እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንህዝቦም ካብ ባርነት ዘድሓኑ ኦነሲሞስ ነሲብ
ብ1855፡ ኣብ ኢሊባቦር ምዕራብ ኢትዮጵያ ዳሕራይ “ኣኒሞስ” እተሰምየ፡ ንህዝቡ ዓቢ ሞሳ ዘበርከተ ቈልዓ ተወልደ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ እቲ ቘልዓ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ኮነ ወለዱ ሞቱዎ።
ዝኽትምና ጥራይ ከይኣኽሎ ግን ሓደ መዓልቲ ካብ ኢድ ወላዲቱ ብነጋዶ-ባሮት ተጨውየ። እንተዀነ ዕድል ገይሩ፡ ኣርባዕተ ግዜ ካብን ናብን ኣእዳው ነጋዶ ሰባት ምስተሰጋገረ፡ ብ1870 ኣመሓዳሪ ከተማ ባጽዕ ብዝነበረ ቨርነር ሙንዚንገር ደሓነ።
ሙዚንገር ነቲ ቘልዓ ስለዝደንገጸሉ ኣብ እምኩሉ ንዝነበሩ ሽወደናውያን “ሓደራ ነዚ ቘልዓ ኣዕቢኹም ንሰቡ ዝበቅዕ ሰብ ግበርዎ” ክብል ሂቡዎም።
ስዊዘርላንዳዊ ዳህሳስን መግዛእታዊ ኣመሓዳርን ቨርነር ሙንዚገር (1832 – 1875) ኣማኻሪ ገዛኢ ግብጺ ብምዃን ኣብ ኤርትራ የመሓድር ምንባሩ ሰነዳት ይሕብሩ።
እቶም ነጋዶ ሰባት ነቲ ካብ ኢሊባቦር ዝጨወዩዎ ቈልዓ “ነሲብ” ዝብል ስም እኳ እንተሃቡዎ፡ ዳሕራይ ግን ኣካያዲ ቤተ እምነት እምኩሉ ሽወደናዊ ቐሺ ሉንዳል ብ1872 ብፍቓዱ ከጠምቑዎ እንከለው፡ “ኦነሲሞስ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስም ሃቡዎ። ትርጕሙ ከኣ ካብ ባርነት ድሒኑ፡ ንህዝቡ ዝዓብስ ሰብ ማለት እዩ።
ብድሕሪኡ ኦነሲሞስ ኣብ እምኩሉ ዝተፈላለየ ቋንቋታትን ቀለምን ተማህሩ። ኣምሓርኛን ቋንቋ ሽወደንን እውን ኣጽንዑ።
ቀንዲ ዕላማታት ሚስዮን-ሽወደን ንደቀባት ኣመንቲ ብቋንቋኦም ቃል ኣምላኽ ንኽዝርግሑ ምምሃር ስለዝነበረ፡ ኦነሲም፡ መጽሓፍ ቅዱስን፡ ብዙሕ መጻሕፍቲ ታሪኽን ተርጐመ ።
ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ኦነሲሞስ ኮነ መማህራን ወንጌል ሚስዮናውያን፡ ይትረፍ ከምዚ ናይ ሎሚ ኮምፕዩተርን ናይ ጽሕፈት መኪናን (ታይፕራይተራት)ን ዝኣመሰለ መሳለጥያ፡ ቀሲኖም ስርሖም ከሰላስልሉ ዘኽእሎም ቤት-ጽሕፈት ይዅን ኣቝሑ ኣይነበሮምን።
እኹል ቀረብ ትምህርቲ፡ መጓዓዝያ፡ ክንክን ጥዕና ይዅን መግቢ እውን ኣይነበሮምን።
ገለ ካብቶም ንደቀባት ክምህሩን ቃል ኣምላኽ ክነግሩን፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክህቡን ንቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተዋፈሩ ሒደት ሚስዮናውያን፡ ብገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሰጊሮም ንኤርትራ ምስ ኣተው እዮም ካብ ባጽዕ ሓሙሽተ ኪ.ሜ. ርሒቓ ኣብ እትርከብ እምኩሉ ዝተባህለት ዓዲ ዝሰፈሩ።
ዳሕራይ ብ1877 ኣቢሉ ንምጽዋዕ ክበጽሕ ዝመጽአ ጀነራል ቻርለስ ጐርዶን ንንጥፈታቶም ዝኸውን ኣብ እምኩሉ ብነጻ መሬት ምስ ሃቦም መደባቶም ዘሳልጥሉ ማእከል ሃኒጾም። ብሓሙሽተ ተምሃሮ ጀሚሮም ዳሕራይ ግን ነቶም ካብ ሃድን ሰበስልጣን ናይቲ እዋን ዝሃደሙ፡ ብወራር ኣንበጣን ደርቅን፡ ጥሜትን ስእነት ጥዕናን ዝተሃስዩ ጽጕማት ብምዕቋብ ቃል ኣምላኽን ቀለምን ሞያዊ ክእለትን ክምህሩ ጀመሩ።
ብዝሒ እቶም ካብ ቤቶም ዝተመዛበሉ ሽጉራትን ኣለይትን ስለዘይተመጣጠነ፡ ንኣካየድቲ እምኩሉ ሕጽረት ትሕዝቶን መምህራን ዓቢ ጸገም ኰኖም። ነቲ ማእከል ዝመስረቱ ቀሺ ሉንዳል ዝከኣሎም ይገብሩ’ኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብ ርእሲ ክብደት እቲ ሓላፍነት በዓል ቤቶም መምህር ጉስታቫ ሉንዳል፡ ብ1872 ብሕማም ሕርሲ ስለዝሞታኦም ኣዝዮም ተተንከፉ።
ወይዘሮ ጉስታቫ ሉንዳል ብትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣዝየን ግድስቲ መምህር ነበራ። ኣብ ርእሲኡ እውን ኣልቦርግ ዝበሃል ተሓባባሪኦም ሓሚሞም ንሽወደን ተመልሱ። እንተዀነ ሉንዳል ዋላ’ኳ ምስ ሳልሳይ ርእሶም ጥራይ እንተተረፉ፡ ንኸም በዓል ኦነሲሞስ ዝኣመሰሉ ተምሃሮኦም ዝህብዎ ዝነበሩ ኣገልግሎት ኣየጕደሉሎምን።
ዕላማ ሚስዮናውያን እምኩሉ፡ ዝገበርካ ገይርካ ኣብ ምድሪ ኦሮሞ ወንጌል ምትእትታው ስለ ዝነበረ፡ ንኦነሲሞስን ገለ-ገለ ደቂ ኦሮምን ሲዳማን ተምሃሮ ብቐጻሊ የሰልጥንዎም ነበሩ። እቶም መምህራንን ደቀባት ወንጌላውያንን ካብ ኵሉ ወገን ዝተኣኻኸቡ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብቲ መደበር፡ ቋንቋታት ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ኦሮሞኛ፡ ሓሓሊፎም ከኣ ቋንቋ ትግረ እውን ይጥቀሙ ነይሮም።
ኦነሲሞስ ነሲቡ፡ ብ1876፡ ኣብ 21 ዕድመኡ፡ ትምህርቱ ብጽቡቕ ነጥቢ ስለ ዝወድአ፡ ቋንቋ ሽወደን ከኣ ስለ ዝመለኸ፡ ትምህርቲ ስነ-ሃይማኖት ንክቐስም ንሃገር ሽወደን ተላኢኹ ክሳብ 1881 ተማህረ።
ኣብታ ዓመት’ቲ ከኣ ንመጀመርታ ግዜ ቤት-ትምህርቲ ኣዋልድ ተኸፊቱ፡ ኣስታት 20 ዝዀና ኣዋልድ ተመዝጊበን ይምሃራ ነበራ።
ኣብቲ እዋን ካብ መግዛእቲ ራእሲ ወልደሚካኤል ካብ ሓማሴን ተሃዲኖም ዝወጹ ከም በዓል ቀሺ ዘራጽዮን ሙሴ (1850-1940)፡ ቀሺ ሰሎሙን ዓጽቁ (1848-1926) ዝኣመሰሉ ዓበይቲ መምህራን ወንጌላውያን ኣብ ህይወት እምኩሉ ዓቢ ግደ ከም ዝነበሮም ይጥቀስ። ንኣብነት ቀሺ ዘራጽዮን ንደቀንስትዮ ይምህሩ ነይሮም።
ቀሺ ሉንዳል ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓቢ ስም ዝሓደጉ ወንጌላዊ እዮም። ሉንዳል ብ1868’ዮም ንኤርትራ ከም ቀሺ ኰይኖም ዝኣተዉ። ኣብ ስርሖም ህርኩት፡ ኣረኣእያኦም ድማ ሰፊሕ ስለ ዝነበረ፡ ንስርሓት እምኩሉ ሰፍ ኣበልዎ።
ደቀባት ወንጌላውያን ዝጥቀምሉ መጽሓፍ መዛሙር፡ ስርዓት ኣምልኾ፡ ብርክት ዝበሉ ምዕራፋት መጽሓፍ ቅዱስ ንክትርጐሙ ኸኣ ተጊሆም ሰርሑ። ብዓቢኡ ኸኣ እቲ ተልእኾ መደበር እምኩሉ ኣብ ኢትዮጵያ ንኸስፋሕፍሕ (ኣውራ ኣብ ምድሪ ኦሮሞ) ወፍርታት ዘበገሱ ዓቢ ወንጌላዊ ነበሩ።
ኦነሲሞስ ... ወንጌላዊ፡ ተርጓሚ፡ መምህር፡ ፈላሚ ስነጽሑፍ ኦሮምኛ
ከበደ ሃርዶፋ ያንኮ ኣብ ኢንሳይክሎፐድያ ኤትዮፒካ ንተወላዲ ኦሮሞ ኦነሲሞስ ወንጌላዊ፡ ተርጓሚ፡ መምህር፡ ፈላሚ ስነጽሑፍ ኦሮምኛ ክብል ይገልጾም።
ኦነሲሞስ፡ ካብ ሽወደን ንእምኩሉ ምስ ተመልሱ ኣብ ምድረ ኦሮሞ ወንጌል ንምዝርጋሕ ልዑል ተገዳስነት ኣሕደሩ። እንተዀነ ሚስዮናውያን ብጥርጠራ ይረኣዩ ስለዝነበሩ ተጻብኦ ደቀባት ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ እውን ሓያል ስለዝነበረ፡ ምስቲ ምስ ማህዲስት ሱዳናውያን ዝነበረ ህውከትን ቍርቍስን እቲ ጕዕዞ ቀሊል ኣይነበረን።
ቅድሚ ኦነሲሞስ ንዓዲ ምምላሶም፡ ብ187፡ ንጉሴ ጣሻ ብዝተባህሉ ኣገልጋሊ ካብ እምኩሉ ንምድረ ኦሮሞ ዝቐንዐ ወፈራ ዝርገሐ ወንጌል ነይሩ እዩ። ንጉሴ ብ1881/82 ኣብ ጂማ ከም ዝበጽሑ ሰነዳት ይጠቕሱ።
ኦነሲሞስ ብዝያዳ ኣብ ምትርጓም ጽሑፋትን ስነጽሑፍ ኦሮም ኣብ ምምዕባልን እኳ ይሳተፉ እንተነበሩ፡ ንዓዶም ተመሊሶም ንህዝቦም ከገልግሉ ልዑል ድልየት ስለዝነበሮም፡ ንሶምን በዓልቲ ቤቶም ምሕረት ሃይሉ ተወላዲት ጐጃም ንምድሪ ኦሮም ዝነቐለ ጕጅለ ወንጌላውያን ተጸንቢሮም ተበገሱ።
ምሕረት ሰበይቶም እውን ቋንቋ ሽወደን ከንብባን ክጽሕፋን ዝኽእላ ምህርቲ ሰብ ነበራ። ኣብቲ ንኦሮምያ ዝተበገሰ ጕጅለ ሰማእቱ ዝስመን ኣኽሱመተይቲ ካልአይተን ነበራ። መራሒ ናይታ ጕጅለ ኸኣ ቋንቋ ኦሮሞ ዝመልኩ ሽወደናዊ ቀሺ ጉስታቭ ኣርሄኑስ ነበሩ።
እንተዀነ ነቲ መደብ ተጻረርቲ ስለዝበዝሑዎ ከምቲ ዝተሓስበ ኣይሰለጠን። ብሕልና ዘንቀደ ኣብ ዝሓሰቦ ከይበጽሐ ስለዘይቀስን ግን፡ ብ1884፡ ክልተ ሽወደናውያን፡ ኦነሲሞስ ምስ ምሕረት በዓልቲ ቤቶም፡ ብተወሳኺ ሓደ ጴጥሮስ ጭብሳ ዝበሃል 18 ዝዕድመኡ ወዲ ኦሮሞን ባዕሎም ቀሺ ሉንዳል ዘለውዎ ሳልሳይ ፈተነ ወፍሪ ምምሃር ወንጌል ተበገሰ።
እቲ ቃፍላይ (caravan) ዘድሊ ምድላው ወዲኡ ምስተበገሰ ኣብ ምድሪ ዒሳ ብከተርቲ ተጠቕዐ። ኣብ ርእሲ’ቲ ናይ ኣጻምእ ሽግር፡ ኣብ ሸዋ ምስ በጽሑ ሃጸይ ምኒሊክ ነቶም ተጓዓዝቲ ብግዝኣቶም ንኸይሓልፉ ስለዝኸልከሎም፡ እቲ ወንጌላዊ ወፍሪ ተዓናቒፉ፤ ብ1886 ንእምኩሉ ተመልሱ።
ብ 1893-1895 እውን ኣብ ራብዓይ ፈተነ ብሃረር ኣቢሎም ንጂማ ክኣትው ዝተሓስበ መደብ ሃጸይ ምኒሊክ ዓገቶ።
ኣብ ሓሙሻይን ናይ መወዳእታ ፈተነ ግን እቲ ወፍሪ-ወንጌል ብደቀባት ወንጌላውያን ስለ ዝተማእከለ ከይኰነ ኣይተርፍን፡ ቀሺ ተዋህዶ ዝነበሩ ወንጌላዊ/ቀሺ ገብረ አወስጣጤዎስ ዘሚኪኤል፡ ከምኡ’ውን ዳኒኤል ደበላ ዓቢ ተራ ስለዝተጻወቱ፡ እቶም ወንጌላውያን ኣብ ወለጋ እግሪ ከምዝተኸሉ መጽሓፍ ጉስታቭ ኣረን ይገልጽ።
ኦነሲሞስ ኣብ ምዕባለ ስነጽሑፍ ኦሮሞ
ኦኖሲሞስ ነቲ ኣስታት 1200 ገጻት ዘለዎ ብኣምሓርኛን ቋንቋ ሽወደንን ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ብምልኡ ናብ ኦሮምኛ ስለዝተርጐምዎ ስነጽሑፍ ኦሮሞ ንኽዓቢ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ገበሩ። እቲ ዝተርጐምዎ መጽሓፎም ከኣ ኣብ ስዊዘርላንድ ተሓቲሙ ናብ ኣመንቲ ተዘርገሐ።
ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ወድኡ ድማ ከም ኣባል ሽማግለ ምእመናን ወንጌላዊት ቤት-ክርትያን - ኣስመራ ኰይኖም፡ ከምኡ’ውን ከም ወንጌላዊ ንሓያሎ ዓመታት ከም ዘገልገሉ ኣማኑኤል ኣብራሃም ኣካያዲ መካነየሱስ ነበር ይምስክሩ።
ኣብቲ እዋን ኣነሲሞስ ነቶም ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝነበሩ ኣስታት 500 ዝኣኽሉ ደቂ ኦሮሞ ተጊሆም የገልግልዎም እኳ እንተነበሩ ልቦም ግን ገና ኣብ ምድሪ ኦሮሞ ነበረ።
ብ1899፡ ናይ ግዳምን ዉሽጢ-ዓድን ብጾቶም ነቲ ዘሕተምዎ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዞም ንዓዶም ክምለሱ ትጽቢት ነበሮም። ድሌት ኦነሲሞስ’ውን ከምኡ ነበረ። እንተዀነ እቲ ንኢትዮጵያ ዝግበር ጕዕዞ ብእግርን ቈልዑ ሓንጊርካን ንመዓልቲ ኣስታት ሸውዓተ ሰዓት እናተጓዓዝካ ይኽየድ ስለዝነበረ፡ ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ዝወስድ ኣድካሚ ጕዕዞ ነበረ።
ኦነሲሞስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ኦሮምኛ ድሕሪ ምትርጓሞም፡ ከም ቀንዲ ተዋሳኢን ኣባል ናይቲ ኣብ ገለብ (ኤርትራ) ስነ-ጽሑፍ ኦሮሞ ንምምዕባል ብ1890 ዝተመስረተ ጕጅለ ቋንቋ ኦሮምኛ ኰኑ። ዕላማ ናይቲ ጕጅለ’ቲ ድማ ንኦሮምያ ከገልግሉ ዝኽእሉ መንእሰያት ብቐጻሊ ምምልማል ነበረ።
ሓደ መዓልቲ ኦነሲሞስ ኣብ ኣስመራ ዝመልመልዎ ተምሃራዮም ንኦሮምያ መንገዲ ተኸፊቱ ከም ዘሎ ዝሕብር መልእኽቲ ሒዙሎም ምስ መጽአ፡ በቲ ጥዑም ወረ ተሓጒሶም ደጊሞም ንኽብገሱ ኣንቀዱ።
ብ6 ታሕሳስ 1903 ምእመናን ኣስመራ ንኦነሲሞስ ምስ ብጾቶም ጽቡቕ መንፈሳዊ ጕዕዞ ይግበረልኩም ክብሉ ብምሉኦም ተኣኪቦም ድሙቕ መፋናዊ በዓልን ጸሎትን ገይሮም ኣፋነዉዎም።
ኦነሲሞስ ግን ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣዕኑድ ቤተ-ክርስትያን ስለ ዝነበሩ፡ መተካእታኦም ንምርካብ ከም ዘሸግር ቀሺ ኢዋርሶን - ኣብ ኣስመራ ንነዊሕ እዋን ዘገልገሉን ዝመሃሩን ወንጌላዊ (1867-1947) - ዝመዝገብዎ ስክፍታ ኣሎ።
ዝዀነ ኰይኑ ኦነሲሞስ ብ1904 ምስ በዓልቲ ቤቶምን ደቆምን ገለገለ መሳርሕቶምን ንኢትዮጵያ ተጓዕዙ። ምስኦም ከኣ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኦሮሞ ዓቢ ተራ ዝተጻወታ የማናይ ኢዶም ኣስቴር ጋኖ ተጓዕዛ።
ኦነሲሞስ ኣብ እምኩሉ፡ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ሉንዳል፡ ንመጽሓፍ መዝሙር ሰላም፡ ትምህርቲ ሃይማኖት፡ መዝሙር ዳዊት (1887)፡ ሓዲስ ኪዳን (1893)፡ ከምኡ’ውን መጽሓፍ ቅዱስ (1899)- ብፊደላት ግዕዝ ዝተጻሕፉ ናብ ኦሮምኛ ክትርጕሙ እንከለው ኣስቴር ጋኖ ተሓባቢረናኦም’የን።
ምስ ኣስተር ጋኖ ብምትሕብባር ከኣ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተዋጽኡን ዝተተርጐሙን ዛንታታት፡ ናይ ኦሮምኛ መጽሓፍ ፊደል፡ መጽሓፍ ንባብ (ኦሮምኛ) ከቕርቡ ከኣሉ።