ሕቡእ ካሜራ ገጢሙ ኣመንዝራነት ዝቆጻጸር ዘሎ መንግስቲ

ሕቡእ ካሜራ ገጢሙ ኣመንዝራነት ዝቆጻጸር ዘሎ መንግስቲ
Published

ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ግዜ ኵናት ኮርያ ብተደጋጋሚ ዝንቀሳቐስሉ ዝነበሩ ከተማ ፓጁ [ደቡብ ኮርያ]፡ ካብ 1950ታት ጀሚሩ ስራሕ ኣመንዝራነት ተወዓዊዑ ጸኒሑ።

ምምሕዳር እታ ከተማ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ሕቡእ ካሜራ ገጢሙ ናይ ወሲብ ንግዲ ክቆጻጸር ስለዝጀመረ ግን ብኣመንዝራነት ናብራአን ዝመርሓ ደቂኣንስትዮ ተቓውሞታት ኣስምዔን ኣለዋ።