ንዓመታት፡ መድሓኒት ክገዝኡ ንዘይኽእሉ ብሕቡእ ገንዘብ ዘወፊ ዝነበረ ሰብ ተፈሊጡ

Published

ኣብ ክልል ኣላባማ ከተማ ጀራልዲን ትሕቲ ሓደ ሽሕ ሰባት ይነብሩ። ኩሉ ሰብ ብዛዕባ ጎረቤቱ ይፈልጥ እዩ። ኩዕሶ እግሪ ብሓባር ይርእዩ።

ሓደ ምስጢር ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተሰምዐን ነይሩ። ደቂ እታ ከተማ ንዓሰርተታት ዓመታት ክሕግዞም ዝጸንሐ 'ሓላዊ መልኣኽ' ይብልዎ።

እቲ ሰብኣይ ሆዲ ቺልደርስ ይበሃል። ምሉእ ዕድሚኡ ኣብ ሓንቲ ከተማ ኣብ ሕርሻ ኣሕሊፍዎ።

እታ ስድራቤት፡ 'ቅኑዕ፡ ንፈጣሪኡ ዝፎቱ' ኢሎም ይገልጽዎ።

ሓደ ሰብ ክሓምም ከሎ ካብ ጀርዲኑ ኣሕምልቲ ሰዲዱ 'ኣምላኽ ይምሓርካ' ዝብል ዝተጽሓፎ ፖስት ካርድ’ውን ይሰድድ።

እዚ ኩሉ ሰናይ ስርሑ ብዙሕ ሰብ ይፈልጥ እኳ እንተነበረ፡ ሆዲ ግን ንነበርቲ እታ ከተማ ዝገብሮ ካልእ ወፈያ ምስጢር ገይርዎ ጸኒሑ።

ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት፡ ዓቅሚ መድሓኒት መግዝኢ ንዘይብሎም ሰባት ወርሓዊ 100 ዶላር ከወፍይ ጸኒሑ እዩ።

ነቲ ገንዘብ ኣብ ከተማ ንዝርከብ ፋርማሲ እዩ ዝህቦ። ገንዘብ ዘይብሎም ሰባት ናብ ፋርማሲ ከይዶም ዝተኣዘዘሎም መድሓኒት ክገዝኡ ከም ዝኽእሉ ይገብር።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣስታት 12 ሽሕ ዶላር ኣበርኪቱ ኣሎ። እቲ ገንዘብ ምስ ሃበ ድማ 'ንዝዀነ ከይነገርኩም ብምስጢር ሓዙለይ' ይብሎም።

ምስጢር ዓመታት

ብሮክ ዎከር ኣብታ ከተማ እትነብር ፋርማሲስት እያ።

“ጽግዕ ኢሉ ‘መድሃኒት ክገዝእ ዘይክእል ሰብ ኣሎ ድዩ’ ኢሉ ምስ ሓተተኒ ‘እወ’ ኢለ መሊሰሉ" ክትብል ዘኪራ።

ሽዑ ገንዘብ ጠቕሊሉ፡ "መድሃኒት ክገዝእ ዘይክእል ሰብ ኣብ እትረኸብሉ እዋን በዚ ሸፍንዮ" በላ።

“እቲ ገንዘብ መን ከም ዝሃበኪ ኣይትዛረቢ። ንመን መድሃኒት ከም ዝገዛእኺ’ው ከይትነግረኒ’ ከምዝበላ እትዝክር እታ ፋርማሲስት፡ እንተሓቲቶምዋ፡ “ካብ ፈጣሪ ዝተዋህበ ህያብ እዩ’ በልዮም’ ከምዝበላ ትዛረብ።

ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ንሓደ መድሃኒት ክገዝእ ዘይኽእል ሰብ ብወፈያ ሁዲ መድሃኒት ሸይጣትሉ።

ደዊላ ድማ ንሆዲ ኣመስገነቶ። እቲ ወፈያ ሓንሳብ ጥራይ ዝገብሮ እዩ መሲልዋ ነይሩ።

ንዓሰርተ ዓመታት ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ከምኡ ምግባሩ ቀጸለ።

"ንዓሰርተ ዓመት፡ ወርሓዊ ገንዘብ ክህበኒ ከሎ፡‘ንዝኾነ ከይትነግሪ’ ይብለኒ ነይሩ" ትብል።

ህይወት ዘድሕን- ሕያውነት

ሆዲ ብናይ ጥዕና ጸገም ምስ ተሳቐየ ካብ ገዛ ክወጽእ ኣይከኣለን ነይሩ።

ኣብዚ ግዘ እዚ እያ ጓሉ ታንያ ኒክስ ምስጢሩ ዝረኸበት።

ኣቦኣ ካብቲ ገዛ ክወጽእ ስለ ዘይከኣለ፡ ነቲ ዘወፍዮ ገንዘብ ወርሓዊ ናብ ፋርማሲ ከተብጽሖ ሓቲትዋ።

" ‘ብህይወት ክሳብ ዘለኹ፡ ነቲ ፋርማሲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 100 ዶላር ሃብለይ' ኢሉኒ" ክትብል ዘኪራ።

ኣቡኣ ነበር ሓይሊ ኣየርን ሃይማኖታውን ስለዝነበረ፡ በቲ ሰናይ ተግባር ኣይተገረመትን።

ኣቦኣ ንማሕበረሰቡን ሃገሩን ውፉይ ምዃኑን ንሰባት ካብ ምሕጋዝ ድሕር ከምዘይብልን ትዛረብ።

ሆዲ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ መበል 80 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

ጓሎም ታንያ ምስጢር ኣቦኣ ምውጻኣ ዝተሓዋወሰ ስምዒት ገዲፉላ።

ነዚ ታሪኽ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሩ እያ ተዛሪባቶ።

ሓንቲ ነባሪት እታ ከተማ፡ ወዳ ኤፒ-ፐን ምስ ተኣዘዞ፡ እቶም ስድራቤት 600 ዶላር ክኸፍሉ ኣይከኣሉን ነይሮም።

እንተዀነ፡ እቲ ወፈያ ሆዲ፡ ህይወት ወዶም ከም ዘድሓነ ገሊጻ።

ሕያውነት ኣቦ ታንያ በታ ከተማን መራኸቢ ብዙሃንን ክቃላሕ ግዜ ኣይወሰደሉን።

እቲ ዛንታ ኣብ ዋሽንግተን ፖስት ምስ ተሓተመ፡ ካብ መላእ ሃገር ዝመጹ ሰባት ናብ ፋርማሲ እታ ከተማ ደዊሎም ቀጻሊ ሓገዝ ሓቲቶም።

ታንያ ከም ዝበለቶ፡ ሕያውነት ኣቦኣ፡ ኣብ እዋን ምፍልላይ፡ እቲ ሕብረተሰብ ዝያዳ ክቀራረብ ይገብሮ።

"ሰባት ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ክግደሱ ተስፋ ይህብ" ትብል።