ሱዳን፡ 'ደጊም ምንባረይ ከንቱ’ዩ ዝበልኩሉ ህሞትዩ' ዶ/ር ማርታ ስዩም

ምንጪ ስእሊ, ዶ/ር ማርታ ስዩም
ዶክተር ማርታ ስዩም ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ናይ ሕርስን ጥንስን ማህጸንን ኪኢላ እያ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰማእታት ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ዛዚማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኬሚስትሪ ከተጽንዕ ጀመረት።
ይኹን እምበር ክልተ ዓመት ምስ ተማህረት፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታ ከተጽንዕ ዕድል ስለዝረኸበት ነቲ ሽዱሽተ ዓመታት ዝወስድ ሞያ ሕክምና ኣሃዱ ኢላ ፈለመቶ።
ካብ ስድራ ቤታን መቕርባን ‘ እንታይ ገዲሱኩኪ ብሕጂ ሽዱሽተ ዓመት ትማሃሪ፡ ክልተ ዓመት ወሲኽኪ በቲ ዝጀመርክዮ ዓውዲ ዘይትውድኢ?” ዝብል ብሓልዮት ዘበገሶ ማዕዳታት እኳ እንተተዋህባ፡ ንሳ ግን ቖሪጻ ስለዝወሰነት፡ ኣብ 2011ዓ/ም ብዓውደ ሕክምና ከም ሓፈሻዊ ሓኪም ተመረቐት።
ኣብ ከተማ መንደፈራ ክልተ ዓመት ሰሪሓ ናብ ኣስመራ ምስተቐየረት ብሞያ ሕርስን ጥንስን ስፐሻላይዝ ንክትገብር ተወሳኺ ትምህርቲ ጀመረት ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ሰለስተ ዓመት ምስተማህሩ እቲ ዝነበረ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ዝለዝተቛረጸ ኣይዛዘመቶን።
ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ክትሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ኣብ መወዳእታ 2018 ትምህርታ ናይ ምቕጻል ሕልማ ዘግህድ ዕድል ረኸበት። ንሳን ካልኦትን ኣብ ዝገበሩዎ ፈተና ልዑል ውጽኢት ስለዘምጸአት ምስ ዕዉታት ብጾታ በበዓውዶም ንዝለዓለ ማህደረ ትምህርቲ ናብ ሱዳን ኣምርሑ።
ዶክተር ማርታ ኣብቲ እዋን በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ቖልዑን ብምንባራ ህጻውንቲ ሒዛ ንክትምሃር ክትከይድ እንከላ ኣዝዩ ከቢድ ነይሩ።
ይኹን እምበር እቲ ወትሩ ኣብ ጎና ብምዃን ዝድግፋ በዓል ቤታ ምስኣ ንሱዳን ስለዝተጓዕዘ ነቲ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ትምህርቲ ብዓወት ዛዚማ፡ ብመጋቢት 2023 ኪኢላ ሕርስን ጥንስን ማህጸንን ብምዃን ራኢኣ ጨበጠቶ።
ትምህርታ ምስ ዛዘመት፡ ን10 መዓልታት ዕረፍቲ ናብ ኤርትራ መጽአት። ኣውድኣመት ምስ ስድራ ቤታ አሕሊፋ ንክትምለስ ሳልስቲ ምስ ተረፋ፡ ብ 15 ሚያዝያ ኵናት ሓድሕድ ሱዳን ተጀሚሩ፡ ካርቱም ዓውደ ውግእ ኰነት።

ምንጪ ስእሊ, ማርታ
ኣብታ ንኣርባዕተ ዓመት ዝተማህረትላ ሱዳን፡ ሰለስተ ደቃን በዓል ቤታን ሓዋን ገዲፋ ዝመጸት ማርታ እቲ ወረ ንዓኣን ስድራኣን ኣዝዩ ኣሰንበዶም።
“ኩሉ ነገር ርጉእ እንከሎ፡ እየ ንስድራይ ክበጽሕ ንኣስመራ መጺአ። ኣብ ሰሙነይ ድማ እታ ሃገር ሃንደበት ብውግእ ተሓሚሳ። እቲ ወረ ምስ ሰማዕኩ ብድሕነት ደቀይን ሓዳረይን ከብደይ ሓቚፈ፡ ‘ ኦሮሞይ ህይወተይ ከሲረያ!’ ኢለ” ክትብል ሽዑ ዝተሰምዓ ፍርሒ ትገልጽ።
እቲ ውግእ ኣብቲ ትነብረሉን ዝነበረት፡ ደቃን ሓዳራን ዝገደፈትሉ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ይካየድ ስለዝነበረ ስድራይ ብህይወቶም ክወጽኡ ድዩም ክጠፍኡ ዝብል ሻቕሎት ነይሩዋ።
“ኣብ ኣስመራ ክቐስን ስለዘይከኣልኩ ናብ ኣርባዕታ ዓሸር ከይደ ተጸቢየዮም። ምስ ረኸብኩዎም፡ እናረኣኹዎም ክኣምን ኣይክኣልኩን። እግዚኣብሄር ዑቕባ ሂቡና ብድሓን ወጺኦም ንኤርትራ ኣቲና''።
ስድርኣ ንኣርባዕተ ዓመት ቀሲኖም ካብ ዝነበሩላ ሃገር ቅያር ክዳን ከይሓዙ ጥራሕ ኢዶም እኳ እንተወጽኡ፡ እምበርዶ ዳግማይ ክንራኸብ ኢና ዝብል ክቱር ሻቕሎት ስለዝነበራ ብህይወቶም ብምምጽኦም ኣዝያ እያ ተሓጒሳ።
ይኹን እምበር ኩሉ ዝነበራ ትሕዝቶ ኣብ ካርቱም ስለዝተረፈ፡ ከም ብሓድሽ “ሀ” ኢላ ህይወት ክትጅምር ነይሩዋ። ሓዲሽ ናብራ ምጅማር ርእሱ ዝኸኣለ ስነ ኣእምሮኣዊ ፋይናንሳዊ ጸገማት እኳ እንተለዎ ህይወት ክትቅጽል ስለዘለዋ፡ ምስ ስድራ ቤታ ዳግማይ ናብ ዩጋንዳ ናብ ስደት ኣምርሐት።
ዶክቶር ማርታ፡ ነቲ ዘጋጠማ በሰላን ስንባደን፡ ‘ቀስ ብቐስ ዝሃስስ እምበር ቀልጢፉ ዝርሳዕ ኣይኮነን ብምባል ክብደቱ ተረድእ።
“እቲ ካብ ሓደ ሃገር ናይ ሓደ ሃገር ኬይደ ዘካዕበትኹዎ ፍልጠትን ትምህርትን ሓዲሽ ህይወት ክጅምር ሓይሊ ስለዝኾነኒ ሕጉስቲ እየ” ትብል።
ክገብር’የ ዝበለ መገዲ ስለዘይስእን ከኣ ምስ ክልተ መሻርኽታ ኬይና፡ ኣብ ዩጋንዳ፡ ካምፓላ፡ ሬድሲ (red sea specialized medical service) ዝበሃል ሕክምና ከፊታ፡ ናይ ማህጸን፡ ጥንስን ሕርስን ከምኡ እውን ናይ ውሽጣዊ ሕማማት ኣገልግሎት ይህቡ ኣለው።
ዝበዝሑ ተጠቀምቲ ኤርትራውያን እኳ እንተኾኑ፣ ዩጋንዳውያን፣ሶማላውያንን ሱዳንውያንን ካሎኦት ዜጋታትንን እውን ኣብቲ ሕክምና ይግልገሉ እዮም።
“ብዘይካ ሬድሲ፡ ብኤርትራውያን ሓካይም ዝመሓደራ ሕክምናታት እውን ኣለዋ። ኣብ ዩጋንዳ ብዝሒ ስደተኛ ይውስኽ ስለዘሎ ከኣ ብፍላይ እቲ ኤርትራዊ ብዝፈልጦ ቋንቋን ክኢላታትን ይጥቀም ኣሎ” ትብል።
ህይወት ብዙሕ ብደሆታት ኣለዋ። ብፍላይ ንደቀንስትዮ ከኣ ሕርስን ጥንስን፡ ናይ ምዕባይ ህጻናት ሓላፍነት እውን ስለዝስከማ፡ ናይ መጻምድተንን ስድራ ቤተንን ደገፍን ሓገዝን እንተዘይረኸቢን እቲ ድርብ ዕማም ክብርተዐን ይኽእል እዩ። ማርታ ግን በዓል ቤታን ስድራ ቤታን ስለዝተሓጋገዙዋ ንኹሉ ኣብ ህይወት ዘጋጠማ ውግእ ዘስዓቦ ምምዝባል መኪታ ሕልምታታ ተተግብር ኣላ።
“ኣዝዩ ከቢድን በብመድረኹ ዝሕለፍ ዝነበረ ብድሆታትን እኳ እንነበረ ኣብ መንጎ ስድራይን ደጋፊ በዓል ቤተይን ኮይነ ሰጊረዮ” ከኣ ትብል።
እቲ ናይ ትምህርቲ ግዜ ምስ ነውሐ፡ ወለዳ ካብ ሓልዮት ዝነቅል፡ “ መዓስ ኢኺ ትምህርትኺ ወዲእኪ ትምርዓዊ” እናበሉ ይሓታቱዋ እኳ እንተነበሩ፡ ጓሎም በቲ እትደልዮ ናይ ትምህርቲ ዓውዲ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሓ፣ ሓዳር ጌራ፡ ሰለስተ ቖልዑ ወሊዳ ክርእይዋ እንከለዉ ሓበን ከምዝስመዖም ትዛረብ።
‘ዝገበርካሎም ዘይብልካ፡ ብዓወታትካ ኣዝዩም ተሓጒሶም ኮሪዖም ክትሪኦም እንከላኻ ዕጋበት ይስመዓካ” ክትብል በዓል ቤታን ስድራኣን ዓንዲ ሕቖኣ ምዃኖም ትገልጽ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
