሽተ ሰባት ብኸቢድ ቆሲሎም ኣብ 'ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል' ሆስፒታል ከምዘለዉ’ውን እቲ ሚኒስተር ገሊፁ።
እስራኤል ብወገና፡ እቲ ህንጻ መኽዘን ኣጽዋር ሕዝቦላህ ምዃኑ ትገልጽ።
እስራኤል መኽዘን ኣጽዋር ሕዝቦላህ እዩ ዝበለቶ ህንጻ፡ ‘ብፍጹም መኽዘን ኣጽዋር ሕዝቦላህ ዘይኮነስ፡ ስደተኛታት ስራሕ ሓጺን ዘሳልጡሉን ዝሓድሩሉን ቦታ” ምዃኑ ዋናኡ ሑሴን ቶህማዝ ገሊጹ።
ነዚ ስዒቡ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህ፡ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ንዝርከብ ከባቢ ኪቡትስ ዒላማ ብምግባር ኣብ ክልተ ዙር፡ ሓያሎ ሮኬታት ናብ እስራኤል ወንጪፉ፡
ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኣብ ቀዳማይ ዙር መጥቃዕቲ ሕዝቦላህ ዝኾነ ሰብ ከምዘይተጎድአ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ካልኣይ ዙርያ መጥቃዕቲ ሮኬት ግን ክልተ ወተሃደራት ከምዝቖሰሉ ሓቢሩ።
እስራኤልን ሕዝቦላህን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ምንሕናሕ ዝኣተዉ ዀይኖም፡ ብፍላይ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ቤሩት ንሓደ ፍሉጥ ኣዛዚ ሂዝቦላህ ድሕሪ ምቕታላ፡ እቲ ጉጅለ ሕነ ክፈድየሉ መውዃኑ ምሕናዩ ዝዝከር እዩ።
መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ናስራላህ፡ ‘ነቲ ቅትለት ሕነ ክንፈዲ ምዃና ዘጠራጥር ኣይኮነን’ ኢሉ።
እዚ ኣብ መንጎ ሕዝቦላህን እስራኤልን ዘሎ ግጭት፡ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጋደደ ዝመጽአ ዀይኑ፣ ነቲ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ‘ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል’ ከይሃስዮ ይስጋእ።
ቀጠር፣ ግብጽን ኣመሪካን ኣብ ዶሃ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ስምምዕ ሰላም ንምፍራም ዓቢ ጻዕሪ ይገብራ ከምዘለዋ ይንገር።
እዚ ስምምዕ፡ ኢራን ናይቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ቴህራን ዝተቐትለ መራሒ ሓማስ እስማኤን ሃኒየ፡ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ንኸይትወስድ ኣገዳሲ ምዃኑ ይንገር።
ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሕነ ከይትፈዲ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝስማዕ ዘሎ ለበዋ ነጺጋቶ ኣላ።
እንተዀነ፡ ኢራን ከምኡ ትበል ‘ምበር፡ መጥቓዕቲ ሕነ-ምፍዳይ ዘደናጐየትሉ ምኽንያት፡ ብሰንኪ እቲ ስምምዕ ሰላም ከምዝዀነ ተንተንቲ ይገልጹ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ በቲ ውዕል ሰላም "ተስፋ" ከምዝሓደሮ ድሕሪ ምግላፁ፡ ሓማስ ኣብ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ እስራኤልን ቃዛን ኣመልኪቱ 'ዝግለፅ ዘሎ ምዕባለ' ምትላል ከምዝዀነ ገሊጽዎ።
ኣብ ቀጠር ብኣመሪካ ዝድገፍ ክልተ መዓልታት ዝወሰደ ዝርርብ ስዒቡ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብዓርቢ "ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ንሰላም ቀሪብና ኣለና" ምባሉ ዝዝከር እዩ።
ሚኒስተር ጥዕና ሊባኖስ ኣቢያድ፡ ‘እስራኤል ብዛዕባ ስምምዕ ሰላም ይኹን ህይወት ህዝቢ ኣይግድሳን እዩ’ ክበል ከሲሱ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

