ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ‘ሰላም ዝህውኽን ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስን’ ከምዘይዕገስ ኣጠንቂቝ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብታ ክልል ዝካየድ ዝዀነ ይዅን ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ኣንጻራዊ ሰላም ዝዘርግ፡ ድሕነትን ውሕስነትን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝግበር ኣካይዳታትን ከምዘይዕገስ ኣጠንቂቝ።

ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋጽ ዘኽእል ሕጋዊ ስጕምቲታት ድማ ኣሓዪሉ ከም ዝቕጽል ኣፍሊጡ።

እቲ ዓርቢ 26 ሓምለ [19 ሓምለ -ግ.] ዝወጸ መግለጺ ምምሕዳር ትግራይ፡ ልዕልና ሕጊ ንምርግጋጽ ዘኽእሉ ስርሓት ይቕጽሉ ምህላዎም ብምምልካት፡ ድሕነትን ውሕስነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዝዀነ ይዅን ተግባራት ብሕጊ መግትኢ ክግበረሉ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ብመሰረት እዚ እዋናዊ መግለጺ፡ ዝርዝር እቲ ሰላምን ጸጥታን እታ ክልል ይዅን ድሕነት ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ዝተባህለ ተግባራትን ምንቅስቓሳትን ብዝርዝር ኣይተገልጸን።

እንተዀነ፡ ስእነት ድሕነትን ጸጥታን እቲ ክልል በቲ ሓደ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ እቲ ክልል ዝተፈጥረ ቍርቍስ ድማ በቲ ኻልእ ንንቡር ፖለቲካውን ማሕበራውን ጸጥታውን ኣቃውማ ትግራይ ዝፍትኑ ዘለዉ ተርእዮታት ምዃኖም ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምክልት ፕረዚደንት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ሰክረታርያት ሰላምን ጸጥታን ጀነራል ታደሰ ወረደ ነቲ ዘሎ ኵነታት ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቡ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ጀነራል ታደሰ ኣብቲ መግለጺኡ፡ ኣብ ስርቂ ሓጺነ-መጺን ከምዝተዋፈሩ ንዝተጠርጠሩ ሰባት ብሕጊ ምሕታት ከምዝተጀመረ ኣመልኪቱ፡ ነዚ ጉዳይ ዘፈጽም ሓይሊ ዕማም ቈይሙ ከምዘሎን ኣረዲኡ እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ትግራይ ገኒኑ ኣብ ዝርአ ዘይሕጋዊ ተግባራት ወረራ መሬት፡ ዕደና፡ ኮንትሮባንድን ምስግጋር ሰባትን ካልእ ገበናትን ተዋፊሮም ዝጸንሑ ሰባት፡ በተን ዝቘማ ሓይሊ ዕማማት ኣቢልካ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓተትቲ ንምግባር እቲ ስራሕ ከምዝቕጽል እቲ ጀነራል ኣተሓሳሲቡ እዩ።

ኣብ ትግራይ፡ ድሕሪ ኲናት ኣብ ዝተፈጥረ ጸጥታዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊን ማሕበራውን ቅልውላዋት ዝጠንቍ ዝተፈላለየ ገበናት ክፍጸም ከምዝጸንሐ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ሎሚ ዓርቢ ዝወጸ መግለጺ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ነቲ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶሪያ ዝተረኽበ ተዛማዲ ሰላም ምዕቃብን ምድንፋዕን ከም ዕማሙ ብምቕማጥ፡ ንቡር ህይወት እቲ ክልል ናብ ቦታኡ ንምምላስ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ዝተፈላለዩ ወገናትን ሓቢርካ ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ምስዚ ኣተሓሒዙ እቲ መግለጺ፡ ናብ ዝሓሸ ዝተማልአ ሰላም ንምስግጋር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ዕንቅፋታትን ፈተናታትን ከምዝገጥምዎ ብምምልካት፡ ነዞም ብድሆታት ንምእላይ ዘይሕለል ጻዕሪ ኣብ ዝሓትት ወሳኒ መድረኽ ከምዝርከብ እውን ኣገንዚቡ።

እቲ ዛጊት ንዘሳለጦም ጕሉሓት ዕማማት ዝበሎም ዝዘርዘረ መግለጺ ምምሕዳር ትግራይ፡ ተልኦኾኡ መሰረት ገይሩ፡ ልዕልና ሕጊ ከረጋግጽ ከምዝሰርሕን፡ ነቶም ካብ ሰላማውን ሕጋውን ምንቅስቓሳት ወጻኢ ዝኸዱ ወገናት ብሕጊ ከዐግሶም ከምዝዀነን፡ ብኣንጻሩ ነቶም ብሰላማውን ሕጋውን መገዲ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ምሉእ ድጋፍ ክገብር ምዃኑን ኣስሚሩሉ።

ኣብ ድሕረ-ኲናት ትግራይ፡ ምስ ድኻም ግዝያዊ ምምሕዳርን፡ ኣብ ውድብ ህወሓት ዝተፈጥረ ምትፍናን ምምቕቓልን ንፖለቲካዊን ማሕበረ-ቍጠባውን ቍመና እቲ ክልል ሕሱም ከምዝሃሰዮ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ትግራይ ይዅን ኣብ ኢትዮጵያ ዓብላሊ ግደ ዝጸንሖ ፖለቲካዊ ውድብ ህወሓት ዘጋጠሞ ውሽጣዊ ምምቕቓልን ዝበጽሖ ኣፍደገ ምብትታንን ነቲ ውድብ ንባዕሉ ይዅን ህዝቢ ሓደጋን ድኻምን ከምዝፈጠረ ባዕሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘውጽኦ መግለጺ ተኣሚኑ እዩ።

ኣብ ሓያል ምክፍፋልን ምጥቕቓዕን ላዕለዎት መሪሕነት ተሸሚሙ ከም ዘሎ ዝዝረበሉ ህወሓት፡ ነቲ ‘ብቦርድ መረጻ ቅድሚ ምምዝጋቡ ክካይዶ ኣይክእልን ዝበሃል ዘሎ ጉባኤኡ ንምስላጥ ኣብ ምድላው ከምዘሎ ይፍለጥ።

ንፖለቲካ ትግራይ ብቐረባ ዝዕዘቡ ተንተንቲ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዝበሃል ምክፍፋል ብቐንዱ ኣብ መንጐ ነባራት መራሕቲ እቲ ውድብን ሰበስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝተወደበ ከምዝዀነ ይገልጹ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 2023፡ ንኣርባዕተ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት፡ ማለት ብምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣማኻሪ ህዝባዊ ምልዕዓል ዝነበረ ኣቶ ኣለም ገብረዋህድ፡ ቺፍ ካቢኔ ሰክረታሪ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ኣመሓዳሪት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ዝነበረት ወይዘሮ ሊያ ካሳን ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብን ኣቶ ተኽላይ ገብረመድህንን፡ ኣብቲ ክልላዊ ምምሕዳር ካብ ዝነበሮም መዝነት ከምዝሰጐገ ይዝከር።