ንኻልኣይ ግዜ ፈዚዙ ክዛረብ ዘይከኣለ ኣሜሪካዊ ሰኔተር

ሴናተር ሚች ማክኮነል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

መራሒ ሰኔት ሪፓብሊካን ሚች ማኮነል፡ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ኣብ ዝህበሉ እዋን ፈዚዙ ክዛረብ ኣይከኣለን። እዚ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ንኻልኣይ ግዜ ዘጋጥሞ ዘሎ እዩ።

ኣብቲ ኣብ ኮቪንግተን ኬንታኪ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ወዲ 81 ዓመት ሴናተር ማኮነል፡ ኣብ 2026 ዳግማይ ኣብ መረጻ ክወዳደር እንተዀይኑ ምስ ተሓተተ፡ ንልዕሊ 30 ካልኢታት ኣይተዛረበን።

ኣብ ጐኑ ዝጸንሑ ሓገዝቲ ነቲ ሴናተር ክዛረብ ክሕግዙዎ ፈቲኖም፤ ማኮነል ግን ካብቲ ዘጋጠሞ ኵነታት ንኽሓዊ ተወሳኺ ሓያሎ ካልኢታት ወሲዱሉ።

ብድሕሪኡ ንክልተ ተወሳኺ ሕቶታት መልሲ ሂቡ፣ እዞም ካብ ጋዜጠኛታት ዝቐረቡ ሕቶታት ተሓጋገዝቱ ደጊሞም ከቕርብሉ ክኣ ተራእዮም።

እቲ ሴናተር፡ ብዛዕባ ጥዕንኡ ዝዀነ ርእይቶ ኣይሃበን።

ድሕሪ እቲ ክስተት፡ ወሃቢ ቃል ማኮነል ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ማኮነል ንሓጺር እዋን ጽርውርው ኢሉዎን መግለጺ ኣብ ዝህበሉ ንሓጺር እዋን ደው ኣቢሉን’ዩ” ኢሉ።

ድሒሩ ሓደ ኣባል ቤት ጽሕፈቱ ንኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኣባል ባይቶ "ጽቡቕ ኣሎ” እንተዀነ "ቅድሚ ቀጻሊ መድረኽ ንሓኪም ክውከስ'ዩ" ኢሉ።

ሴናተር ማኮነል ብ26 ሓምለ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ካፒቶል ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ መጀመርታ ናይ ቃላት ስሕተት ኣጋጢሙዎ።

ሽዑ፡ ኣብ ሞንጐ ዝዛረቦ ዝነበረ ሓረግ ንኣስታት 20 ካልኢት ደው ኢሉ።

ድሒሩ ተመሊሱ "ጽቡቕ" ከም ዘሎን ቅሩብ "ርእሱ ጽርውርው" ዝብል ከም ዝተሰምዖን ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።

ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ኮንግረስ ንጸቢብ ውሑዳት ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝመርሕ ማኮነል፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ሆቴል ድሕሪ ምውዳቑ፡ ምህውታትን ሓደጋ መሰንገልን ኣጋጢሙዎ ናብ ሆስፒታል ኣትዩ ነይሩ።

ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ክኣ ናብ ሰኔት ከይተመልሰ ጸኒሑ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዘጋጠሞ ደውታ፡ ሴናተር ማኮነል ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ብውሑዱ ካልኦት ሰለስተ ጸገማት ከም ዝተጻወረ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ጸብጺበን።

እዚ ዳሕረዋይ ክስተት፡ ኮንግረስ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ከፊላዊ ምዕጻው መንግስቲ ንኸይፍጠር ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ዙርያ ጥዕና ሴናተር ኬንታኪ መሊሱ ሕቶታት ከልዕል እዩ።

ኣብቲ ባይቶ ምክትል ማኮነል ዝዀነ ሓጋዚ ሴናተር ጆን ቱነ ድሕሪ እቲ ፍጻመ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ማኮነል "ከምቲ ልሙድ ነብሱ ይመስል ነይሩ፤ ኣብ ጽቡቕ መንፈስ ድማ ነይሩ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ትማሊ ረቡዕ ድሒሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብፖለቲካዊ መዳይ ዘይምርድዳእ ኣሎና፤ ግን ንፉዕ ዓርኪ'ዩ። ስለዚ ክረኽቦ ክፍትን እየ" ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ ኩነታት ጥዕና ሰናተር ማኮነል ዘለው ስክፍታታት፡ ብዛዕባ ኩነታት ጓል 90 ዓመት ሴናተር ዴሞክራት ካሊፎርንያ ዳያን ፋይንስታይን ሕቶታት ከልዕል ጀሚሩ ኣሎ።

ንሳ “ሺንግለስ” ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ከቢድ ሕማም ቈርበት ከም ዝተለኸፈት ምስ ተረጋገጸ ንኣዋርሕ ካብቲ ባይቶ ርሒቓ ምህላዋ ይፍለጥ።

ማእከላይ ዕድመ ኣባላት ሰኔት ኣሜሪካ 65 እዩ።