ን500 መዓልታት ኣብ በዓቲ ንበይና ዝጸንሐት ኣትለት ወጺኣ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሓንቲ ስጳኛዊት ሕልፍቲ ኣትለት፡ ን500 መዓልታት ብዘይ ዝዀነ ርክብ ሰብ ኣብ በዓቲ ድሕሪ ምጽናሕ ወጺኣ፤ እዚ ድማ ክብረወሰን ዓለም ክኸውን ከም ዝኽእል ይንገር ኣሎ።
እታ ቢያትሪዝ ፍላሚኒ ዝተባህለት ኣትለት፡ ኣብ ግራናዳ ኣብ ዝርከብ በዓቲ ክትኣቱ እንከላ፡ ሩስያ ንዩክረይን ኣይወረረት ነይራ፣ ዓለም ከኣ ገና ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቍጽጽራት ለበዳ ኮቪድ እያ ነይራ።
እዚ፡ ኣካል ናይቲ ሳይንሰኛታት ብቐረባ ክከታተልዎ ዝጸንሐ መጽናዕታዊ ፈተነ እዩ ነይሩ።
"ካብ 21 ሕዳር 2021 ኣትሒዘ እየ ተዓጽየ። ብዛዕባ ዓለም ዝዀነ ዝፈልጦ ነገር ኣይጸንሓንን" ክትብል ካብቲ በዓቲ ድሕሪ ምውጽኣ ተዛሪባ።
እታ 50 ዝዕድመኣ ወ/ሮ ፍላሚኒ፡ ኣብ 48 ዓመት ዕድመኣ እያ ናብቲ በዓቲ ኣትያ። ንሳ፡ ኣብቲ 70 ሜትሮ ዝዕምቈቱ በዓቲ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ እናገበረት፡ ቆቢዕ መሳሊ ነገራት እናሰፈየት፡ ኣናሰኣለትን እያ ግዜኣ ኣሕሊፋቶ።
60 መጻሕፍቲ ከም ዘንበበትን 1000 ሊትሮ ማይን ከም ዘህለኸትን እቲ ክከታተላ ዝጸንሐ ጕጅለ ተመራመርቲ ይሕብር።
እዚ ዕጽዋ ኣብ በዓቲ፡ ብጕጅለ ክኢላታት ስነ-ኣእምሮ፡ ተመራመርቲ፡ ክኢላታት ስፒለሎጂ - ክኢላታት መጽናዕቲ በዓቲ - ክትትል ይግበረላ'ኳ እንተነበረ፡ ዋላ ሓደ ካብቶም ክኢላታት ግን ምስኣ ርክብ ኣይነበሮን።
ኣብ ዛዕባ ምውጽኣ ኣመልኪቱ ብመደበር ተሌቪዥን ስጳኛ ዝተቐድሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ቅድሚ ንጋንታኣ ምሕቋፋ፡ ካብቲ በዓቲ ፍሽኽ እናበለት ክትድይብ ከላ የርኢ።
ወ/ሮ ፍላሚኒ ምስ ወጽአት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ንተመኵሮኣ "ብሉጽን ዘይጽዓድን" ክትብል ገሊጻቶ።
ጋዜጠኛታት ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ ክትህቦም ጸቕጢ ኣብ ዝገበሩላ፡ "ንዓመትን መንፈቕን ስቕ ኢለ ጸኒሐ፣ ብዘይካ ንነብሰይ ንዝዀነ ካልእ ሰብ ኣይተዛረብኩን" ኢላ።
"ሚዛነይ ክሕሉ ኣይከኣልን ዘለኹ፡ ስለዚ ድማ እየ ተደጊፈ። ነብሰይ ክሕጸብ እንተትገድፉኒ ጽቡቕ ነይሩ፣ ዓመትን መንፈቕን ማይ ዝበሃል ኣይተንከፍኩን - ድሕሪ ቅሩብ እንተተመለስኩኹም እንታይ ኣለዎ?” ክትብል ነቶም ጋዜጠኛታት ምላሽ ሂባ።
ቢያትሪዝ ፍላሚኒ፡ ድሒራ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ድሕሪ ኣስታት ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ኣምር ግዜ ከም ዝጠፍኣ ገሊጻ።
"መዓልታት ምቝጻር ከቋርጽ ዝግበኣኒ ህሞት ነይሩ" ድሕሪ ምባል፡ "ኣብቲ በዓቲ 160-170 መዓልታት" ከም ዝጸንሐት ጥራይ መሲልዋ ከም ዝነበረን፡ ፍቕዲ ግዜ ፍጹም ከም ዝተሓዋወሳ ኣሚታ።
ሓደ ካብቲ ዝኸበደ ህሞት፡ ኣብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ዘጋጥማ ዝነበረ ወራር ጽንጽያታት ምንባሩ ትገልጽ።
እቲ ሕልፍቲ ኣትለት ብዛዕባ "ሃልወሳ ምስማዕ" እውን ገሊጻ።
"ስቕ ኢልካ ከለኻ ሓንጐል ባዕሉ ይሰርሖ" ትብል።
ተመራመርቲ፡ ነቲ ተነጺላ ዝነበረቶ ግዜ ተጠቒሞም፡ ማሕበራዊ ተነጽሎን ምዝንባዕ ግዜን መረዳእታ ሰባት ንግዜ ዝህልዎ ጽልዋ ከጽንዑ ጸኒሖም።
እቲ ንዓኣ ዝድግፍ ጕጅለ ወ/ሮ ፍላሚኒ፡ ኣብ በዓቲ ዝነውሐ ግዜ ብምሕላፍ ክብረወሰን ዓለም ከም ዝሰበረት’ኳ እንተገለጸ፡ መዝገብ ክብረወሰን ዓለም ጊነስ ግን ኣብ በዓቲ ብወለንታ ዝጸንሕ ክብረወሰን ግዜ ኣሎ ድዩ የለን ዛጊት መረጋገጺ ኣይሃበን ዘሎ።
እቲ ትካል፡ ኣብ 2010፡ ኣብ ቺለ ዕደና ነሓስ-ወርቂ ድሕሪ ምድርማሱ፡ 688 ሜትሮ ኣብ ዝዕምቈቱ ትሕቲ መሬት ን69 መዓልታት ዘሕለፉ 33 ቺለውያንን ቦሊቭያውያንን ዓደንቲ "ኣብ ትሕቲ መሬት ተዓጽዮም ዝነውሐ ግዜ ዝጸንሑ" ዝብል ሽልማት ሂቡ ምንባሩ ይፍለጥ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
