ቶክዮ ምስክር ሓዳር መጻምድቲ ሓደ-ጾታ ትህብ

ማሚኮ ሞዳ (ጸጋም) ምስ መፃምድታ ሳቶኮ

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

ጃፓናዊት ከተማ ቶክዮ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ምስክር ወረቐት ሓዳር ዝረኽቡሉ ኣሰራርሓ ግብራዊ ክትገብር ጀሚራ። እዚ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ገለ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ንምርካብ ከም ሰብ ሓዳር ክሕሰቡ ከምዘኽእሎም ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ስጕምቲ ከተማ ቶክዮ፡ ኣብ መላእ ጃፓን ሓቛፊ ማዕርነት ንኽረጋገፅ ዘኽእል ኵነታት ዝፈጥር እዩ፡ ዝብል ተስፋ ኣብ ገለ ሰባት ፈጢሩ’ሎ።

ኣብዚ እዋን ካብ ጕጅለ ​​ምዕቡላት ሃገራት G-7 እታ እንኮ ንጥምረት ተመሳሳሊ ጾታ ኣፍልጦ ዘይትህብ ሃገር እያ።

ይዅን እምበር፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ዳህሳስ ከም ዝሕብሮ፡ መብዛሕትኦም ጃፓናውያን ንመውስቦ ሕደ-ጾታውያን ዝድግፉ እዮም።

መንግስታዊ መደብር ተሌቪዥን ጃፓን ኤንኤችኬ [‘NHK’] ኣብ 2021 ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ 57 ሚእታዊት ክድግፉ እንከለዉ 37 ሚእታዊት ድማ ከምዝተቓወምዎ የመልክት።

እዚ ሰፊሕ ደገፍ'ኳ እንተሃለወ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ግን ኣብ ኦሳካ ዝርከብ ኣውራጃዊ ቤት ፍርዲ እቲ ዝነበረ እገዳ መርዓ ተመሳሳሊ ጾታ ቅዋማዊ ምዃኑ ውሳነ ኣሕሊፉ ነይሩ።

ድሕሪኡ፡ ኣብ ጥቅምቲ፡ ሓደ ከባቢያዊ ወኪል ገዛኢ ሊበራል ዲሞክራስያዊ ሰልፊ፡ ንመውስቦ ተመሳሳሊ ጾታ "ፍንፉን" ክብል ብምግላፁ ሰፊሕ ነቐፌታ ከምዝቐረበሉ ይፍለጥ።

እዚ ኣብ መላእ ጃፓን ኣብ ዝርከባ ካልኦት ሸሞንተ ኣውራጃታት'ውን ዝተኣታተወ ምሃብ ወረቐት ምስክር ሓዳር ሕደ-ጾታውያን፡ እቶም ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ኣብ ጉዳይ መንበሪ ገዛ፡ ሕክምናን ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ማዕረ ከም ካልኦት ሰብ ሓዳር ተረባሕቲ ክዀኑ ዘኽእል እዩ።

እንተዀነ፡ ቈልዑ ወሲድካ ከም ወላዲ ምዕባይ፡ ውርስን ንመጻምድቲ ዝወሃብ ቪዛን እቲ ወረቐት ምስክር ረብሓ ኣይክህልዎን እዩ።

ዝዀነ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድመኡ ኣብ ቶክዮ ዝነብር ወይ ዝሰርሕ ሰብ ከመልክት ዝፍቀደሉ ኰይኑ፡ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዝነበረ እዋን 137 ሰባት ኣመልኪቶም ኣለዉ።

እቲ ምስክር ወረቐት ንከም በዓል ሚኪን ኬቲን ዝኣመሰሉ መጻምድቲ፡ ኣእምሮኣዊ ዕረፍቲ ዝሃበ ኰይኑ’ሎ።

"እቲ ዝዓበየ ስግኣተይ ኣብ እዋን ሓደጋ ከም ፍሉያት ሰባት ከይንሕሰብ እዩ ነይሩ" ክብል ሚኪ [ብቐዳማይ ስሞም ጥራይ ክጽውዑ ዝሓተተ] ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ትማሊ ሰሉስ ምስክር ወረቐት ካብ ዝተቐበሉ ቀዳሞት ሓንቲ ዝዀነት ተጣባቒት መሰላት ‘ኤልጂቢቲ’ ብዝብል ዝፍለጡ ሰባት ሶዮካ ያማሞቶ፡ "መሰላት እዞም ውሑዳን ዝሕለወሉን ዝያዳ ማዕረ ዝረኣዩሉን ሕብረተሰብ ንምፍጣር ንዝግበር ጻዕርታት ከነቀላጥፎ ንኽእል ኢና" ዝብል ልባዊ ተስፋ ከምዘለዋ ንጋዜጠኛታት ተዛሪባ።