‘ድቃስ ከሊኣትኒ’ ብዝብል ኢድ ጓል ክልተ ወርሒ ውላዱ ብምስባር ዝተጠርጠረ ሰብ ብፖሊስ ይድለ'ሎ

ኢድ ዓቢይ ሰብን ናይ ህጻንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢድ እታ ህጻን መሽሚሹ ይሽትት ምንባሩ እቲ ዶክተር ገሊጹ
Published

ሰብ መዚ ናይጄርያ፡ ሓደ ኣብ ልዕሊ ጓል ክልተ ወርሒ ህጻን ውላዱ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻም ኢዳ ብምስባር ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ከእትው ተሓቲቶም።

እታ ህጻን ኣብ እዋን ድቃሱ 'ዝረበሸቶ' እቲ ወዲ 31 ዓመት ኣቦ፡ ነታ ቆልዓ ብመስቀሊ ናይ ክዳውንቲ ጌሩ ከምዝሃረማ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

በዓልቲ ቤቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ፡ እቲ ሰብኣይ፡ ቴሌፎና መንጢሉ ንኣኣን ንጓላን ኣብ ሓደ ክፍሊ ረጊጡ፡ ንጎረባብቲ ከይትነግር ከምዘፈራርሓ ገሊጻ።

ድሕሪ ክልተ መዓልታት ካብቲ ገዛ ምስ ሃደመት ነታ ህጻን ናብ ሆስፒታል ክትወስዳ እንከላ፡ ሓካይም ኢድ እታ ህጻን ክቖርጽዎ ከምዝተገደዱ ተፈሊጡ።

ነታ ህጻን ዝሓከመ ዶክተር ቺዶዚ ምባሌወ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ህይወት እታ ህጻን ንምድሓን እንትርፎ ኢዳ ምቑራጽ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይነበሮም ሓቢሩ።

እታ ኣደ ነቲ ጉዳይ ናብ ፖሊስ ሓቢራ እኳ እንተላ፡ እቲ ጥርጡር ዛጊት ኣይተታሕዘን።

ሓደ ጉጅለ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታትን ሃገራዊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላትን ንፍትሒ ድምጾም ኣስሚዖም ኣለው።

ካብ 2016 ክሳዕ 2021 ኣብ ዘሎ ዓመታት፡ ኣብ ናይጄርያ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ብ5 ሚእታዊ ከምዝወሰኸ ጸብጻባት ዩኒሴፍ የረድእ።

ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር፡ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ፡ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣዊ ወይ ስምዒታዊ መጉዳእትን ኩሉ ዓይነት ዓመጽን ምፍጻም ዘቕጽዕ እኳ እንተኾነ ብዙሕ ግና ከምዘይትግበር ይግለጽ።