ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ነታጒ ኣብ ልዕሊ ህፃናት ጉድኣት ኣብፂሑ

ጉድኣት ዝበፅሖ ህፃን ኣብ ሆስፒታል

ምንጪ ስእሊ, KIDANEMARIAM BIRHANE

Published

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ነታጒ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ህጻውንቲ ጉድኣት ከምዝበጽሐ ኣባላት ስድራን ሓለፍቲ እቲ ከባብን ንቢቢሲ ገሊጾም።

ኣብታ ከተማ ቀበሌ 01 ኣብ ጥቓ ሓደ ቤት ት/ቲ፡ እቲ ከይተተተኮሰ ዝጸንሐ ነትጒ ተፈንጂሩ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ህጻናት ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ከምዘብጸሐ ኣቦ ሓደ ካብቶም ጉድኣት ዝበጽሖም ህጻውንቲ መምህር ተኽለ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

መምህር ተኽለ ከምዝበሎ፡ እቲ ተጓንፎ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ከባቢሰዓት ዓሰርተ ሓደ ናይ ምሸት ዘጋጠመ ዀይኑ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ወዱ ኣዶናይ ተኽለ ነቲ ነታጒ ምስ ተናኸፎ እዩ ክፍንጀር ክኢሉ።

እቶም ቆልዑ ወዲ ሓሙሽተ፣ ወዲ ክልተ ዓመትን ወዲ ሸውዓተን ዝርክብዎም ኰይኖም ኣብ ልዕሊ እቲ ነቲ ነታጒ ዝተናኸፈ ህጻን ኣዶናይ ተኽለ፡ ኣብ ኣካላቱ ከቢድ መጉዳእቲ ከምዝበጽሐ ካብ ወላዲኡ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

“እቲ ወዲ 5 ዓመት ወደይ እዩ ነቲ ፈንጂ ሒዝዎ ነይሩ። ተናኺፍዋ ግዲ ይመስለኒ ተፈንጂሩ ከቢድ መጉዳእቲ በጺሕዎ” ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ካልኦት ዘበጽሐ ጉድኣት ቀሊል ዝበሃል ከምዝዀነ ዝዛረብ መምህር ተኽለ ንጣር ናይቲ ፈንጂ ከመዝረኸቦም ወሲኹ ሓቢሩ።

እንተዀነ “ዳርጋ ኩሉ ኣካለቶም ተናኺፍዎም” ክብል ኣብ ሆስፒታል ሽረ ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ተዛሪቡ።

“ሕዚ ኣብ ሆስፒታል ኢና ዘለና” ዝበለ መምህር ተኽለ፡ ኣብ ኣካላት ወዱ ዘሎ ንጣራት እቲ ነትጒ ዛጊድ ከምዘይወጽአን እቲ ዝበጽሖ ጉድኣት ከቢድ ከምዝዀነን ተዛሪቡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምስ ኲናት ትግራይ ተአሳሲሩ ብፍላይ ኣብ ከባብታት ሽረን ሸራሮን ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት መዳበውቲ ኤርትራ ገና ዘይተፈንጀረ ብዙሕ ነተጉቲ ከምዘሎን ኣብ ተደጋጋሚ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከምዝበጽሐን ጸብጻባት የመልክቱ ።

“ናብቲ ከባቢ ብተደጋገሚ ከቢድ ኣጽዋር ይትኮስ እዩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ 2014 መስከረም ኣብቲ ከባቢ ኣብ ገዛውቲ ዝተፈንጀረ ነትጒ ኣብ ልዕሊ ሰብን እንስሳን ጉድኣት ኣብጺሑ ነይሩ” ኢሉ።

ሕዚ ድማ፡ ብፍላይ ምስ’ቲ ክረምቲ ምዃኑ ውሑጅ ካብ ቦታ ናብ ቦታ የንቀሳቕሶ ከምዘሎ ብምግማት ጥንቃቐ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቡ።

ተወካሊ ርክብ ህዝብን መንግሰትን ከተማ ሽረ ኣይተ ጎይቶኦም ይስማው ነቲ ዝበጽሐ ሓደጋ ዘረጋገጸ ዀይኑ እቶም ቆልዑ ተራ ሓጺን መሲልዎም ምስ ቀጥቀጥዎ ከምዝተፈንጀረን ኣብ ልዕሊ ሰብን ገዛውትን ጉድኣት ከምዘብጸሐን ተዛሪቡ።

ቅድሚኡ'ውን ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ከባቢ ኣብ ሓደ ናይ ጓሓፍ መአከቢ ቦታ ነታጒ ከቢድ ብረት ተፈንጂሩ ከምዝነበረ’ውን ኣዘኻኺሩ።

“ውግእ ዝካየደሉ ዝነበረ ከባቢ ስለዝዀነ ከቢድ ጥንቃቐ ዘድልዮ እዩ” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ወሲኹ “ሓደ ሓደ ትካላት ነቲ ዘይተተኮሰሱ ነተጉትን ዝተቐብሩ ፈንጂታትን ከጽርዩ ይፍትኑ ኣለዉ” ብምባል ከም ዞባን ክልልን፡ ብመንግሰቲ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎ ይስረሐሉ ከምዘሎ ወሲኹ ተዛሪቡ።

እቲ ክኢላ ርክብ ህዝቢ፡ ብዙሓት ዘይሕጋውያን ኣፅዋር’ውን ኣብታ ከተማ ተዘርጊሑ ከምዝርከብን ኣብ ቁጽጽር ዝውዕል ከምዘሎን ወሲኹ ሓቢሩ።

ምስቲ ንኽልተ ዓመት ዝዘለቐ ደማዊ ኲናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር ዝበዝሕ ከባብታት ትግራይ ውግእ ዝተኻየደሉን ደብዳብ ነፈርቲ ዝተፈጸመሉን ብምዃኑ፡ ኣብ ካልኦት ከባብታት'ውን ተመሳሳልቲ ሓደጋታት ይበጽሑ ከምዘለዉ ጸብጻባት የመልክቱ።