ግምታት ፕሪሜርሊግ፡ ኣብዚ ቀዳመ- ሰንበት ዝካየድ ግጥማት

ዘርኪዚን መሓመድ ሳላሕን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን'ዚ ክልተ ጎባልል ሆላንዳውያን ኣሰልጠንቲ ፕሪሜርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ ንፈለማ እዋን ክራኸቡ'ዮም።

ሰንበት፡ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል ኣርነ ስሎት 'ቀያሕቲ' ጋንትኡ ብምሓዝ ናብታ ብኤሪክ ተን-ሃግ ትምራሕ ማንቸስተር ዩናይትድ ከምርሕ'ዩ።

ኣብቲ ኣብ ሜዳ ኦልድትራፈርድ ዝካየድ ቅልስ መን ተዓዊቱ ክወጽእ'ዩ ዝብል ሕቶ ኣቓልቦ ስሒቡ'ሎ።

"ማዕረ ክወጹ'ዮም ዝብል ግምት ንጹር ይመስለኒ" ይብል ተንታኒ ስፖርት ቢቢሲ ክሪስ ሳተን።

"ግና፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓቢ ግጥም ኣብ ሓጹር ደው ኢለ ማዕረ ክወጹ'ዮም ክብል ኣይክእልን'የ"።

ሳተን፡ ኣብዚ ዓመተ-ውድድር ናይ ዝህሉ 380 ጠቕላላ ግጥማት ክለባት ፕሪሜርሊግ ግምታት ክብህብ'ዩ፡ ካልኦት ኣጋይሽ ቢቢሲ ስፖርት ምስ ዝህብዎ ግምታት ድማ ክወዳደር'ዩ።

ኣብዚ ሳልሳይ ሰሙን፡ ምስ ሓደ ፍሉጥ ሙዚቀኛን ደጋፊ ሊቨርፑልን ዝኾነ ኣዳም ኤፍ. ምስ ዝህቦ ግምታት ገጢሙ'ሎ።

ምስ ግምታቶም ትሰማምዑዶ ትኾኑ?

ኣዳም ኤፍ

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

መግለጺ ስእሊ, ደጋፊ ሊቨርፑል ሙዚቀኛ ኣዳም ኤፍ

ኣዳም ፈንተን መዋእሉ ደጋፊ ሊቨርፑል ዝነበረ'ዩ።

"ዋላ'ኳ ናይ ደቡብ ልሳን እንተለኒ፡ ኣብ ከተማ ሊቨርፑል'የ ተወሊደ ዓብየ" ክብል ንቢቢሲ ስፖርት ተዛሪቡ።

"ቢትልስ [ውሩያት እንግሊዛውያን ባንድ) ኣብ ናይ ኣደይ ገዛ'ዮም ዓብዮም- ምስ ፖል ማካርቲን ጆርጅ ሃሪሰንን ትወጽእ ነይራ፣ ዋላ'ኳ ኣብ ሓደ እዋን እንተዘይነበረ። ሮሪ ስቶርም (ኣባል ባን 'ዘ ሀረኬንስ) እውን ኣኮይ'ዩ።

"ብድሕሪኡ ንኣልቪን ስታርዳስት ምስተመርዓወት ንደቡብ ግዒዝና። ቀይሕ ደጋፊ ምዃነይ ግን ኣይተቐየረን" ።

ድሕሪ የርገን ክሎፕ ኣብ ክለብ ሊቨርፑል ሓድሽ መዋእል ጀሚሩ'ሎ። ሓድሽ ኣሰልጣኒ ኣርነ ስሎት ቀልጢፉ ምስ ኲዕሶ እግሪ ዓዲ-እንግሊዝ ክሳነ ድማ ኣዳም ተስፋ ይገብር።

"ክሎፕ ዓቢ ተቐባልነትን ዝነበሮን ዓወታት ዝተጓናጸፈን'ዩ ነይሩ፡ ንዝኾነ ኣብታ ክለብ 9 ዓመታት ዝገበረ ቀልጢፍካ ክትክኦ ከቢድ'ዩ" ድማ ይብል።

"ብዛዕባ ስሎት ዘለኒ ስምዒት፡ ኣብ ቴክኒክ ኣዝዩ ንፉዕ'ዩ። ካብ ክሎፕ ንላዕሊ'ውን ዝበልሐ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ብፍላይ ዘለዎ ዕቱብ ናይ ሰባት ኣተሓሕዛ፡።

ነቶም ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝመጹ ሆላንዳውያን ኣሰልጠንቲ ዘጋጥሞም ብድሆታት ኣብ ግምት ብምእታው ዝዛረብ ኣዳም፡ ስሎት ካብኦም ፍልይ ዝበለ ዕጫ ከጋጥሞ'ዩ ዝትስፎ።

"ግና ኣብዚ ዓመተ-ውድድር ዋንጫ ክንዓትር ምጽባይ፡ ስስዐ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ማንቸስተር ሲቲ ክሳብ ክንደይ ሓያላት ምዃኖም ንፈልጥ ኢና፡ ኣርሰናል'ውን እናተመሓየሹ'ዮም ዝኸዱ ዘለዉ"።

ኣዳም ኣብ ኩለን እተን ግጥማት ዘለዎ ግምታትን መግለጺታትን ንከታተል. . .

ኣርሰናል - ብራይተን

ኣርማ ኣርሰናልን ብራይተንን

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣስቶን ቪላ ኣብ ሜዳኣ ዝሰዓረት ኣርሰናል መርኣያ ዘለዎም ሃቐና'ዩ ነይሩ። ቪላ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ-ውድድር ክልተ ግዜ ስዒራታ ነይራ'ያ።

ክልቲአን ጋንታታት ዝሓለፈ ክልተ ግጥማተን ብምስዓር ዕዉት ጉዕዞ ዝፈላማ'የን። ኣሰልጣኒ ፋቢያን ሃርዘለር ዝመርሓ ጋንታ ብራይተን ትጉሃትን ተባዓትን ኮይኖም፡ ምክልኻሎም ደሪዖም'ዮም ዝጻወቱ።

ኣርሰናል፡ ኣብ ሜዳኦም (ኤሜረትስ) ግን፡ ነዚኣስ ዝዕወቱላ'ዩ ዝመስለኒ።

ግምታት ሳተን፡ ኣርሰናል 2 - 0 ክትስዕርያ

ኣዳም ኤፍ፡ 2 - 1

ዌስትሃም - ማን ሲቲ

ኣርማ ዌስትሃምን ማን ሲቲን

ንማን ሲቲ ደው ዘብሎም ዘሎ ኣይመስለንን፡ ኣብ ልዕሊ ጋንታታትን ግጥማትን ዘለዎም ዓብላልነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነዛ ናይ ሰንበት ጸወታ ክዕወቱላ'ዮም ዝብል ግምት'ዩ ዘለኒ።

ኣብ ሜዳኦም ዝጻወቱ ዌስትሃም'ውን ሸቶ ከመዝግቡ'ዮም፡ ግና ማን ሲቲ ዝያደ ከቑጽሩ'ዮም።

ሳተን፡ 1-3

ኣዳም፡ 1-3

ቸልሲ - ክሪስታል ፓላስ

ኣርማ ቸልሲን ፓላስን

ደቡብ ለንደናዊት ክለብ ክሪስታል ፓላስ'ውን ዳርጋ ሓድሽ ኣሰልጣኒ'ዩ ዘለዋ። ኦሊቨር ግሌስነር ዝኽተሎ ማራኺ ቅዲ ጸወታ'ውን ብዙሕ ዝተዘርበሉ'ዩ።

እታ ካብ ቅልውላው ዘይትርሕቕን ብተጻወቲ ዝዘቕበበትን ክለብ ቸልሲ'ውን ብቐሊሉ ትናዓቕ ኣይኮነትን። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኖኒ ማዱከን ኮል ፓልመርን ዘርኣይዎ ሽርክነት ተስፋ ዝህብ'ዩ።

ፓላስ ጸወታ ከግፍሑ ክፍትኑ'ዮም፡ ግና ካብ ቁጽጽር ቸልሲ ዝወጽእ ኣይክኸውንን'ዩ።

ሳተን፡ 2 - 1

ኣዳም፡ 1 - 1

ኒውካስል - ቶተንሃም

ኣርማ ኒውካስልን ቶተንሃምን

ብኤዲ ሃወ ትምራሕ ጋንታ ኒውካስል ገና ከምቲ ዝድለ ኣይሰጠመትን ዘላ። እቲ ኣሰልጣኒ ዝተረጋግአ ኣይመስለንን፡ ምኽንያቱ ዘድልይዎ ተጻወትቲ ኣይረኸበን'የ ዝብል።

ብኣንጻሩ፡ ስፐርስ ኣንጻር ኤቨርተን ዘርኣይዎ ጸወታ ዝንኣድ'ዩ ነይሩ። ስለዚ ሸቶታት ክህሉ'ዩ ዝብል እምነት'ዩ ዘለኒ፡ ከመይ ገይሩ ዘይህሉ. . .

እንተኾነ ግን ከምዚ ናይ ኩዕሶ መርበብ ርሱን ግጥም'ዩ ክኸውን። ኣነ ግን ስፐርስ ክዕወቱ'ዮም እየ ዝብል።

ሳተን፡ 2 - 3

ኣዳም 1 - 3

ማንቸስተር ዩናይትድ - ሊቨርፑል

ኤሪክ ተን-ሃግ (ጸጋም)፡ ኣርነ ስሎት (የማን)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ-ውድድር ማን ዩናይትድ ብዝተፈላለየ መልክዕ በሊጾሞም ምንባሮም ምዝካር ከድሊ'ዩ። ዋንጫ ኤፍ-ኤ ተዓዊቶም'ዮም። ብኸመይ ክዕወቱ ከምዝኸኣሉ ግን ርእስኻ ክትሓክኽ ዝገብር'ዩ።

ሊቨርፑል ኣብ ትሕቲ ስሎት ከምቲ ኣብ ዘመነ ክሎፕ 'ተሪር ሓጺን' (ሄቪ ሜታል) ኣይኮኑን።

ዝኾነ ምስ ዩናይትድ ዝተሓሓዝ ዝገበርኩዎ ግምታት ጌጋ ኮይኑ ስለዝረኽቦ፡ ንዩናይትድ ክግምቶም ኣይክእልን'የ።

ዝኾነ ኮይኑ ግን ሊቨርፑል ክስዕሩ'ዮም ክብል. . .

ሳተን፡ 1 - 2

ኣዳም 1-2

ግምታት ካልኦት ግጥማት

ኖቲንግሃም ፎረስት ኣንጻር ዎልቭስ ኣብ እተካይዶ ግጥም ሳተን 0 - 0 ክውድኡ'ዮም ክብል እንከሎ፡ ኣዳም ግን ፎረስት ኣብ ሜዳኣ 1 - 0 ክትስዕር'ያ ይብል።

ለስተር ኣብ ሜዳኣ ኣንጻር ኣስቶን ቪላ እተካይዶ ግጥም ብዓይኒ ሳተን 1 - 3 ክትዕወት'ያ። ኣዳም ግን እቲ ጸወታ 1 - 2 ብዓወት ቪላ ክዛዘም'ዩ ብሃላይ'ዩ።

ድሕሪ ሓያለ ዓመታት ናብ ፕሪሜርሊግ ዝደየበት ኢፕስዊች ምስ ፉልሃም ዘካይድኦ ግጥም 1 - 1 ጸወታ ክዛዘም ትንቢተ ሳተን ኣሚቱ'ሎ። ናብ ፉልሃም ዝዛወ ኣዳም ግን 1 - 2 ክዛዘም'ዩ ይብል።

ኤቨርተን'ውን ኣብ ሜዳኣ ምስ ቦርንምዝ ክትራኸብ'ያ። ኣብዚ'ውን ሳተንን ኣዳምን ዝተሰማምዑ'ዮም ዝመስሉ፡ 1 - 1 ነገራት ክድቅስ ግምቶም ሂቦም ኣለዉ።

ሳተን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ 10 ግጥማት ዝሃቦ ግምት፡ ኣብ ሽዱሽተ ትንቢቱ ሰሚሩሉ ነይሩ። መቐናቕንቱ ዝነበሩ ዕዱማት ክላራ ኣምፎን ጆርዳን ስቲፈንስን'ውን ተመሳሳሊ ውጽኢት ረኺቦም ነይሮም፡ ዋላ'ኳ ኣብ ሸቶታት እንተ ተፈላለዩ።