እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዝጸንሐ ብርሃነ ገብረገርግስ ተፈቲሑ
ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዝጸንሐ ብርሃነ ገብረገርግስ ከም ዝተፈትሐ ሰብመዚ ፖሊስ ክልል ትግራይ ሓቢሮም።
እቲ ፍሉጥ ነጣፊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዀነ ሰብ፡ ካብቲ ተታሒዝሉ ዝጸንሐ ጣብያ ፖሊስ ወጺኡ ናብ ገዛኡ ከም ዘምርሐ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንብርሃነ ናብ ፈደራል መንግስቲ 'ኣሕሊፉ ክህቦ እዩ' ኢሎም ዝጠርጠሩ ኣባላት ሰራዊት ኣርሚ 22 ንጣብያ ፖሊስ ዓይደር ከቢቦም ብቐረባ ክከታተሉዎ ከም ዝወዓሉ ጸብጻባት ካብ ከተማ መቐለ ገሊጾም።
በቲ ኵነታት ዝሰግአ ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ንብርሃነ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ከም ዝፈትሖ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ'ሎ።
'ሰብ ዝሰኣነ ሰብ' ብዝብል ዝፍለጥ ነጣፊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብርሃነ ገብረገርግስ ብረቡዕ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ኮምሽነር ፖሊስ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ማእሰርቲ ብትእዛዝ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተወስደ ምዃኑ'ውን ፖሊስ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ'ዩ።
ስለምንታይ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ከም ዝተደልየ ግን ክሳዕ ሎሚ ዝተነጸረ ነገር የሎን።
ይዅን'ምበር ምስ ኤርትራውያን ርክብ ንምግባር "ውልቃዊ" ተበግሶ ምውሳዱ ከዘራረብ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሰብመዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ሎሚ ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ፡ "ዕላማን ስትራተጂን ስልትን ዘይፍለጥ ዝዀነ ዓይነት ደጋዊ ርክባት ምግባር፡" ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ሓቢሮም ኣለዉ።
"ምስ መንግስቲ ፈደራል ጥራሕ ዘይኰነስ ምስ ዝዀነ ሓይሊ ኣፈላላያትና ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ንምፍታሕ ዝከኣል ኵሉ ፃዕሪ ምግባር ግቡእ እዩ፡" ኢሎም።
ቀጺሎም፡ "ይዅን እምበር ካብዚ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ መትከልን እምነትን ወፃእ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘይፈልጦ፣ ዝተሓንገጦ ዕላማን ስትራተጂን ስልትን ዘይፍለጥ ዝዀነ ዓይነት ደጋዊ ርክባት ምግባር ኣይትኽክልን ጥራሕ እንተይኰነስ መንግስቲ ኣልባ ኴንና ፋሉልነት ክነግስ ትግራይ ሓደ ማእኸል ከይህሉዋ ዝገብር ሓደገኛ ተግባር እዩ።
"ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይዅን ኵነታት ተቐባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ፡" ይብል እቲ ቢሮ ጉዳያት ኮምዩኒከይሽን ዘውጽኦ መግለጺ።
ብረቡዕ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሩዎ፡ ካብ ፖሊስ ኮምሽን ዝተላእኩ ኣባላት ንብርሃነ ካብ መንበሪ ገዛኡ እዮም ወሲዶምዎ ነይሮም።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ፖሊስ ከተማ መቐለ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ውልቀሰብ ዘነጻጸረ፡ "መጥቃዕቲ ቦምባ ፈጺሞም፡" ኢሉ ዝጠርጠሮም ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ።
ቢቢሲ ንኮምሽነር ጀነራል ሃብቱ ምካኤል ሓቲቱ ከም ዘረጋገጾ፡ ብርሃነ ገብረገርግስ ብግዝያዊ ምምሕዳር እዩ ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ኮምሽነር ፖሊስ ጀነራል ሃብቱ፡ "ጉዳዩ ይፃረ ኣሎ፤ ሕጊ ብዝፈቕዶ ኣካይዳ ደማ ናብ ቤትፍርዲ ክቐርብ እዩ፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
"ካብዚ ወፃኢ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝቐርብ ዘሎ ሰባት ከከም ድልየቶም ዝብትኑዎ ሓበሬታ ሓቃዊ መሰረት የብሉን፡" እውን ብምባል ኣተሓሳሲቡ።
ብዛዕባ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝምልከት ዝተፈላለየ ርእይቶታት ክወሃብ ዝቐነየ ኰይኑ፡ ይጻረ ምህላዉን እቲ ተኣሲርሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ድማ ምስቲ ዝተባህለ ፈተነ ከም ዘይተኣሳሰርን ካብ ኮምሽን ፖሊስ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ቅድም ክብል 'ልፍዓተይ ተስፋ' ከምኡ'ውን ኣብ ቀረባ እዋን፡ 'ሰብ ዝሰኣነ ሰብ' ብዝብል ኣስማት ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝፍለጥ ነጣፊ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ማሕበራዊ መራኸቢታት ቀሪቡ ብዝህቦ ርእይቶታት ኣካታዓይ ኰይኑ ዝጸንሐ ሰብ እዩ።
ፖሊስ፡ ነቲ ጉዳይ ኣብ ምምርማር ከም ዝርከብ ብምግላጽ፡ ሕጂ'ውን ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ'ሎ።
ብርሃነ'ውን ብወገኑ፡ ፖሊስ ምርመራ ኣጻፊፉ ቅድሚ ምውድኡ ቃለመሕትት እንተ ዘይህብ ከም ዝምረጽ ብፖሊስ ንዝተወሃቦ ሓበሬታ ተደሪኹ መብርሂ ካብ ምሃብ ከም ዝተቘጠበ፡ ቅድሚ ምእሳሩ ንቢቢሲ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ቢቢሲ ካብ ምስክር ዓይኒ ዝረኸቦ ተወሳኺ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ግን፡ እቲ መጥቃዕቲ፡ እቲ ውልቀሰብ ናብ ገዛኡ ምስ ኣተወ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ እዩ ተፈጺሙ።
ካብ ደገ ቤቱ ዝተተኰሰ ሸውዓተ ጠያይቲ ሽጉጥ ኣብቲ ካብ ላሜራ ዝተሰርሐ ማዕጾን ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛ ድማ ኣብ መንደቕን ኣብ ጥስትን ይረአ።
እታ ዝተወቐዐት ክፍሊ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ብርሃነ ዝኣትወላን ዝወጽኣላን ዝነበረት ምዃና እውን እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ህወሓት ንዝተፈጠረ ምክፍፋል ስዒቡ፡ ኣብታ ክልል ፖለቲካውን ጸጥታውን ስግኣታት ተፈጢሩ ከም ዘሎ ይግለጽ።
ብዛይካ'ዚ ኣብ መንጎ'ቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ስቱር ዝምድናታት ይካየድ ከም ዘሎ ብሰፊሑ ክግለጽ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ብርሃነ ነቲ ዝምድና ዝምልከት መርገጺኡ ዘንጸባርቕ ተደጋጋሚ ቃለመሕትታት ከካይድ ተሰሚዑ እዩ።