ሕቡራት ሃገራት ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሱዳን ወተሃደራዊ ምልመላ ተኻይዱ ዝብል ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ወተሃደራዊ ምልመላ ይግበር ከምዝነበረ ዝሕብር ሓበሬታ ከምዘለዎ ገሊጹ።
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ዘለዉዎም መዕቆቢ ስደተኛታት ሱዳን፡ ወተሃደራዊ ምልመላ ከምዝካየድ፡ ሓበሬታ ከምዘለዎ ሓቢሩ።
እቲ ትካል ኣብ ፈለማ ኣዋርሕ 2022 ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታት ብግዱድ መገዲ ሓዊሱ ወተሃደራዊ ምልመላ ከምዝተፈጸመ ተኣማንነት ዘለዎ ጸብጻባት ከምዝበጽሖ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ኮሚሽን፡ ወተሃደራዊ ምልመላ ከምዝካየድ ምስ ፈለጠ፡ ንማእከላይ መንግስትን ምምሕዳራት እቲ ከባብን ሱዳን ስክፍትኡ ከም ዝገለጸ፡ እቲ ኩነታት ዝተመሓየሸ ይመስል ነይሩ፡ ክብል ብኢመይል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ሓቢሩ።
እቲ ትካል፡ "እቲ ወተሃደራዊ ምልመላ ንምፍጻም ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ሰባት ከምዝነበሩ" ካብቶም ስደተኛታት ከምዝተረድአ እኳ እንተገለጸ፤ ኣየናይ ኣካል እዩ ነቲ ምልመላ ዘካየደ ንዝብል፡ "ከረጋግጽ ኣይከኣልኩን” ኢሉ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ ካብቶም ዶብ ሰጊሮም ኣብ ሱዳን ከም ስደተኛታት ዝተመዝገቡ ሰባት፡ ምስ ሓይልታት ትግራይ ኮይኖም ተዋጊኦምኒ እዮም፡ ክብል ብተደጋጋሚ ክኸስስ ፀኒሑ እዩ።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ዳርጋ ንክልተ ዓመታት ዝጸንሐ ኩናት ሓድሕድ ስዒቡ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ትግራይ፡ ካብ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ከምዝተሰደዱ ዝዝከር እዩ።
ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብዚ ብቐንዱ ሓይልታት ኣምሓራ ተቖጻጺሮምዎ ዝርከብ ግዝኣት፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ብቐጻሊ፡ ከበድቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸሙ ምኽሳሶም ይዝከር።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ዝግበር ዝኾነ ይኹን ወተሃደራዊ ንጥፈታት፡ ምስ ዓለምለኻዊ ሕግታት ኲናትን መትከላት ስደተኛታትን ዝጻረር ብምዃኑን፡ ድሕነት ስደተኛታትን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ንሓደጋ ዘሳጥሕ ብምዃኑን፡ ደው ክብል ጠሊቡ።
ብተወሳኺ፡ እቶም ኣብ ምልመላ ስደተኛታት ዝተዋፈሩ ሰባት ካብዚ ተግባር ክቑጠቡን ሰብኣዊ ሕግታት ከኽብሩን እቲ ትካል ጸዊዑ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተሳትፎ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ኣብ ኲናት
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብሉምበርግ ዝተባሃለ ማእከን ዜና፡ ኣብ ሱዳን ተዋፊሮም ዝነበሩ፡ ተወለድቲ ትግራይ ዝዀኑ፡ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት፡ ምስ ሓይልታት ትግራይ ወጊኖም ይዋግኡ ከምዘለው፡ ዝሕብር ፀብፃብ ዘርጊሑ ነይሩ።
ንደቡብ ሱዳንን ንሱዳንን ኣብ እተሰሓሕብ ገዝኣት ኣቢየ ተዋፊሮም ካብ ዝነበሩ ወተሃደራት ዓቃብ ሰላም ከባቢ 500 ዝኾኑ ተወለድቲ ትግራይ 'ናብ ኢትዮጵያ ኣይንምለስን ኢና' ብምባል ኣብ ሱዳን ምትራፎም ተገሊጹ ኔሩ።
ኣብ ሱዳን ዑቕባ ዝሓተቱ እዞም ኣማኢት ኣባላት ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ነበር፡ ምስ ካልኦት ተወለድቲ ትግራይ ብምዃን ዶብ ሰጊሮም፡ ንከተማ ሑመራ ክቆጻጸሩ ቀሪቦም ከምዘለዉ፡ ምስዚ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ሓቢሮምኒ ይብል ጸብጻብ ብሎምበርግ።
ድሕሪ’ቲ ናይ ብሉምበርግ ጸብጻብ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዓቃብ ሰላም ነበር፡ 'ናይ ስደተኛነት መሰል ድሕሪ ምሃቡ እዮም ናብ ኲናት ተዋፊሮም ዘለዉ' ዝብል ክሲ ተደጋጋሚ ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።
ይኹን እምበር፡ ንስደተኛታት ኣፍልጦ ዝህብ መንግስቲ ሱዳን ምዃኑን፡ ናቱ ተራ፡ ቴክኒካዊ ምኽርን ደገፍን ካብ ምሃብ ከምዘይሓልፍ እቲ ኮሚሽን ኣመልኪቱ።
ብጠቕላላ 650 ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ነበር ኣብ ሱዳን ዑቕባ ምሕታቶምን፡ ካብዚኦም እቶም 247 ከም ስደተኛታት ኣፍልጦ ከምዝተዋህቦምን እቲ ኮሚሽን ኣብሪሁ።
ይኹን’ምበር፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ ኢመይል፡ ብዛዕባ እቶም ከም ስደተኛ ኣፍልጦ ናይ ምርካብ መስርሕ ከይወድኡ ካብ ዝነበሩሉ ከባቢታት ዝወጹኡ ውልቀሰባት ብዝምልከት፡ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ገሊጹ።
እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ወሲኹ፡ "ዓለምለኻዊ ሕጊ፡ ኣፍልጦ ስደተኛነት፡ ምስ ዝኾነ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ከምዘይሳነን፡ ሓደ ወተሃደር ዑቕባ ክሓትት እንተደልዩ ድማ ካብ ውትህድና ክወጽእ ከምዘለዎ ይድንግግ" ኢሉ።
ከም ብሓድሽ ዝተወለዐ ኲናት
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዳግማይ ኲናት ምጅማሩ "ነቶም ኣብ ጸበባ ዝርከቡ ሲቪላት ዝያዳ ሕሰም ከምጽእ'ዩ" ኢሉ።
ብሰንኪ እቲ ሓድሽ ግጭት፡ ብዙሓት ሰባት፡ ድሕነትን ሰብኣዊ ሓገዝን ንምድላይ ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ከምዝኽእሉ እቲ ትካል ኣተንቢሁ ነይሩ።
ኣብ ሱዳንን ኣብ መላእ ዓለምን ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ እኹል ገንዘብ ዘይምህላዉ'ውን ስክፍታኡ ይገልጽ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሰንኪ ኩናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሱዳን ዝተዓቆቡ ዝበዝሑ ሰባት፡ ኣብ መዓስክር ስደተኛታት፡ ሩካባን ቱናያዳባን ከምዝርከቡ እቲ ትካል ጠቒሱ።
እዞም መዕቖቢ ስደተኛታት፡ ካብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከባቢ 500 ኪሎሜትር ርሒቖም ይርከቡ።
እቲ ኮሚሽን፡ ድሕሪ ምውላዕ እቲ ጎንጺ፡ ሓደሽቲ ካብቲ ቦታ ዝኣተዉ ሰባት እንተሃልዮም ይከታተል ከምዘሎ ገሊፁ።
ክሳብ ሕዚ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ይኹን ኣብ መቐበሊ ማእከል ስደተኛታት ሓምዳይት ዘጋጠመ ጎንጺ ከምዘየለ ሓቢሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ዝኾነ ጉድኣት ከምዘይበፅሐ እቲ ትካል ገሊፁ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

