ፈሊስየን ካቡጋ፡ ብጃምላዊ ቅትለት ዝጥርጠር ሩዋንዳዊ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ

ፈሊስየን ካቡጋ

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

ሓደ ካብቶም ቀንዲ ወደብትን መወልትን ናይቲ ኣብ 1994 ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት ዝዀነ ፈሊስየን ካቡጋ፡ ኣብ ዘ ሄግ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ መጋባእያ ሕቡራት ሃገራት ናብ ፍርዲ ቀሪቡ።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ፈሊስየን ካቡጋ፡ ንቀቢላ ቱትሲ ንምቕታልን ንምውጋእን ጉጅለ ቀተልቲ ዝወደበን ሓንቲ መደበር ራድዮ ኣብ  ልዕሊ እቲ ቀቢላ ጽልኢ ዝዘርእ መደባት ከምእትዝርግሕ ዝገበረን ምዃኑ ገሊጾም። 

ኣብቲ ጃምላዊ ቅትለት ኣስታት 800,000 ዓሌት ቱትሲን ብመጠኑ እውን፡ ነቲ ኵነታት ዝቃወሙ ዝነበሩ ሁቱን ከምዝተቐትሉ ይእመን። 

ጠበቓታት ካቡጋ፡ ናብቲ ቤት ፍርዲ፡ ዓሚልና ገበነኛ ኣይኰነን ዝብል መከላኸሊ ኣቡቱታ'ኳ እንተቕረቡ፡ ንሱ ግን ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ፍርዲ ክቐርብ ኣይደለየን። 

እዚ ኣብ መወዳእታ 80ታት ዕድመኡ ዝርከብ፡ ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ካብቶም ኣብ ሩዋንዳ ዝሃብተሙ ሰባት ዝነበረ ካቡጋ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ኣዝዮም ዝህደኑ ገበነኛታት ሰባት እዩ ነይሩ ። 

ካቡጋ ንኣስታት 26 ዓመት ተሓቢኡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት እዩ ኣብ ፓሪስ ርእሰ ከተማ ፈረንሳ ተረኺቡ ተታሒዙ።

እቶም ፈረንሳውያን መርመርቲ፡ ደድሕሪ ኣሰር ገሊኦም ደቁ ተኸታቲሎም እዮም ኣብ ጥቓ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ኣስኒረስ-ሱፐር-ሲን ኣብ ዝበሃል ቦታ፡ ኣብ ሳልሳይ ደርቢ ሓደ ቤት ሒዞምዎ።

ንሱ፡ ፓስፖርት ሓንቲ ዘይትፍለጥ ኣፍሪቃዊት ሃገር ተጠቒሙ ብናይ ሓሶት መንነት እዩ ክነብር ጸኒሑ። 

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካቡጋ ናብ ፈረንሳ ቅድሚ ምእታው፡ ናቱን ናይ ስድራ ቤቱን ናይ ንግዲ ረብሓታት ኣብ ዘለወን ኬንያ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ይነብር ከምዝነበረ’ዩ ዝንገረሉ።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ንሚስተር ካቡጋ፡ ኣብ ጃምላዊ ቅትለት ቱትሲ እቲ ዝሓየለ ኣጽዋር ኢሎም ዝገልጽዎ፡ ብሓንቲ መደበር ራድዮ ተጠቒምካ ዓሌተ ሁቲ ኣንጻር ቱትሲ ኣጽዋሮም ከልዕሉ ብዝተገብረ ጐስጓስ እዮም ዝኽሱዎ ። 

እታ መደበር ራድዮ፡ ንቱትሲ "ድዱዕ" ብዝብል ጽልኣዊ ቃላት ናይ ቅትለት መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈት እዩ ዝንገር። 

ካብቶም ኣብ ሩዋንዳ ዝሃብተሙ ነጋዶ ዝነበረ ሚስተር ካቡጋ መቕተሊ ጎዞሞታት ብምምዋልን ጕጅለ ጽንተት ብምውዳብን እዩ ዝኽሰስ።

"ካቡጋ ነቲ ጃምላዊ ቅትለት ንምፍጻም ብረት ወይ ጠበንጃ ኣየድለዮን። ኣብ ክንድኡ ብብዝሒ ጎዞሞታት ብምቕራብ ንዕኡ ዝፍጽሙ ምሊሻ ብምስልጣን እዩ ነቲ ተግባር ፈጺሙዎ" ክብል ኣኽባሪ ሕጊ ራሺድ ተዛሪቡ ።

ንሱ ብ2020 ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበ ጠበቓታቱ፡ ብሰንኪ ኣካላዊ ዓቕሙ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ኣይክእልን እዩ ብምባል ናይ ይግባይ ጥርዓን ኣቕሪቦም ነይሮም። 

እንተዀነ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ካቡጋ ዋላ'ውን ድኹም ይዅን እቲ መጋባእያ ኣሕጺሩ ጉዳዩ ክቕጽል ወሲኖም። ኣብ መኽፈቲ እቲ መጋባእያ፡ እቲ ላዕለዋይ ዳኛ፡ ሚስተር ካቡጋ ጽቡቕ ከምዘሎ፡ እንተኾነ ኣብቲ ተኣሲሩሉ ዘሎ ቤት-ማእሰርቲ ኰይኑ ንመስርሕ ፍርዱ ብቪድዮ ክከታተሎ ከምዝወሰነ ገሊጹ። 

ሚስተር ካቡጋ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ናይ ገዛእ ርእሱ ጠበቓ ክመርጽ ስለዘየፍቀደሉ፡ ኣብቲ ናይ ሕጂ ሕጋዊ ወኪሉ “ምትእምማን ከም ዘይብሉ”  መግለጺ ሂቡ። 

ንሱ ሓደ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ጃምላዊ ቅትለት ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝቐርቡ ሰባት እዩ። 

እቲ ዓቃቢ ሕጊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መርመራ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ቅሩብ ዝሕል ዝበለ'ኳ እንተዀነ ኣብ መወዳእታ ግን ፍትሒ ከምዝስዕር ዘርእይ እዩ ክብል ገሊጹ።

እቲ ኣብ ታንዛንያ ዝመደበሩ፡ ንጉዳይ ሩዋንዳ ክርኢ ዝቘመ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ኣብ 2015 ቅድሚ ምዕጻዉ፡ ንልዕሊ 60 ዝኣኽሉ መራሕቲ ጃምላዊ ቅትለት ሩዋንዳ ፈሪዱ እዩ ።

እቲ ዝተረፈ ጉዳያት ድማ ናብዚ ጉዳይ ካቡጋ ዝሰምዐ ዘሎ ቤት ፍርዲ ተመሓላሊፉ ኣሎ። ደያኑ ዘ ሄግ ጥዕና ካቡጋ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ስለ ዝኽእል፡ ጉዳዩ ኣክንዲ ኣብ ታንዛንያ ዝረአ ኣብ ዘ ሄግ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ወሲኖሙሉ። 

እቲ ኣኽባር ሕጊ ኣብቲ ንዓመታት ክጸንሕ ዝኽእል መጋባእያ፡ ልዕሊ 50 መሰኻኽር ከቕርብ ትጽቢት ይግበረሉ።

ካብቲ ጃምላዊ ቅትለት ዝደሓኑ ሰባት ካቡጋ ከይተፈርደ ከይመወት ስለ ዝፈርሑ ቅልጡፍ ፍትሒ ክረኽቡ ይጽውዑ ኣለዉ ።