እስራኤል ብዝተጠርጠረትሉ ኣብ ሊባኖስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሕዝቦላህ ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, HEZBOLLAH MEDIA OFFICE
ሊባኖሳዊ ጕጅለ ሕዝቦላህ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር፡ ብእስራኤል ከምዝተፈጸመ ብዝእመን መጥቃዕቲ ካብ ኣዘዝቱ ሓደ ከምዝተቐተለ ኣፍሊጡ።
ኣባል ናይቲ ብ ሬድዋን ዝፍለጥ ፍሉይ ሓይሊ ከምዝነበረ ዝተገለጸ ዋሲም ጠዊል፡ ኣብቲ ኣብዚ እዋን ዝካየድ ዘሎ ጐንጺ ካብ ዝተቐተሉ ፍሉጣት ኣባላት ሕዝቦላህ ሓደ እዩ።
ኣብ ቅትለት እቲ ኣዛዚ መግለጺ ዘይሃበ ሰራዊት እስራኤል፡ ከም ግብረመልሲ ዶብ ኣቋሪጹ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግን ዒላማታት ሕዝቦላህ ወቒዐ ኢሉ።
እቶም ግጭታት ዞባዊ ኲናት ከየስዕቡ ስግአት ፈጢሩ ኣሎ።
ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህ ኣብ ሊባኖስ ገዚፍ ወተሃራውን ፖለቲካውን ጽልዋ ዘለዎ ጕጅለ እዩ። እስራኤል፡ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ብግብረሽበራ በዪነናኦ።
ብ 7 ጥቅምቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጤማዊ ጕጅለ ሓማስን ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ዕጡቓት እቲ ጕጅለ ኣብ ዶባት እተን ሃገራት ዳርጋ መዓልታዊ ምስ ሰራዊት እስራኤል ተዅሲ ይለዋወጡ ኣለዉ።
ሃገራዊት ተሌቪዥን ሊባኖስ፡ ትማሊ ሰኑይ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መኪና ብዝፈጸመቶ ደብዳብ ኣየር ክልተ ሽሞም ዘይተገለጸ ሰባት ከምዝተቐተሉ ጸብጺባ።
ኣብቲ ከባቢ ዝተወሰዱ ምስሊታት ድማ ኣብ ጐድኒ እቲ ጽርግያ ዝተቓጸለት መኪና የርእዩ።
ምንጪታት ድሕነት ሕዝቦላህ፡ ካብቶም ዝተቐተሉ ሓደ ዋሲም ጠዊል ከምዝዀነን እቲ ካልኣይ እውን ናይቲ ጕጅለ ወታሃደር ከምዝነበረን ሓቢሮም።
ጠዊል ኣብ ፍሉይ ሓይሊ ሬድዋን ምክትል ኣዛዚ ሓንቲ ኣሃዱ ከምዝነበረ ሰለስተ ምንጪታት ንሮይተርስ ገሊጾም።
ኤኤፍፒ ዝጠቐሶ ካልእ ምንጪ ድማ ጠዊል "ሕዝቦላህ ኣብ ደቡብ ኣብ ዘካይዶም ወፍሪታት ናይ መሪሕነት ተራ ዝነበሮ እዩ" ኢሉ።
ጸኒሑ ሞት ጠዊል ዘረጋገጸ ሕዝቦላህ ድማ "ኣዛዚ" ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ግዳይ ብዛዕባ ኣብ ሕዝቦላህ ዝነበሮ ተራ ብዝርዝር ዘይሓበረ እቲ መግለጺ፡ ምስ መራሒ እቲ ጕጅለ ሓሰን ነስረላህ ኢድ ንኢድ ተጨባቢጡን ኣብ ጐድኒ እቲ ብኣመሪካ ዝተቐተለ ኢራናዊ ጀነራል ቃሲም ሱለማኒ ደው ኢሉን ዘርእይ ስእሊ ዘርጊሑ።
እቲ ጕጅለ ሓይልታቱ ናብቶም ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ዝርከቡ ሰራዊት እስራኤል ከምዝተኮሱ እውን ሓቢሩ።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብዛዕባ እቲ ሞት ጠዊል ኣመልኪቱ ኣብ ናይ ወጻኢ ሚድያ ዝተወሃበ ሓበሬታ ምላሽ ኣይንህብን ኢሉ።
ድሕሪ'ቲ እቲ መጥቃዕቲ ግን ኣብ ግዝኣት ሊባኖስ ኣብ ዝርከቡ ብዙሓት ዒላማታት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ገሊጹ ነይሩ።
"ብተወሳኺ ነፈርቲ ውግእ እስራኤል፡ ግብረሽበራውያን ሕዝቦላህ ዝንቀሳቐሱሉ ወታሃደራዊ ማእከላት ሓዊሱ፡ ኣብ ሊባኖስ ብዙሓት ዒላማታት ሕዝቦላህ ደብዲበን" ክብል ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ዋና ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል፡ ዕጡቓት ሕዝቦላህ ካብ ዶባት ክርሕቑ ንምግባር ኣብ ልዕሊ መሳለጥያታቶም ከበድቲ መጥቃዕቲታ ከምዝፈጸሙ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተኻየዱ ዶብ ሰገር ጐንጺታት ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ዕጡቓት ሕዝቦላህ እንትቕተሉ ብወገን እስራኤል እውን ጉድኣት በጺሑ።
ዛጊት ግን እቲ ጕጅለ ናብ ምሉእ ኲናት ዘእቱ መጥቃዕቲ ካብ ምፍጻም ተቘጢቡ ኣሎ።
እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እውን ኣብ በይሩት ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ንምክትል ኣዛዚ ሓማስ ሳልሕ ኣልኣሮሪ ምቕታላ ዝዝከር እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
