እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ ስትራተጂካዊት ከተማ ዩክረይን ኣብ ኢድ ሩስያ ክትወድቕ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ
ኣሜሪካ፡ ሰራዊት ሩስያ፡ ኣብ ምብራቕ ዩኩሬይን እትርከብ ስትራተጂካዊት ከተማ -ኣቭዲቭካ ክቆጻጻር ከምዝኽእል ኣጣንቂቓ።
ኣቭዲቭካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ገለ ካብቲ ዝኸበደ ውግእ ዝተኻየደላ ከተማ እያ።
ወሃቢ ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ጆን ኪርቢ፡ ዩክረይን ኣጋጢምዋ ዘሎ ሕጽረት ተተኮስቲ ብምጥቃስ፡ "ኣቭዲቭካ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሩስያ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ኣሎ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ "ብዝተኻእለ መጠን ህይወት ብዙሓት ዩክረናውን ንምድሓን" ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
ወተሃደራት ሩስያ ኣብታ ምብራቓዊት ግዝኣት ኣቭዲቭካ ደፊኦም ከምዘለዉ ዝእመን ኰይኑ፡ ኣብ ከበበባ ከየእትዋ ተሰጊኡ ኣሎ።
እታ ከተማ፡ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ በቲ ኲናት ዝዓነወት እያ።
ናብታ ኣብ 2014 ብሩስያ ዝድገፉ ሓይልታት ዝተጎብጠት ዞዊት ርእሰ ከተማ ዩክረይን- ዶኔትስክ- ቀንዲ መሰጋጊሪት ምዃና ድማ ይዝረበላ።
ሚስተር ኪርቢ፡ ኣብቲ ብሓሙስ ኣብ ዋሽንግተን ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዓቢኡ "ኣብ ግንባር ዝርከቡ ሓይልታት ዩክሬን ተተኮስቲ መዳፍዕ ስለዝውድኡ" ኣቭዲቭካ ኣብ ኢድ ሩስያ ክትወድቕ ከምእትኽእል ገሊጹ።
ብሰንኪ ምድንጓይ እቲ ናብ ኮንግረስ ዝቐረበ ጠለብ ሓገዝ፡ ዩክረይን ንሓይልታት ሩስያ እትዋገአሉ ተተኮስቲ ካብ ኣመሪካ ክትረክብ ከምዘይከኣለት ድማ ተዛሪቡ።
ሰራዊት ሩስያ ከበድቲ ድፈዓት ዩክረይን ብምስባር፡ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት ይፍንው ኣለዉ ኢሉ።
ወተሃደራዊ ሓይሊ ዩክረይን፡ ኣብ ቀረብ ኣጽዋር ምስ ተተኮስቱ፡ ካብ ኣሜሪካን ካልኦት መሓዙት ምዕራባውያንን ኣዝዩ ጽግዕተኛ እዩ።
ዋና ጸሓፊ ኔቶ ጀን ስቶልተንበርግ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ንዩክሬን ቀጻሊ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከተጽድቕ ዘይምኽኣላ ድሮ ኣብ ዓውደ ውግእ ጽልዋ የሕድር ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ኣብ በርሊንን ፓሪስን ዑደት ዘካይድ ዘሎ ዀይኑ፡ ምስ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮንን ናይ ጸጥታ ስምምዓት ክፈርም ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ መንጎ ዩክረይንን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ጸጥታዊ ምትሕብባር ተመሳሳሊ ስምምዕ ተፈሪሙ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ትማሊ ሓሙስ፡ ዩክረይናዊ ጀነራል ኦሌክሳንድር ታርናቭስኪ፡ ኣብ ውሽጢ ኣቭዲቭካ “ከቢድ ውግእ" ይካየድ ከምዘሎ ተኣሚኑ።
ቅድም ኢሉ፡ ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል ዩክረይን ዲሚትሮ ሊኮቪይ፡ ኣብ ኣቭዲቭካ ዝርከቡ ወተሃደራት ዩክሬን "ሓድሓደ ግዜ ናብ ዝያዳ ረብሓ ዘለዎም ቦታታት ክንቀሳቐሱ፡ ካብ ገለ ቦታታት ድማ ክርሕቑ" ይግደዱ ከምዘለዉ ተዛሪቡ ነይሩ።
ገለ ወተሃደራት ዩክረይን በውገኖም፡ እታ ከተማ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ኢድ ሓይልታት ሩስያ ክትወድቕ ከም እትኽእል ብውልቆም ይኣምኑ።